Leviticus (22/27)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ።
2. ንኣሮንን ንደቁን፡ ካብቲ ደቂ እስራኤል ዚቕደሱለይ ቅዱስ ነገር ኪፍለዮን፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ከኣ ከየርክሱን ንገሮም። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
3. ብዚመጽእ ወለዶኹም ዝኾነ ሰብ ካብ ኩሉ ዘርእኹም፡ ርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ ኸሎ፡ ናብቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዚቕድሱሉ ቅዱስ ነገር ዝቐረበ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ቅድመይ ክትምንቆስ እያ በሎም። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
4. ዝኾነ ሰብ ካብ ዘርኢ ኣሮን ለምጻም ወይ ዘርኡ ዚከዐዎ፡ ክሳዕ ዚነጽሕ ካብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ። ብምውት ዝረኸሰ ዘበለ ነገር ዝተንከየ፡ ወይ ዘርኡ ኻብኡ ዝወጾ ሰብ፡
5. ወይ ንዜርክሶ ዘበለ ለመምታ ዝተንከየ ሰብ፡ ወይ ዝኾነ ርኹሰት ብዘለዎ ሰብ ዝረኸሰ፡
6. ነዚ ዝተንከየን ነፍሲ ኽሳዕ ምሸት ርኽስቲ ትኹን፡ ስጋኡ ብማይ ክሳዕ ዝሕጸብ ካብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ።
7. ጸሓይ ምስ ዐረበት ከኣ ይነጽህ፡ ድሕርቲ፡ ንሱ ምግቡ ኣዩ እሞ፡ ካብቲ ቅዱስ ነገር ይብላዕ።
8. ብእኡ ኸይረክስሲ፡ ሕሉቕን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይብላዕ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
9. ብዛዕባኡ ሓጢኣት ከይጾሩ፡ እንተ ኣርከስዎ ድማ፡ ከሞቱ፡ ትእዛዘይ ይሐልው። ዝቕድሶም ኣነ ኣግዚኣብሄር እየ።
10. ጓና ዘበለ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ፡ ምስ ካህን ዚነብር ወይ ግዚኡ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ።
11. እቲ ኻህን ብገንዘቡ ተሻይጡ ሰብ እንተ እጥረየ ግና፡ ንሱ ኻብኡ ይብላዕ፡ ኣብ ቤቱ እተወልደ ኸኣ ከምኡ፡ እዚኣቶም ካብቲ ኣንጌራኡ ይብልዑ።
12. ጓል ካህን ድማ ሰበይቲ ጓና እንተ ኾነት፡ ካብቲ ናይ ቅዱስ ነገር ዚልዐል መስዋእቲ ኣይትብላዕ።
13. ጓል ካህን ዘበለት እንተ ኾነት ወይ ፍትሕቲ፡ ውሉስ ዜብላ፡ ተመሊሳ፡ ከምቲ ብጓላ ኸላ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ እንተ ተቐመጠት፡ ካብ እንጌራ ኣቦኣ ትብላዕ። ጓና ዘበለ ግና ካብኡ ኣይብላዕ።
14. ዝኾነ ሰብ ብዘይ ምፍላጥ ካብቲ ቅዱስ ነገር ኣንተ ብልዔ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሓምሳይ ኣፍ ወሲኹ እቲ ቅዱስ ነገር ንኻህን ይሀቦ።
15. ዝቕድሶም ኣነ ኣግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ንሳቶም ካብቲ ዝቕድሶም ነገር ብምብላዖም በደል ዚኸኖም ክፍኣት ከይጸሩስ፡ ነቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዚስውእዎ ቅዱስ ነገር ኣየርክሱ።
16. ዝቕድሶም ኣነ ኣግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ንሳቶም ካብቲ ዝቕድሶም ነገር ብምብላዖም በደል ዚኸኖም ክፍኣት ከይጸሩስ፡ ነቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዚስውእዎ ቅዱስ ነገር ኣየርክሱ።
17. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
18. ንኣሮንን ንደቁን ንኹሎም ደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ዝኾነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዚነብር ጓና መስዋእቱ ዜቕርብ፡ መስዋእቲ መብጽዓ ኾነ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፡ ንእግዚኣብሄር ንዚሓርር መስዋእቲ ዜቕርብዎ፡
19. ማንቲ ኺፍተወልኩም፡ ካብ ኣብዑር ኮነ ወይ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፡ ጎደሎ ዜብሉ ተባዕታይ ኣቕርቡ።
20. ጎደሎ ዘለዎ ዘበለ ግና ኣይፍተወልኩምን እዩ እሞ፡ ኣይተቕርብዎ።
21. ዝኾነ ሰብ ድማ ብምፍጻም መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና፡ ካብ ማል ኮነ ውይ ካብ ጤለበጊዕ፡ ምስ ዜቕርብ፡ ምእንቲ ኺፍቶ ጎደሎ ዜብሉ ይኹን፡ ገለ እኳ ጎደሎ ኣይሀልዎ።
22. ዕውር ወይ ስቡአ ወይ ቁሩጽ ወይ ቁሱል ወይ ዐባቕ ወይ ሳሕራም፡ እዚ ንእግዚኣብሄር ኣይተቕርቡሉ። ካብ እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣይትግበሩ ።
23. ብዕራይ ወይ በጊዕ ኣካሉ እንተ ነውሔ ወይ እንተ ሓጸረ፡ ንመስዋእቲ ፍቃድሲ ግበሮ፡ ንመስዋእቲ ምብጽዓ ግና ኣይፍትኖን እየ።
24. ብምጭፍላቕ ወይ ብምቕጥቃጥ ወይ ብምምላሕ ወይ ብምቑራጽ ዝሶረ ንእግዚኣብሄር ኣይተቕርቡሉ፡ ኣብ ሃገርኩምውን ኣይትግበርዎ።
25. እዚኣቶም ጉድኣት እዮም፡ ጎደሎ ኣለዎም እሞ፡ ካብ ኢድ ጓና ድማ ካብዚ ኹሉ እንጌራ ኣምላኽኩም ኣይትቕርቡ፡ ኣይፍተወልኩምን ኣዩ።
26. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
27. ብተይ ወይ የት ወይ ማሕስእ ምስ ተወልደ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ፡ ካብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንንየው ከኣኣ ንመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ፍትዊ እዩ።
28. ላም ኮነ ወይ በጊዕ ምስ ውላዳ ብሓንቲ መዓልቲ ኣይትሕረዱ።
29. መስዋኣቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ምስ እትስውኡሉ፡ ከም ዚፍተወልኩም ጌርኩም ሰውእዎ።
30. በታ መዓልቲ እቲኣ ይበላዕ፡ ካብኣ ገለ እኳ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣይትሕደጉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣየ።
31. ትእዛዛተይ ድማ ሓልው፡ ግበርዎውን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
32. ኣብ ማእክለ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ኽቕደስሲ፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣይተርክስዎ። ዝቕድሰኩም ኣነ ኣግዚኣብሄር እየ።
33. ኣምላኽኩም ምእንቲ ክከውን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

  Leviticus (22/27)