| ← Leviticus (21/27) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንኻህናት፡ ነቶም ደቂ ኣሮን፡ ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ብገለ ምውት ካብ ህዝቡ ኣይርከስ፡ |
| 2. | ብጀካ ብቐረባ ዘመዱ፡ በዲኡ ወይ በቦኡ ወይ ብወዱ ወይ ብጓሉ ወይ ብሓው፡ |
| 3. | ድማ በታ ኣትቕርቦ ድንግል፡ ዘይትመርዐወት ሓብቱ፡ ብእኣ ይርከስ። |
| 4. | ኣብ መንጎ ህዝቡ ጐይታ ኣዩ፡ ከይገሀስ ርእሱ ኣየርክስ። |
| 5. | ርእሶም ላጽዮም ኣየርብሑ፡ ወሰነ ወሰን ጭሕሞም ድማ ኣይላጽዩ፡ ኣብ ስጋኦም ከኣ ብጣሕ ኣይብጥሑ። |
| 6. | ንኣምላኾም ቅዱሳት ይኹኑ፡ ስም ኣምላኾምውን ኣየርከሱ። ንሳቶም ናይ እግዚኣብሄር መሰዋእቲ ሓዊ፡ እንጌራ ኣምላኾም፡ የቕርቡ እዮም እሞ፡ ስለዚ ቅዱሳት ይኹኑ። |
| 7. | ንኣምላኹ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣመንዝራ ወይ ዝነወረት ሰበይቲ ኣየእትው፡ ወይ ካብ ሰብኣያ እተፈትሔት ሰበይቲ ኣየእትው። |
| 8. | ንሱ እንጌራ ኣምላኽካ የቕርብ እዩ እሞ፡ ስለዚ ቀድሶ። ኣነ እግዚኣብሄር ዝቕድሰኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹን። |
| 9. | ጓል ካህን ብምንዝርና እንተ ረኸሰት፡ ንሳ ነቦኣ ኣርከሰት፡ ብሓዊ ትንደድ። |
| 10. | እቲ ኣብ ርእሱ ዘይቲ ቕብኣት እተኻዕዎ፡ ቅዱስ ኣልባስ ኪለብስ ድማ እትቐደሰ፡ ኣብ ኣሕዋቱ ኸኣ ሊቀ ካህናት ዝኾነ፡ ንሱ ርእሱ ኣይቕላዕ፡ ክዳኑውን ኣይቕደድ። |
| 11. | ናብ ገለ ምውት ሰብ ድማ ኣይእቶ፡ በቦኡን በዲኡን ከኣ ኣይርከስ። |
| 12. | እቲ ኣኽሊል ዘይቲ ቕብኣት ኣምላኹ ኣብ ልዕሊኡ እዩ እሞ፡ ካብ መቕደስ ኣይውጻእ፡ መቕደስ ኣምላኽ ኸኣ ኣየርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣየ። |
| 13. | ንሱ ድማ ብድንግልናኣ ዘላ ሰበይቲ የእቱ። |
| 14. | ሰበይቲ ኻብ ህዝቡ ድንግል የእቱ እምበር መበለት ወይ ፍትሕቲ ወይ ዝረኸሰት ወይ ኣመንዝራ ኣየእቱ። |
| 15. | ዝቕድሶ ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ዘርኡ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኣየርክስ። |
| 16. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። |
| 17. | ንኣሮን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ ብዝመጽእ ወለዶኦም ዝኾነ ሰብ ካብ ዘርእኻ ጎደሎ ዘለዎ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። |
| 18. | ዝኾነ ሰብ ጎደሎ ዘለዎ፡ ዕውር ወይ ሓንካስ ወይ ጥፍሉሕ ኣፍንጫኡ ወይ ኣብ ኣካሉ ገለ ሓለፋ ዘለዎ፡ |
| 19. | ወይ ስቡር እግሪ ወይ ስቡር ኢድ ዘለዎ ሰብ፡ |
| 20. | ወይ ጎባጥ ወይ ድንኪ ወይ ዓይኑ ዝሐበለ ወይ ሻሕራም ወይ ዓባቕ ወይ ስሉብ ኣይቕረብ። |
| 21. | ካብ ዘርኢ ኻህን ኣሮን ጎደሎ ዘለዎ ዘበለ ሰብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ኬቕርብ ኣይቕረብ። ጎደሎ ኣለዎ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። |
| 22. | እንጌራ ኣምላኹ ኻብቲ ቅዱስ ቅዱሳንን ካብቲ ቅዱሳን ይብላዕ። |
| 23. | ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ጎደሎ ስለ ዘለዎ፡ መቓድሰይ ከየርክስ፡ ናብ ውሽጢ መጋረጃ ኣይእቶ፡ ናብ መሰውኢ ከኣ ኣይቕረብ። |
| 24. | ሙሴ ድማ እዚ ንኣሮንን ንደቁን ንኹሎም ደቂ እስራኤልን ተዛረቦም። |
| ← Leviticus (21/27) → |