Leviticus (20/27)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ዝኾነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዚነብሩ ጓኖት፡ ካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ዚህብ፡ ሞት ይሙት፡ ህዝቢ እታ ሃገር ብዳርባ እምኒ ይቐተልዎ።
3. መቕደሰይ ኬርክስን ቅዱስ ስመይ ከኣ ኬሕስርን፡ ካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ሂቡ እዩ እሞ፡ ኣነ ገጸይ ናብቲ ሰብ እቲ ኽመልስ፡ ካብ ህዝቡ ድማ ክምንቁሶ እየ።
4. እቲ ሰብኣይ ዘርኡ ንሞሎኽ ኪህብ ከሎ፡ ኣቶም ህዝቢ ኣታ ሃገር ከይቕትሎም ኣዒንቶም እንተ ዐመቱ፡
5. ሽዑ ኣነ ናብቲ ሰብኣይ እትን ናብ ቤተሰቡን ገጸይ ክመልስ ኣየ፡ ንኣኡን ነቶም ምስ ሞሎኽ ኪምንዝሩ ብምንዝርና ዚስዕብዎ ኹሎም ድማ ካብ መንጎ ህዝቦም ክምንቁሶም እየ።
6. ናብቶም መናፍስቲ ጥንቆላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጎልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢለ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ ኣየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቁሳ እየ።
7. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ስለዚ ንስኻትኩም ተቐደሱ ቅዱሳት ድማ ኩኑ።
8. ሕጋጋተይ ሐልው፡ ግበርዎውን። ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
9. ዝኾነ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመ፡ ሞት ይሙት። ነቡኡን ነዲኡን ረጊሙ እዩ እሞ። ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ።
10. ኣብ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘወወ ሰብ፡ ኣብ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዘመወ፡ እቲ ዝዘመወን ኣታ ዝዘመወትን ሞት ይሙቱ።
11. ምስ ሰበይቲ ኣቡኡ ዝደቀሰ ሰብ፡ ሕፍረት ኣቧኡ ቐልዔ፡ ክልቲኦም ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም ኣዩ።
12. ምስ ሰበይቲ ወዱ ዝደቀሰ ሰብ፡ ክልቲኣኦም ሞት ይሙቱ። ነውሪ ገይሮም ኣዮም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።
13. ሰብኣይ ከም ዘበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፡ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊ ኦም እዩ።
14. ሓደ ሰብ ድማ ጓልን ኣዲኣን ኣንተ ኣእተወ፡ እዚ ርኽሰት እዩ፡ ርኽሰት ኣብ ማኣከልኩም ከይርከብሲ፡ ንሱን ንሳተንን ብሓዊ ይንደዳ።
15. ሰብ ከኣ ምስ እንስሳ ብስጋ ኣንተ ተራኸበ፡ ሞት ይሙት፡ ነታ እንስሳውን ቅተልዋ።
16. ሰበይቲ ድማ ብስጋ ኽትራኸቦ ኢላ ናብ ገለ እንስሳ እንተ ቖረበት፡ ነታ ሰበይትን ነቲ እንስሳን ቅተሎም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።
17. ሰብ ከኣ ሓብቱ፡ ጓል ኣቧኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ እንተ ኣእተወ፡ ሕፍረታ ድማ እንተ ረአየ ንሳውን ሕፍረቱ እንተ ረአየት፡ እዚ ነውሪ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ደቁ ህዝቦም ይምንቆሱ። ንሱ ሕፍረት ሓብቱ ቐሊዑ እዩ፡ ክፍኣቱ ኺጸውር እዩ።
18. ሰብ ከኣ ምስ በዓልቲ ጻግነ ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፡ ሕፍረታውን እንተ ቐልዔ፡ ፈልፋሊኣ ቐልዔ፡ ንሳ ኸኣ ፈልፋሊ ደማ ቐልዔት፡ ስለዚ ኽልቲኦም ካብ ማእከል ህዝቦም ኪምንቆሱ እዮም።
19. ሕፍረት ሓትኖኻን ኣሞኻን ኣይትቕላዕ። ሕፍረት ቀረባ ስጋኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፡ ክፍኣቶም ኪጾሩ እዮም።
20. ሰብ ድማ ምስ ሰበይቲ ሓው ኣቦኡ እንተ ደቀሰ፡ ሕፍረት ሃው ኣቡኡ ቖልዔ፡ ሓጢኣቶም ይጹሩ፡ ሓድጊ ዜብሎም ይሙቱ።
21. ሰብ ከኣኣ ሰበይቲ ሓው እንተ ኣእተወ፡ እዚ ርኽሰት እዩ፡ ሕፍረት ሓው ቐልዔ፡ ሓድጊ ዜብሎም ይኹኑ።
22. እታ ኽትነብረላ ኢለ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ኸይትተፍኣኩምሲ፡ ኩሉ ሕጋጋትይን ኩሉ ፍርድታተይን ሓልውን ግበሩን።
23. ብኣመል እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝቢ ኣይትኺድ፡ እዚ ኹሉ ገይሮም እዮም ኣሞ ፈንፈንክዎ።
24. በልኩኹም ድማ ንስኻትኩም ምድሮም ክትርስትዩ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ እታ ጸባን መዓርን እትውሕዝ ምድሪ ንርስቲ ኽህበኩም ኣየ። ካብ ህዝብታት ዝፈሌኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
25. እምበኣርሲ ኣብ መንጎ ንጹሃትን ርኹሳትን እንስሳ፡ ኣብ መንጎ ርኹሳትን ኣዕዋፍ ድማ ፍለዩ፡ በቶም ርኹሳት ገይረ ዝፈለኹልኩም እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብልን ነፍሳትኩም ኣይተርክሱ።
26. ኣነ እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ ኣሞ፡ ቅዱሳት ኩነለይ፡ ናተይ ክትኮነ ኸኣ ካብ ህዝብታት ፈልየልኩም እየ።
27. ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቆላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጎል እንተ ኾነ፡ ሞት ይሙቱ፡ ብዳርባ ኣምኒ ይቕተልዎም፡ ደጊም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

  Leviticus (20/27)