Leviticus (2/27)  

1. ሓደ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብልዒ ምስ ዜቕርብ፡ ኣቲ መስዋእቱ ኻብ ድኽም ሓርጭ ይኹን፡ ዘይቲ ይኽዐወሉ፡ ዕጣንውን ይግበረሉ።
2. ናብ ካህናት፡ ደቂ ኣሮን፡ የምጽኣዮ፡ እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ድኹም ሓርጩን ካብቲ ዘይቱን ምሉእ ኢድ ወሲዱ፡ ምስ ኩሉ እቲ ዕጣኑ ገይሩ ንመዘከርታኡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ምስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።
3. ኣቲ ኻብ መስዋእቲ ብልዒ ዝተረፈ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተሰውኤ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
4. መሰዋእቲ ብልዒ ኣብ ኣቶን ካብ ሰንከተ ምስ እተቕርብ ድማ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቖምጥዔ፡ ዘይበኹዔ ቕጫታትን ዘይተ እተለኸየ፡ ዘይበኹዔ ረቀቕቲ ቕጫታት ይኹን።
5. መስዋቲ ኣብ መቑሎ ኻብ እተሰንከተ እንተ ኾይኑ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ይኹን።
6. ቑራሪስካ ኸኣ ዘይቲ ኸዐወሉ፡ ንሱ መስዋእቲ ብልዒ እዩ።
7. መስዋእትኻ ኣብ ቁራዕ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ እንተ ኾነ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ምስ ዘይቲ ይገብር።
8. እቲ ኻብቲ ነገርዚ እተገብረ መስዋኣቲ ብልዒ ናብ እግዚኣብሄር ኣምጽኣዮ፡ ናብቲ ኻህን ድማ ኣቕርቦ፡ ንሱ ኸኣ ናብ መሰውኢ የቕርቦ።
9. እቲ ካህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ ብልዒ ንመዘከርታ ዚኸውን ኣልዒሉ፡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።
10. እቲ ኻብ መስዋእቲ ብልዒ ዝተረፍ ድማ ንኣሮንን ንደቅን ይኹን። እዚ ኣብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ተገብረ መስዋቲ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
11. እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ብልዒ ገለ እኳ ብኹዕ ኣይገበር። ካብ ብኹዕ ኾነ ወይ ካብ መዓር ንእግዚኣብሄር ገለ እኳ መስዋእቲ ሓዊ ኣይተሕርሩ።
12. ከም መስዋእቲ ቐዳማይ ፍረ ናብ እግዚእብሄር ኣቕርብዎ፡ ግናኸ ከም ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ኣይገበር።
13. ንኹሉ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ጨው ኣቃምሞ፡ ኣብቲ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይተትርፈሉ፡ ኣብ ኩሉ መሰውእታትካ ጨው ኣቕርብ።
14. ካብ በኹሪ ፍርያት ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብልዒ እንተ እቅረብክ፡ ካብ በኹሪ ፍርያትካ ልምሉም እተበቁጸ ኣብ ሓዊ እተጠብሰ ሰዊት ንመስዋእት ብልዒ ኣቕርብ።
15. ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዘይቲ ኸዐወሉ ዕጣንውን ግበረሉ። እዚ መስዋእቲ ብልዒ እዩ።
16. እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ሕሱይ እኽልን ካብቲ ዘይትን ምስ ኩሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከርታ የሕርሮ። ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ እዩ።

  Leviticus (2/27)