| ← Leviticus (2/27) → |
| 1. | ሓደ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብልዒ ምስ ዜቕርብ፡ ኣቲ መስዋእቱ ኻብ ድኽም ሓርጭ ይኹን፡ ዘይቲ ይኽዐወሉ፡ ዕጣንውን ይግበረሉ። |
| 2. | ናብ ካህናት፡ ደቂ ኣሮን፡ የምጽኣዮ፡ እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ድኹም ሓርጩን ካብቲ ዘይቱን ምሉእ ኢድ ወሲዱ፡ ምስ ኩሉ እቲ ዕጣኑ ገይሩ ንመዘከርታኡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ምስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። |
| 3. | ኣቲ ኻብ መስዋእቲ ብልዒ ዝተረፈ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተሰውኤ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። |
| 4. | መሰዋእቲ ብልዒ ኣብ ኣቶን ካብ ሰንከተ ምስ እተቕርብ ድማ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቖምጥዔ፡ ዘይበኹዔ ቕጫታትን ዘይተ እተለኸየ፡ ዘይበኹዔ ረቀቕቲ ቕጫታት ይኹን። |
| 5. | መስዋቲ ኣብ መቑሎ ኻብ እተሰንከተ እንተ ኾይኑ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ይኹን። |
| 6. | ቑራሪስካ ኸኣ ዘይቲ ኸዐወሉ፡ ንሱ መስዋእቲ ብልዒ እዩ። |
| 7. | መስዋእትኻ ኣብ ቁራዕ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ እንተ ኾነ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ምስ ዘይቲ ይገብር። |
| 8. | እቲ ኻብቲ ነገርዚ እተገብረ መስዋኣቲ ብልዒ ናብ እግዚኣብሄር ኣምጽኣዮ፡ ናብቲ ኻህን ድማ ኣቕርቦ፡ ንሱ ኸኣ ናብ መሰውኢ የቕርቦ። |
| 9. | እቲ ካህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ ብልዒ ንመዘከርታ ዚኸውን ኣልዒሉ፡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። |
| 10. | እቲ ኻብ መስዋእቲ ብልዒ ዝተረፍ ድማ ንኣሮንን ንደቅን ይኹን። እዚ ኣብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ተገብረ መስዋቲ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። |
| 11. | እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ብልዒ ገለ እኳ ብኹዕ ኣይገበር። ካብ ብኹዕ ኾነ ወይ ካብ መዓር ንእግዚኣብሄር ገለ እኳ መስዋእቲ ሓዊ ኣይተሕርሩ። |
| 12. | ከም መስዋእቲ ቐዳማይ ፍረ ናብ እግዚእብሄር ኣቕርብዎ፡ ግናኸ ከም ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ኣይገበር። |
| 13. | ንኹሉ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ጨው ኣቃምሞ፡ ኣብቲ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይተትርፈሉ፡ ኣብ ኩሉ መሰውእታትካ ጨው ኣቕርብ። |
| 14. | ካብ በኹሪ ፍርያት ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብልዒ እንተ እቅረብክ፡ ካብ በኹሪ ፍርያትካ ልምሉም እተበቁጸ ኣብ ሓዊ እተጠብሰ ሰዊት ንመስዋእት ብልዒ ኣቕርብ። |
| 15. | ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዘይቲ ኸዐወሉ ዕጣንውን ግበረሉ። እዚ መስዋእቲ ብልዒ እዩ። |
| 16. | እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ሕሱይ እኽልን ካብቲ ዘይትን ምስ ኩሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከርታ የሕርሮ። ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ እዩ። |
| ← Leviticus (2/27) → |