Leviticus (19/27)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ።
2. ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ተዛረቡ በሎም ድማ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳት ኩኑ።
3. ነፍስ ወከፍኩም ኣዲኡን ኣቡኡን ይፍራህ። ሰናብተይ ሐልው። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
4. ናብ ጣኦታት ኣይትመለሱ፡ ኣማልኽቲ ፍሲ ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
5. ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ምስ እትስውኡ፡ ባህ ከም ዜብሎ ጌርኩም ሰውኡ።
6. በታ እትስውኡላ መዓልትን ንጽባሒታን ይበላዕ። እቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዕላቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይንደድ።
7. ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዔ፡ ፍንፋን ኣዩ፡ ኣይቅቡልን ኣዩ።
8. እቲ ዝበልዖ ድማ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ ክፍኣቱ ይጸውር፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኸኣ ካብ ህዝባ ክትምንቆስ እያ።
9. ዓጺድ ምድርኹም ምስ እትዐጽዱ፡ ነቲ ደረት ግራትካ ፈጺምካ ኣይትዕጸዶ፡ ነቲ ቀሪም ዐጺድካውን ኣይትረእዮ።
10. ንወይንኻ ድማ ኣይተዋሕዮ፡ ነቲ ኣብ ወይንኻ ዝወደቐ ፍረ ኸኣ ኣይተርእዮ፡ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
11. ኣይትስረቑን ኣይትጠብሩን፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይትሓስው።
12. ንስም ኣምላኽካ ኸይተርክስ፡ ብስመይ ብሓሶም ኣይትምሓሉ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
13. ንብጻይካ ኣይጽቀጦን ኣይትዘርፎን፡ ወይ ውዕለት ወዓልት ክሳዕ ብጊሓት ምሳኽ ኣይሕደር።
14. ንጸማም ኣይትርገሞ፡ ኣብ ቅድሚ ዕውር ድማ መዓንቀፊ ኣይተንብር፡ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
15. ብፍርዲ ኣይተዐምጹ፡ ንድኻ ገጹ ርኢኻ ኣይተዳልዎ፡ ነቲ ስልጡን ድማ ገጽ ርኢኻ ኣይተኽብሮ፡ ንብጻይካ ግና ብቕንዕና ፍረድ።
16. ክትሓሚ ኢልካ ኣብ ህዝብኻ ኣይትዙር፡ ናብ ደም ብጻይካ ኣይትለዐል። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
17. ንሓውካ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮ ንብጻይካስ፡ ብዛዕባእ ሓጢኣት ከይትጸውር፡ ኣጺብቕካ ግንሓዮ።
18. ንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደየን ኣይትቀየምን፡ ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
19. ሕጋጋተይ ሓልው፡ ምልካ ምስ ካልእ ዓይንት ኣይተታሉ፡ ንግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኣያ፡ ካብ ክልተ ዓይነት እተሐወሰ ዓለባ ኣይትከደን።
20. ሰባኣይ ምስ ሓንቲ ብዋጋ ሓራ ዘይወጸት፡ ሓራ ድማ ዝይተዋህባ፡ ባርያ ኽነሳ ንሓደ ሰብኣይ እተሓጽየት ሰበይቲ ደቂሱ ኣንተ ተራኸባ፡ ንሳ ሓራ ስለ ዘይወጸት ግና ይቀጽዑ ደኣ እምበር፡ ኣይሙቱ፡
21. ንሱ ድማ ንመስዋእቲ በደሉ፡ ድዑል መስዋእቲ በደል ናብ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ።
22. ስለ እቲ ዝገብሮ ሓጢኣቱ ኸኣኣ እቲ ኻህን በቲ ድዑል መስዋእቲ በደል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ፡ እቲ ዝገብሮ ሓጢኣቱ ድማ ይሕደገሉ።
23. ናብታ ምድሪ ምስ ኣቶኹም ኩሉ ዓይነት ዚብላዕ ኦም ምስ ተኸልኩም፡ ነቲ ፍርኤ ኸም ዝይትገብረ ርአይዎ። ሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገዝረ ርኣይዎ። ሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገዝረ ይኹንኩም፡ ኣይብላዕ ድማ።
24. ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት ድማ ብዘሎ ፍሬኡ ንምስጋና እግዚኣብሄር ይቀደስ።
25. ኣብዚሑ ኽፈርየልኩምሲ፡ ኣብ ሓምሰይቲ ዓመት ፍሬኡ ብልዑ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
26. ምስናይ ደም ገለ እኳ ኣይትብልዑ። ኣይትጠንቁሉን ኣይተማርቱን።
27. ወሰነ ወሰን ጸጉሪ ርእስኹም ኣይትቑረጹ፡ ወሰነ ወሰን ጭሕምኩም ኣይትቑረጹ።
28. ብዛዕባ ምውት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ፡ ጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኹም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
29. እታ ሃገር ከይትምንዝር፡ እታ ሃገር ድማ ብርኽሰት ከይትመልእ፡ ንጓልካ ኣመንዝራ ጌርካ ኣይተርክሳ።
30. ሰናብተይ ሓልው፡ መቕደሰይ ከኣ ፍርሁ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
31. ናብ መንፈስ ጥንቆላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጎልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
32. ኣብ ቅድሚ ሽያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር፡ ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
33. ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ድማ ኣይትግፍዕዎ።
34. ንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ እቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፡ ከም ነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
35. ብፍርዲ ኮነ፡ ብመለክዒ እመት ኮነ፡ ብሚዛን ኮነ፡ ብምሰ ኾነ፡ ኣይትዐምጹ።
36. ቅኑዕ ሚዛን፡ ቅኑዕ መምዘኒ፡ ቅኑዕ ኤፋ፡ ቅኑዕ ሂን ድማ ይሀሉኹም። ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ።
37. እምብኣርሲ ኹሉ ሕጋጋተይን ኩሉ ፍርድታተይን ሓልው ግበርዎ ኸኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

  Leviticus (19/27)