← Leviticus (19/27) → |
1. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። |
2. | ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ተዛረቡ በሎም ድማ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳት ኩኑ። |
3. | ነፍስ ወከፍኩም ኣዲኡን ኣቡኡን ይፍራህ። ሰናብተይ ሐልው። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። |
4. | ናብ ጣኦታት ኣይትመለሱ፡ ኣማልኽቲ ፍሲ ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። |
5. | ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ምስ እትስውኡ፡ ባህ ከም ዜብሎ ጌርኩም ሰውኡ። |
6. | በታ እትስውኡላ መዓልትን ንጽባሒታን ይበላዕ። እቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዕላቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይንደድ። |
7. | ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዔ፡ ፍንፋን ኣዩ፡ ኣይቅቡልን ኣዩ። |
8. | እቲ ዝበልዖ ድማ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ ክፍኣቱ ይጸውር፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኸኣ ካብ ህዝባ ክትምንቆስ እያ። |
9. | ዓጺድ ምድርኹም ምስ እትዐጽዱ፡ ነቲ ደረት ግራትካ ፈጺምካ ኣይትዕጸዶ፡ ነቲ ቀሪም ዐጺድካውን ኣይትረእዮ። |
10. | ንወይንኻ ድማ ኣይተዋሕዮ፡ ነቲ ኣብ ወይንኻ ዝወደቐ ፍረ ኸኣ ኣይተርእዮ፡ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። |
11. | ኣይትስረቑን ኣይትጠብሩን፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይትሓስው። |
12. | ንስም ኣምላኽካ ኸይተርክስ፡ ብስመይ ብሓሶም ኣይትምሓሉ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። |
13. | ንብጻይካ ኣይጽቀጦን ኣይትዘርፎን፡ ወይ ውዕለት ወዓልት ክሳዕ ብጊሓት ምሳኽ ኣይሕደር። |
14. | ንጸማም ኣይትርገሞ፡ ኣብ ቅድሚ ዕውር ድማ መዓንቀፊ ኣይተንብር፡ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። |
15. | ብፍርዲ ኣይተዐምጹ፡ ንድኻ ገጹ ርኢኻ ኣይተዳልዎ፡ ነቲ ስልጡን ድማ ገጽ ርኢኻ ኣይተኽብሮ፡ ንብጻይካ ግና ብቕንዕና ፍረድ። |
16. | ክትሓሚ ኢልካ ኣብ ህዝብኻ ኣይትዙር፡ ናብ ደም ብጻይካ ኣይትለዐል። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። |
17. | ንሓውካ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮ ንብጻይካስ፡ ብዛዕባእ ሓጢኣት ከይትጸውር፡ ኣጺብቕካ ግንሓዮ። |
18. | ንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደየን ኣይትቀየምን፡ ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። |
19. | ሕጋጋተይ ሓልው፡ ምልካ ምስ ካልእ ዓይንት ኣይተታሉ፡ ንግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኣያ፡ ካብ ክልተ ዓይነት እተሐወሰ ዓለባ ኣይትከደን። |
20. | ሰባኣይ ምስ ሓንቲ ብዋጋ ሓራ ዘይወጸት፡ ሓራ ድማ ዝይተዋህባ፡ ባርያ ኽነሳ ንሓደ ሰብኣይ እተሓጽየት ሰበይቲ ደቂሱ ኣንተ ተራኸባ፡ ንሳ ሓራ ስለ ዘይወጸት ግና ይቀጽዑ ደኣ እምበር፡ ኣይሙቱ፡ |
21. | ንሱ ድማ ንመስዋእቲ በደሉ፡ ድዑል መስዋእቲ በደል ናብ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ። |
22. | ስለ እቲ ዝገብሮ ሓጢኣቱ ኸኣኣ እቲ ኻህን በቲ ድዑል መስዋእቲ በደል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ፡ እቲ ዝገብሮ ሓጢኣቱ ድማ ይሕደገሉ። |
23. | ናብታ ምድሪ ምስ ኣቶኹም ኩሉ ዓይነት ዚብላዕ ኦም ምስ ተኸልኩም፡ ነቲ ፍርኤ ኸም ዝይትገብረ ርአይዎ። ሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገዝረ ርኣይዎ። ሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገዝረ ይኹንኩም፡ ኣይብላዕ ድማ። |
24. | ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት ድማ ብዘሎ ፍሬኡ ንምስጋና እግዚኣብሄር ይቀደስ። |
25. | ኣብዚሑ ኽፈርየልኩምሲ፡ ኣብ ሓምሰይቲ ዓመት ፍሬኡ ብልዑ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። |
26. | ምስናይ ደም ገለ እኳ ኣይትብልዑ። ኣይትጠንቁሉን ኣይተማርቱን። |
27. | ወሰነ ወሰን ጸጉሪ ርእስኹም ኣይትቑረጹ፡ ወሰነ ወሰን ጭሕምኩም ኣይትቑረጹ። |
28. | ብዛዕባ ምውት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ፡ ጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኹም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። |
29. | እታ ሃገር ከይትምንዝር፡ እታ ሃገር ድማ ብርኽሰት ከይትመልእ፡ ንጓልካ ኣመንዝራ ጌርካ ኣይተርክሳ። |
30. | ሰናብተይ ሓልው፡ መቕደሰይ ከኣ ፍርሁ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። |
31. | ናብ መንፈስ ጥንቆላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጎልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። |
32. | ኣብ ቅድሚ ሽያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር፡ ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። |
33. | ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ድማ ኣይትግፍዕዎ። |
34. | ንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ እቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፡ ከም ነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። |
35. | ብፍርዲ ኮነ፡ ብመለክዒ እመት ኮነ፡ ብሚዛን ኮነ፡ ብምሰ ኾነ፡ ኣይትዐምጹ። |
36. | ቅኑዕ ሚዛን፡ ቅኑዕ መምዘኒ፡ ቅኑዕ ኤፋ፡ ቅኑዕ ሂን ድማ ይሀሉኹም። ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ። |
37. | እምብኣርሲ ኹሉ ሕጋጋተይን ኩሉ ፍርድታተይን ሓልው ግበርዎ ኸኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። |
← Leviticus (19/27) → |