Leviticus (16/27)  

1. ድሕሪ ሞት ክልቲኦም ደቂ ኣሮን፡ እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ቀረቡ ዝሞቱ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተዛረቦ።
2. እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ በሎ፡ ኣነ ብደበና ኣብ ልዕሊ መኽደን መተዓረቒ ኽርኤ እየ እሞ፡ ንሓውካ ኣሮን ከይመውትሲ፡ ናብ ቤት መቕደስ ኣብ ውሽጢ መጋረጃ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ መኽደን መተዓረቒ ኹሉ ጊዜ ኸይኣቱ፡ ንገሮ።
3. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ፡ ንዚሓርር መስውእቲ ኸኣ ሓደ ድዑል ሒዙ፡ ኣሮን በዚ ናብ ቤት መቕደስ ይእቶ።
4. እቲ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅዱስ ቀምሽ ታሕቲ ይከደን፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ስረ ኸኣ ኣብ ሎኢ ስጋኡ ይግበር፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ መጠምጠምያውን ኣብ ርእሱ ይተምጥም። እዚ ቅዱስ ኣልባስ እዩ፡ ስጋኡ ብማይ ይተሓጸቡ ይከደኖ።
5. ካብ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ንመስዋእቲ ሃጢኣት ክልተ ድቤላ፡ ንዚሓርር መስዋእትውን ሓደ ድዑል ይውሰድ።
6. ኣሮን ከኣ ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርቦ፡ ንርእሱን ንቤቱን ከኣ ይተዐርቅ።
7. ንኽልቲኦም ድቤላ ወሲዱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው የብሎም።
8. ኣሮን ድማ ነቶም ክልተ ድቤላ፡ ሓደ ዕጭ ንእግዚኣብሄር፡ ሓደ ዕጭ ከኣ ንዓዛዜል ኪኸውን፡ ዕጭ የውድቐሎም።
9. ኣሮን ድማ ነቲ ዕጭ ንእግዚኣብሄር ዝበጽሖ ድቤላ የቕርቦ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይሰውኣዮ።
10. እቲ ብዕጭ ንዓዛዜል ዝበጽሔ ድቤላ ግና ንዓዛዜል ናብ በረኻ ኺስደድ፡ ንምትዕራቑ ብህይወት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ይበል።
11. ኣሮን ከኣ ነቲ ርእሱ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርቦ፡ ንርእሱን ንቤቱን ድማ የተዐርቅ፡ ነቲ ንርእሱ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ይሕረዶ።
12. ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መስውኢ ጽንሃህ ምሉእ ጓህሪ ይውስድ፡ ካብቲ እተጎድኤ ምኡዝ ዓጥን ከኣ ምሉእ ሕፍኑ ወሲዱ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእተዎ።
13. ከይመውትሲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ደበና ዕጣን ምእንቲ ኪኸውን ኸኣ፡ ነቲ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብቲ ሓዊ ይግበር።
14. ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ድማ፡ ናብ መኽደን መተዓረቒ ብሸነኽ ምብራቑ በጻብዑ ይንጸግ፡ ኣብ ቅድሚ መኽደን መተዓረቒውን ካብቲ ደም ሾብዓተ ሳዕ በጻብዑ ይንጸግ።
15. ነቲ ድቤላ መስውእቲ ሓጢኣት ህዝቢ ድማ ይሕረዶ፡ ነቲ ደሙ ኸኣ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ፡ በቲ ደሙውን ከምቲ ብደም ኣቲ ዝራብዕ ዝገብሮ ይግበር፡ ኣብ ልዕሊ መኽደን መተዓረቕን ኣብ ቅድሚ መኽደን መተዓረቕን ይንጸጎ።
16. ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኤል ካብ በደሎምን ብዝኾነ ሓጢኣቶም ንመቕደስ የተዐርቆ። ነቲ ምሳታቶም ኣብ ማእከል ርኽሰቶም ዘሎ ድንኳን ምርኻብ ድማ ከምኡ ይግበረሉ።
17. ንሱ ኼተዐርቕ ናብ መቕደስ ምስ ዚኣቱ፡ ክሳዕ ዚወጽእ ንርእሱን ንቤቱን ንብዘላ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ክሳዕ ዜተዐርቖ፡ ገለ ሰብ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣይኹን።
18. ናብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ወጺኢ ኸኣ፡ ንእኡ የተዐርቆ። ካብ ደም እቲ ዝራብዕን ካብ ደም እቲ ድቤላን ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብዙርያኡ ይግበሮ።
19. ካብቲ ደም ከኣ በጻብዑ ሾብዓተ ሳዕ ኣብ ልዕሊኡ ይንጸግ፡ ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኣኤል ድማ የንጽሃዮን ይቐድሶን።
20. ንመቕደስን ንድንኳን ምርኻብን ንመሰውእን ዕሪቑ ምስ ወድኤ ኸኣ፡ ነቲ ህያው ድቤላ የቕርቦ።
21. ኣሮን ድማ ክልቲኡ ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ሃያው ድቤላ የንብር እሞ፡ ብኹሉ ኽፍኣት ደቂ እስራኣኤልን ብኹሉ በድሎምን ብኹሉ ሓጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ድቤላ ኸኣ የንብሮ፡ ብኢድ እቲ ነዚ እተዳለወ ሰብኣይ ድማ ንበረኻ ይስደዶ።
22. እቲ ድቤላ ኸኣ ንኹሉ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኡ ናብ ጽምዊ ምድሪ ይጹሮ፡ ነቲ ድቤላ ድማ ንበረኻ ይፈንዎ።
23. ኣሮን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ይእቶ ነቲ ናብ መቕደስ ኪአቱ ኸሎ ለቢስዎ ዝነበረ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣልባሳትውን የውሽሳዮ፡ ኣብኡ ኸኣ ይሕደጎ።
24. ድማ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኾይኑ፡ ስጋኡ ብማይ ይተሓጸብ፡ ክዳውንቱ ኸኣ ይኸደን። ወጺኡ ድማ ነቲ ዚሓርር መስዋእቱን ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ህዝቡን ይሰውእ፡ ንርእሱን ንህዝቡን የተዐርቕ።
25. ስብሒ መስዋእቲ ሃጢኣኣት ድማ ኣብ መሰውኢ የሕርር።
26. እቲ ነቲ ድቤላ ንዓዛዜል ዝፈለወ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ ስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕርዚ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ።
27. መስውእቲ ሓጢኣትን፡ ደሞም ንምትዕራቕ ናብ መቕደስ ዝኣተወ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣዮም፡ ቆርበቶምን ስጋኦምን ፈርሶምን ከኣ ብሓዊ የንድድዎ።
28. እቲ ዚንድድዎ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ ስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕርዚ ናብ ሰፈር ይእቶ።
29. እዚ ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም፡ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ብዓሰረይቲ መዓልቲ፡ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ኣብ ማእከሎም ዚቕመጥ ስደተኛ፡ ነፍስኹም ኣዋርዱ፡ ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩ።
30. በታ መዓልቲ እቲኣ ምእንቲ ኽትነጽሁስ ክትተዐረቑ ኢኹም ኣሞ፡ ካብ ኩሉ ሓጢኣትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርክትጸንዑ ኢኹም።
31. ንኣኻትኩም ዓባይ ሰነብት ዕረፍቲ እያ፡ ነፍስኹም ከኣ ኣዋርዱ፡ ሕጊ ዘለኣለም እዩ።
32. እቲ ኣብ ክንዲ ኣቡኡ ኻህን ኪኸውን እተቐባኤን እተቐደሰን ካህን የተዐርቕ፡ እቲ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣልባስ ድማ፡ እቲ ቅዱስ ኣልባስ ይልበስ።
33. ነቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከኣ የተዐርቕ፡ ንድንኳን ምርኻብን ንመሰውእን ድማ የተዐርቕ፡ ንኻህናት ንኹሉ ህዝቢ ማሕበርን ከኣ የተዐርቕ።
34. ንደቂ እስራኤል ሓንሳእ ኣብ ዓመት ካብ ኩሉ ሓጢኣቶም ንምትዕራቕ፡ እዚ ሕጊ ዘለኣለም ይኹነልኩም። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ ገበረ።

  Leviticus (16/27)