Leviticus (15/27)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
2. ንደቂ እስራኤል ተዛረብዎም በልዎም ከኣ፡ ሓደ ሰብ ካብ ስጋኡ ጅግል ምስ ዚከዐዎ፡ በቲ ምኽዓው ርኹስ እዩ።
3. እቲ ጅግል ኽሳዕ ዘሎ፡ ርኽሰቱ እዚ እዩ። ስጋኡ ጅግል እንተ ኸዐወ፡ ነቲ ጅግል እንተ ኸልከሎ፡ ንሱ ርኽሰቱ እዩ።
4. እቲ በዓል ጅግል ዝደቀሶ ኹሉ መደቀሲ ይረክስ፡ ኮፍ ዝበሎ ኹሉ ኣቕሓ ድማ ይርከስ።
5. ንመደቀሲኡ ዝተንከየ ዘበለ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ድማ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
6. በዓል ጅግል ኮፍ ኣብ ዝበሎ ኣቕሓ ኾፍ ዜብልውን፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
7. ንስጋ እቲ ግጃል ዝተነከየ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
8. እቲ ጀጋል ንሓደ ንጹህ ጡፍ እንተ በለሉ ኸኣ፡ ንሱ ኽዳውንቱ ይሕጸብ ብማይ ድማ ይተሓጸብ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።
9. እቲ ጀጋል እተወጥሓሉ ዘበለ ኮረሻ ኸኣ ርኹስ ይኹን።
10. ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ኹሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለውን ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን፡ ነዚ ዚልዐለ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ድማ ይተሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
11. እቲ ጀጋል ኢዱ ኸይተሓጸበ ዝተነከዮ ኹሉ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ መሸትውን ርኹስ ይኹን።
12. እቲ ጀጋል ዝተነከዮ ኣቕሓ መሬት ይሰበር፡ ኩሉ ኣቕሓ ዕጨይቲ ኸኣ ብማይ ይተሓጸብ።
13. እቲ ጀጋል ካብ ጅግሉ ምስ ነጽሄ ድማ፡ ንምንጻሁ ሾብዓተ መዓልቲ ይቑጸር፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ስጋኡ ኸኣ ብፈልፋሊ ማይ ይተሓጸብ፡ ሾኡ ይነጽህ።
14. ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ይወስድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይምጻእ፡ ነቲ ኻህን ከኣ ይሀቦ።
15. እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሃጢኣት፡ እታ ሓንቲ ድማ ንዚሐርር መስዋእቲ ይሰውኣየን። ካብ ጅግሉ ኸኣ እቲ ኻህን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ።
16. ሰብኣይ ካብ ዘርኡ እንተ ወጸ ድማ ብዘሎ ስጋኡ ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
17. እቲ ዘርኢ እተኻዕዎ ኽዳውንትን ማእስን ኩሉ ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ይኹን።
18. ሰበይቲ ድማ ሰብኣይ ብምኽንያት ሰርኢ ኣንተ ደቀሳ፡ ክልቲኦም ብማይ ይተሓጸቡ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹሳት ይኹኑ።
19. ሰበይቲ ድማ፡ ጻግነ ብምዃና ደም ካብ ስጋኣ እንተ ተኻዕዋ፡ ሻብዓተ መዓልቲ ትርከስ ዝተንከያ ዘበለ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።
20. ብጻግኒኣ ዝደቀሰቶ ኹሉ ነገር ርኹስ ይኹን፡ ኮፍ ዝበለቶ ኸኣ ርኹስ ይኹን።
21. መደቀሲኣ ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
22. ንሳ ኾፍ ዝበለቶ ኹሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክድውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
23. ነቲ መደቀሲኣ ወይ ኮፍ ኢላቶ ንዝነበረት ኣቕሓ ምስ ዚትንኪ ክሳዕ ምሸት ይኹን።
24. ሰብኣይ ምስኣ ደቂሱ ጸግኒኣ እንተ ጸየቖ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ዚድቅሶ ኹሉ መደቀሲ ኸኣ ርኹስ ይኹን።
25. ሰበይቲ፡ በቲ ጊዜ ጻግኒኣ ዘይኮነ፡ ነዊሕ መዓልቲ ደም ዛሕዛሕ ኣንተ በላ፡ ወይ ሓለፋ እቲ ጊዜ ጽግኒኣ ዛሕዛሕ ኣንተ በላ ምኽዓው ርኽሰታ ኽሳዕ ዘሎ መዓልታት፡ ከምቲ ብመዓልታት ጻግኒኣ ትኹን፡ ርኽስቲ እያ።
26. እቲ ምኽዓዋ ኽሳዕ ዘሎ ኹሉ መዓልትታት እትድቅሶ ኹሉ መደቀሲ ኸኣ መዓልትታት እትድቅሶ ኹሉ መደቀሲ ኸኣ ከምቲ ብእዋን ጸግኒኣ እትድቅሶ መደቀሲ ይኹን፡ ኮፍ እትብሎ ኹሉ ኣቕሓውን ከምቲ ርኹስ ጻግኒኣ ርኹስ ይኹን።
27. ነዚ ዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ርኹስ ይኹን፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።
28. ካብ ምኽዓዋ እንተ ጸረየት ድማ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትቑጸር፡ ድሕርቲ ንጽህቲ ትኹን፡
29. ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ኸኣ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ትውሰድ፡ ኣብ ካህን ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ድማ ተምጽኣየን።
30. እቲ ኻህን ድማ እታ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እት ሓንቲ ኸእእ ንዚሓርር መስዋእቲ ይግበረን። እቲ ኻህንውን ካብ ምኽዓው ርኽሰታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቃ።
31. ነታ ኣብ ማእከሎም ዘላ ማሕደረይ ምስ ኣርከሱ፡ ብርኽሰቶም ከይሞቱስ፡ ከምዚ ንደቂ እስራኤል ርኽሰቶም ፍለየዎም።
32. ናይ ጅግልን ናይቲ ዘርኡ ዚከዐዎን፡ ብእኡ ድማ ዘረኸሰ፡ ብዛዕባ እታ ብጻግኒኣ ዝሓመመትን ብዛዕባ ዘርኡ ዚክዐዎ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብዛዕባ ምስ ዝረኸሰት ሰበይቲ ዚድቅስ ሰብኣይ ድማ ሕጉ እዚ እዩ።
33. ናይ ጅግልን ናይቲ ዘርኡ ዚከዐዎን፡ ብእኡ ድማ ዘረኸሰ፡ ብዛዕባ እታ ብጻግኒኣ ዝሓመመትን ብዛዕባ ዘርኡ ዚክዐዎ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብዛዕባ ምስ ዝረኸሰት ሰበይቲ ዚድቅስ ሰብኣይ ድማ ሕጉ እዚ እዩ።

  Leviticus (15/27)