| ← Leviticus (15/27) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ |
| 2. | ንደቂ እስራኤል ተዛረብዎም በልዎም ከኣ፡ ሓደ ሰብ ካብ ስጋኡ ጅግል ምስ ዚከዐዎ፡ በቲ ምኽዓው ርኹስ እዩ። |
| 3. | እቲ ጅግል ኽሳዕ ዘሎ፡ ርኽሰቱ እዚ እዩ። ስጋኡ ጅግል እንተ ኸዐወ፡ ነቲ ጅግል እንተ ኸልከሎ፡ ንሱ ርኽሰቱ እዩ። |
| 4. | እቲ በዓል ጅግል ዝደቀሶ ኹሉ መደቀሲ ይረክስ፡ ኮፍ ዝበሎ ኹሉ ኣቕሓ ድማ ይርከስ። |
| 5. | ንመደቀሲኡ ዝተንከየ ዘበለ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ድማ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። |
| 6. | በዓል ጅግል ኮፍ ኣብ ዝበሎ ኣቕሓ ኾፍ ዜብልውን፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። |
| 7. | ንስጋ እቲ ግጃል ዝተነከየ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። |
| 8. | እቲ ጀጋል ንሓደ ንጹህ ጡፍ እንተ በለሉ ኸኣ፡ ንሱ ኽዳውንቱ ይሕጸብ ብማይ ድማ ይተሓጸብ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። |
| 9. | እቲ ጀጋል እተወጥሓሉ ዘበለ ኮረሻ ኸኣ ርኹስ ይኹን። |
| 10. | ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ኹሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለውን ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን፡ ነዚ ዚልዐለ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ድማ ይተሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። |
| 11. | እቲ ጀጋል ኢዱ ኸይተሓጸበ ዝተነከዮ ኹሉ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ መሸትውን ርኹስ ይኹን። |
| 12. | እቲ ጀጋል ዝተነከዮ ኣቕሓ መሬት ይሰበር፡ ኩሉ ኣቕሓ ዕጨይቲ ኸኣ ብማይ ይተሓጸብ። |
| 13. | እቲ ጀጋል ካብ ጅግሉ ምስ ነጽሄ ድማ፡ ንምንጻሁ ሾብዓተ መዓልቲ ይቑጸር፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ስጋኡ ኸኣ ብፈልፋሊ ማይ ይተሓጸብ፡ ሾኡ ይነጽህ። |
| 14. | ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ይወስድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይምጻእ፡ ነቲ ኻህን ከኣ ይሀቦ። |
| 15. | እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሃጢኣት፡ እታ ሓንቲ ድማ ንዚሐርር መስዋእቲ ይሰውኣየን። ካብ ጅግሉ ኸኣ እቲ ኻህን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ። |
| 16. | ሰብኣይ ካብ ዘርኡ እንተ ወጸ ድማ ብዘሎ ስጋኡ ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። |
| 17. | እቲ ዘርኢ እተኻዕዎ ኽዳውንትን ማእስን ኩሉ ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ይኹን። |
| 18. | ሰበይቲ ድማ ሰብኣይ ብምኽንያት ሰርኢ ኣንተ ደቀሳ፡ ክልቲኦም ብማይ ይተሓጸቡ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹሳት ይኹኑ። |
| 19. | ሰበይቲ ድማ፡ ጻግነ ብምዃና ደም ካብ ስጋኣ እንተ ተኻዕዋ፡ ሻብዓተ መዓልቲ ትርከስ ዝተንከያ ዘበለ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። |
| 20. | ብጻግኒኣ ዝደቀሰቶ ኹሉ ነገር ርኹስ ይኹን፡ ኮፍ ዝበለቶ ኸኣ ርኹስ ይኹን። |
| 21. | መደቀሲኣ ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። |
| 22. | ንሳ ኾፍ ዝበለቶ ኹሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክድውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። |
| 23. | ነቲ መደቀሲኣ ወይ ኮፍ ኢላቶ ንዝነበረት ኣቕሓ ምስ ዚትንኪ ክሳዕ ምሸት ይኹን። |
| 24. | ሰብኣይ ምስኣ ደቂሱ ጸግኒኣ እንተ ጸየቖ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ዚድቅሶ ኹሉ መደቀሲ ኸኣ ርኹስ ይኹን። |
| 25. | ሰበይቲ፡ በቲ ጊዜ ጻግኒኣ ዘይኮነ፡ ነዊሕ መዓልቲ ደም ዛሕዛሕ ኣንተ በላ፡ ወይ ሓለፋ እቲ ጊዜ ጽግኒኣ ዛሕዛሕ ኣንተ በላ ምኽዓው ርኽሰታ ኽሳዕ ዘሎ መዓልታት፡ ከምቲ ብመዓልታት ጻግኒኣ ትኹን፡ ርኽስቲ እያ። |
| 26. | እቲ ምኽዓዋ ኽሳዕ ዘሎ ኹሉ መዓልትታት እትድቅሶ ኹሉ መደቀሲ ኸኣ መዓልትታት እትድቅሶ ኹሉ መደቀሲ ኸኣ ከምቲ ብእዋን ጸግኒኣ እትድቅሶ መደቀሲ ይኹን፡ ኮፍ እትብሎ ኹሉ ኣቕሓውን ከምቲ ርኹስ ጻግኒኣ ርኹስ ይኹን። |
| 27. | ነዚ ዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ርኹስ ይኹን፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። |
| 28. | ካብ ምኽዓዋ እንተ ጸረየት ድማ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትቑጸር፡ ድሕርቲ ንጽህቲ ትኹን፡ |
| 29. | ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ኸኣ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ትውሰድ፡ ኣብ ካህን ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ድማ ተምጽኣየን። |
| 30. | እቲ ኻህን ድማ እታ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እት ሓንቲ ኸእእ ንዚሓርር መስዋእቲ ይግበረን። እቲ ኻህንውን ካብ ምኽዓው ርኽሰታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቃ። |
| 31. | ነታ ኣብ ማእከሎም ዘላ ማሕደረይ ምስ ኣርከሱ፡ ብርኽሰቶም ከይሞቱስ፡ ከምዚ ንደቂ እስራኤል ርኽሰቶም ፍለየዎም። |
| 32. | ናይ ጅግልን ናይቲ ዘርኡ ዚከዐዎን፡ ብእኡ ድማ ዘረኸሰ፡ ብዛዕባ እታ ብጻግኒኣ ዝሓመመትን ብዛዕባ ዘርኡ ዚክዐዎ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብዛዕባ ምስ ዝረኸሰት ሰበይቲ ዚድቅስ ሰብኣይ ድማ ሕጉ እዚ እዩ። |
| 33. | ናይ ጅግልን ናይቲ ዘርኡ ዚከዐዎን፡ ብእኡ ድማ ዘረኸሰ፡ ብዛዕባ እታ ብጻግኒኣ ዝሓመመትን ብዛዕባ ዘርኡ ዚክዐዎ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብዛዕባ ምስ ዝረኸሰት ሰበይቲ ዚድቅስ ሰብኣይ ድማ ሕጉ እዚ እዩ። |
| ← Leviticus (15/27) → |