Leviticus (14/27)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ነቲ ለምጻም ብመዓልቲ ምንጻሁ እቲ ሕጊ እዚ ይኹን፡ ናብ ካህን የምጽእዎ።
3. እቲ ኻህን ከኣ ናብ ወጻኢ እቲ ሰፈር ይውጻእ። እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ለምጺ ኣብቲ ለምጻም እንተ ሐወየ፡
4. ሽዑ እቲ ኻህን ስለ እቲ ዚነጽህ ክልተ ንጹሃት ኣዕዋፍ ብህይወተይ፡ ዕጨይቲ ቄድሮስን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ከኣ ኪወስዱ ይአዝዝ።
5. እቲ ኻህን ድማ ካብተን ኣዕዋፍ ሓንቲኤን ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ ገይሮም ኪሓርዱ ይኣዝዝ።
6. ነታ ህያው ዑፍን ነቲ ዕጨይቲ ቄድሮስን ነቲ ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ስምዕዛን ይውሰድ እሞ ምስናይ እታ ህያው ዑፍ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ እተሐድረት ዑፍ ይጥለቆ።
7. ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ለምጺ ዚነጽህ ከኣ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸገሉ እሞ ንጹህ ምኳኑ ይንገር፡ ነታ ህያው ዑፍ ንመሮር ትኺድ ይሕደጋ።
8. እቲ ዚነጽህ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ኩሉ ጸጉሩ ኸኣ ይላጺ፡ ብማይውን ይተሓጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። ድሕርዚ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ፡ ግናኸ ኣብ ወጻኢ ድንኳኑ ሾብዓተ መዓልቲ ይቀመጥ።
9. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኹሉ ጸጉሩ ይላጺ፡ ርእሱን ጭሕሙን ቅርኒብ ዓይኑን ኩሉ ጸጉሩን ይላጺ። ክዳውንቱ ኸኣ ይሕጸብ፡ ስጋኡ ድማ ብማይ ይተሓጸብ፡ ይነጽህ ከኣ።
10. ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ጎደሎ ዜብሎም ክልተ ገንሸልን ጎደሎ ዜብላ ዓምት ዝገበረት ሓንቲ ሽበንን፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቖምጥዔ፡ ሓደ ሉግ ዘይቲ ኸኣ ይወስድ።
11. ኣቲ ዜንጽህ ካህን ድማ ነቲ ዚንጽህ ሰብን ነዚ ነገርዝን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የቑሞ።
12. እቲ ኻህን ድማ ነቲ ሓደ ገንሸል ምስቲ ሉግ ዘይቲ ወሲዱ ንመስዋእቲ በደል የቕርቦ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ንዚውዝውዝ መስዋእቲ ይወዝውዞ።
13. እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ነቲ ኻህን ከም ዝኾነ፡ ኣቲ መስዋእቲ በደል ከኣ ከምኡ እዩ እሞ፡ እቲ ገንሸል ኣብቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚሓርር መስዋእትን ዚሕረደሉ ቦታ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይተሓረድ፡ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።
14. እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ በደል ይውሰድ፡ ኣቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቆር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ግናዕ ጸጋማይቲ ኢዱ ይኸዐዎ።
15. እቲ ኻህን ከኣ የማነይቲ ኣጻብዑ ኣብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ ካብቲ ዘይቲ በጻብዑ ሻብዐተ ሳዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይንጸግ።
16. እቲ ኻህን ከኣ የማነይቲ ኣጻብዑ ኣብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ ካብቲ ዘይቲ በጻብዑ ሻብዐተ ሳዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይንጸግ።
17. ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ድማ እቲ ኻህን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የመነይቲ ኢዱን ኣብ ዓብይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ።
18. ነቲ ኣብ ኢድ እቲ ኻህን ዝተረፈ ዘይቲ ኸኣ ናብ ርእሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮ፡ እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ።
19. እቲ ኻህን ከኣ መስዋእቲ ሓጢኣት ይሰውእ እሞ ነቲ ኻብ ርኽሰቱ ዚነጽህ የተዐርቆ፡ ድሕሪኡ ድማ ዚሓርር መስዋእቲ ይሕረድ።
20. እቲ ኻህን ድማ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቕርብ፡ እቲ ኻህን ከኣ የተዐርቆ፡ ንሱውን ይነጽህ።
21. ንሱ ድኽ ኣእንተ ኾነ፡ ንኽንድዚ ዚኣክል ኣብ ኢዱ እንተ ዜብሉ ድማ፡ ንመስዋእቲ በደል ንመተዓረቒኡ ኺውዝውዝ ሓደ ገንሸል ይውሰድ፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ዓስራይ ኣፍ ኣኤፋ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ሓደ ሉግ ዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ሓደ ሉግ ዘይቲ ድማ፡
22. ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ኸምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ እታ ሓንቲ መስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ይውሰድ።
23. ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንምንጻሁ እዚ ነገርዚ ናብ ካህን ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኣን ቅድሚ እግዚኣብሄር ይምጽኣዮ።
24. እቲ ኻህን ድማ ነቲ ገንሸል መስውእቲ በደልን ነቲ ሉግ ዘይትን ይውሰድ ኣሞ እቲ ኻህን ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝወዞ።
25. ነቲ ገንሸል መስዋኣቲ በደል ከኣ ይሕረዶ። እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እቲ መስዋእቲ በደል ወሲዱ፡ ነቲ ዚነጽህ የማንየቲ መስዎር እዝኑን ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓበይቶ እግሩን ይልከዮ።
26. እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ዘይቲ ኣብ ግራት ጸጋመይቲ ኢዱ ይኹዖ፡
27. እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ በየማነይቲ ኣጻብዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሻብዐተ ሳዕ ይንጸግ።
28. ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋኣቲ በደል ዘለዎ ቦታ ድማ ኣቲ ኻህን ነቲ ዚነጽህ ካብቲ ካብ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ኣብ የመንይቲ መስቆር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማንየቲ እግሩን ይልከዮ።
29. ነቲ ካብቲ ዘይቲ ዝተረፈ፡ ኣብ ኢድ እቲ ኣኻህን ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬተዐርቖ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮ።
30. ከምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ ሓንቲ ኻብተን ባሬቶ ወይ ሓንቲ ኻብተን ጫጩት ርግቢ ይሰውእ።
31. ምስቲ መስዋኣቲ ብልዒ ከምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓንቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ይሰውእ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚጸህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ።
32. ብዛዕባ እቲ ቑስሊ ለምጺ ዝለዎ ንምንጻሁ ዜድሊ ኣብ ኢዱ ዚኣክል ዘይረኸበ፡ ሕጉ እዚ እዩ።
33. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሰኢን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም።
34. ናብቲ ኣነ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ኸንኣን ምስ ኣቶኹም እሞ ኣብታ እትረስቴኹምዋ ሃገር ናብ ሓንቲ ቤት ቁስሊ ለምጺ እንተ ሰደድኩ፡
35. ሽዑ እቲ በዓል ቤት ናብቲ ኻህን መጺኡ፡ ኣብ ቤተይ ከም ቁስሊ ለምጺ ዘበለ ተራኣዩኒ፡ ኢሉ ይንገሮ።
36. እቲ ኻህን ድማ ነቲ ቑስሊ ኸርኢ፡ ገና ናብታ ቤት ከይኣተወ፡ ኣብ ቤት ዘሎ ኹሉ ኸይረክስ፡ እቲ ኻህን ነታ ቤት ጥራያ ኺገብርዋ ይኣዝዝ። ድሕርዚ እቲ ኻህን ነታ ቤት ኪርኢ ይእቶ።
37. ነቲ ቑስሊ ድማ ይርኣዮ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ኣብ መንደቕ እታ ቤት ሕምልይ ዝበለ ወይ ቅይሕ ዝበለ ጎድጓድ ካብቲ መንደቕ ዐሚቑ ኣንተ ተራኣየ፡
38. ሽዑ እቲ ኻህን ካብታ ቤት ናብ ኣፍ ደገ እታ ቤት ይውጻእ፡ ነታ ቤት ኸኣ ሶብዓተ መዓልቲ ይዕጸዋ።
39. እቲ ኻህን ድማ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ተመሊሱ ይርኣያ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ኣብ መንደቕ ኣታ ቢት እንተ ለሓመ፡
40. ሽዑ ነቲ ቑስሊ ዘለዎ ኣእማን ኣውጺኦም ናብ ወጻኢ ኸተማ፡ ናብ ርኹስ ቦታ ኺድርብይዎ፡ እቲ ኻህን ይኣዝዝ።
41. እታ ቤት ድማ ብውሽጢ ዙርያእ ትተሓኸኽ፡ ኣቲ ሕኸኽ መሬ ከኣ ናብ ወጻኢ ኸተማ፡ ናብ ርኹስ ቦታ ይጎሐፍ።
42. ኣብ ክንዲ እቲ ኣእምና ድማ ካልእ ኣእማን ወሲዶም የእትዉ። ካልእ መሬት ወሲዱ ኸኣ ነታ ቤት ለቕልቃ።
43. ነቲ ኣእማን ምስ ኣውጽኤ፡ ኣታ ቤት ድማ ምስ ተሐከት ምስ ተለቕለቐትን፡ እቲ ቑስሊ ኣብታ ቤት መሊሱ ኣንተ ወጸ፡
44. እቲ ኻህን ኣትዩ ይርኣያ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ኣብታ ቤት እንተ ለሐመ፡ ንሱ ኣብታ ቤት ዚባላዕ ለምጺ እዩ፡ እሞ፡ ንሳ ርኽስቲ ኣያ።
45. ነታ ቤት ድማ እምናን ዕጨይታን፡ ኩሉ መሬት እታ ቤትውን ኣፍሪሱ፡ ናብ ወጻኣኢ ኸተማ ናብ ርኹስ ቦታ ይጉሐፎ።
46. ነታ ቤት በተን እተዕጸወለን ኩለን መዓልታትን ዝኣተዋ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።
47. ኣብታ ቤት ዝደቀሰ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ኣብታ ቤት ዝበልዔውን ክዳውንቱ ይሕጸብ።
48. ኣቲ ኻህን ነታ ቤት ኪራኢ እንተ ኣተወ፡ እንሆ ኸኣ፡ እታ ቤት ምስ ተለቕለቐት፡ እቲ ቑስሊ ሓውዩ እዩ እሞ፡ ኣታ ቤት ንጽህቲ ምዃና እቲ ኻህን ይንገር።
49. ንምንጻህ እታ ቤት ድማ ክልተ ዑፍን ዕጨይቲ ቄድሮስን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ይውሰድ።
50. ነታ ሓንቲ ዑፍ ድማ ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ፡ ኣብ ኣቕሓ መሬት ይሕረዳ።
51. ነቲ ዕጨይቲ ቄድሮስን ስምዕዛን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ነታ ህያው ዑፍን ወሲዱ፡ ኣብ ደም እታ እተሕርደት ዑፍን ኣብቲ ፈልፋሊ ማይን ጠሚዑ ነታ ቤት ሾብዓተ ሳዕ ይንጸገላ።
52. ነታ ቤትውን ብደም እታ ዑፍን በቲ ፈልፋሊ ማይን በታ ህያው ዑፍን ብዕጨይቲ ቔድሮስን ብስምዕዛን ብጽሩይ ቀይሕ ፈትልን የንጽሃያ።
53. ነታ ህያው ዑድ ድማ ናብ ወጻኢ ኸተማ ንመሮር ትኺድ ይሕደጋ። ነታ ቤት ከኣ የተዐርቃ እሞ ትነጽህ።
54. ንኹሉ ዓይነት ቁስሊ ለምጽን ንዕንፍሩርን፡
55. ንለምጺ ኣብ ክዳንን ኣብ ቤትን፡
56. ንሕበጥን ንጸፋዕታን ንብሩህ ብሮትን፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ፡።
57. ዚረኽሰላ መዓልትን ዚነጽሃላ መዓልትን ኬፍልጥ፡ ሕጊ ለምጺ እዚ እዩ።

  Leviticus (14/27)