Leviticus (13/27)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም።
2. ሰብ ኣብ ቆርበት ስጋኡ ሕበጥ ወይ ሽሒር ወይ ብሩሕ ብሮት እንተለዎ፡ ኣብ ቆርበት ስጋኡ ኸኣ ከም ቁስሊ ለምዚ ዝበለ እንተ ኾነ፡ ናብ ካህን ኣሮን ወይ ካብቶም ደቁ ካህናት ናብ ሓደ የምጽእዎ።
3. እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኣብ ቆርበት ስጋኡ ዘሎ ቑስሊ ይርኤ፡ ኣብቲ ቑስሊ ዘላ ጸጉሪ እንተ ጻዕደወት፡ እቲ ቑስሊ ኸኣኣ ኣብ ቆርበት ስጋኡ ጎድጓድ እንተ ተራእየ፡ ቁስሊ ለምዚ እዩ። እቲ ኻህን ምስ ረአዮ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር።
4. እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ቆርበት ስጋኡ እንተ ጻዕደወ፡ ካብቲ ቖርበት ከኣ ዐሚቑ እንተ ዘይተርኤ፡ ጸጉሪውን ኣንተ ዘይጻዕደወ፡ ኣቲ ኻህን ድማ ነቲ ቑሱል ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።
5. እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ይርኣዮ፡ እንሆ ድማ እቲ ቑስሊ ኸምቲ ዝነበሮ እንተሎ፡ እቲ ቁስሊ ኸኣኣ ኣብ ቆርበት እንተ ዘይለሐመ፡ እቲ ኻህን ካልኦት ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።
6. ኣቲ ኻህን ድማ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኻልኣይ ሳዕ ይርኣዮ፡ ኣንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ኣንተ ፋሕሸወ፡ ኣብቲ ቖርበትውን እንተ ዘይለሓመ፡ ንሱ ሽሒር እዩ፡ እቲ ኻህን ድማ ንጹህ ምዃኑ ይንገር። ክዳውንቱ ይሕጸብ እሞ ይነጽህ።
7. ንምንጻህ ኣብ ካህን ምስ ተራኣየ፡ እቲ ሽሒር ኣብ ቆርበቱ እንተ ለሐመ፡ ካልኣይ ሳዕ ኣብ ካሕን ይርኤ።
8. እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ሽሒር ኣብቲ ቖርበት እንተ ለሓመ፡ ንሱ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።
9. ንሰብ ቁስሊ ለምጺ እንተለዎ፡ ናብ ካህን የምጽእዎ።
10. እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ቆርበቱ ጻዕዳ ሕበጥ እንተሎ፡ ንሱ ኸኣኣ ነቲ ጸጉሪ እንተ ኣጻዕደዎ፡ ኣብቲ ሕበጥ ድማ ብርንዶ ዚመስል ስጋ እንተሎ፡
11. ንሱ ኣብ ቆርበት ስጋኡ ኣረጊት ለምጺ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር። ርኹስ እዩ እሞ ኣይዕጸዎ።
12. እቲ ለምጺ ኣብ ቆርበት ገፊሑ እንተ ወጸ፡ እቲ ለምጺ ኸኣ ነቲ ቑሱል፡ ዓይኒ እቲ ኻህን ዚርእዮ ዘበለ፡ ካብ ርእሱ ኽሳዕ እግሩ ንኹሉ ቖርበቱ እንተ ኸደኖ፡
13. ሽዑ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ለምጺ እንተ ኸደኖ፡ ሽዑ ኣቲ ቑሱል ከም ዝነጽሄ ይንገር። ብዘሎ ጻዕድዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ።
14. በታ ብርንዶ ዚመስል ስጋ እተራእየላ መዓልቲ ግና ርኹስ እዩ። እቲ ኻህን ብርንዶ ዚመስል ስጋ ምስ ዚርኢ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር። እቲ ብርንዶ ዚመስል ስጋ፡ ንሱ ርኹስ እዩ፡ ንሱ ለምጺ እዩ።
15. እቲ ኻህን ብርንዶ ዚመስል ስጋ ምስ ዚርኢ፡ ርኩስ ምዃኑ ይንገር። እቲ ብርንዶ ዚመስል ስጋ፡ ንሱ ርኹስ እዩ፡ ንሱ ለምጺ እዩ።
16. ወይ ኣቲ ብርንዶ ዚመስል ስጋ መሊሱ ኣብ ጻዕዳ እንተ ተለወጠ፡ ናብ ካህን ይምጻእ።
17. እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ስዑ ኣቲ ኻህን እቲ ቑስሉ ንጹህ ምዃኑ ይንገር፡ ንሱ ንጹህ እዩ።
18. ንስጋ ኣብ ቆርበቱ ዝሓወየ ቑስሊ እንተለዎ።
19. ኣብቲ በሰላ ኸኣ ጻዕዳ ሕበጥ ወይ ብሩህ ቀይሕ ዝበለ ጻዕዳ ብሮት እንተሎ፡ ሽዑ ኣብ ካህን ይረኤ።
20. እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቖርበት ጎድጉዱ እንተ ተራእየ፡ ጸጉሪ ኸኣ መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ ኣቲ ኻህን ይንገር፡ ንሱ ኣብ በሰላ ዝወጸ ቑስሊ ለምጺ እዩ።
21. እቲ ኻህን እንተ ረእዮ እሞ፡ ኣንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ ጻዕዳ ጸጉሪ እንተ ዜልቦ፡ ካብቲ ቖርበትውን እንተ ዘይጎደጎደ፡ ንሱ ድማ እንተ ፋሕሸወ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።
22. ኣብቲ ቖርበት እንተ ለሐመ ኸኣ፡ ንሱ ቑስሊ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ይንገር።
23. እቲ ብሩህ ብሮት ከይለሓመ ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቖመ ድማ፡ ንሱ በሰላ ቑስሊ እዩ፡ ንጹህ ምዃኑ ኸኣ እቲ ኻህን ይንገር።
24. ወይ ስጋ ኣብ ቆርበቱ ንዳድ ሓዊ እንተለዎ፡ እሞ ኣብቲ ንዳድ ሓዊ ቀይሕ ዝበለ ጻዕዳ ወይ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ኾነ፡
25. ሽዑ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ ኣንሆ ኸኣ፡ ጸጉሪ ኣትዪ ብሩህ ብሮት መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ካብቲ ቖርበት ከኣ ጎድጓድ እንተ ተራኣየ፡ ንሱ ኣብቲ በሰላ ሓዊ ዝወጸ ለምጺ እዩ፡ ንሱ ቑስሊ ለምጺ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ካህን ይንገር።
26. ግናኸ እቲ ኻህን እንተ ረኣዮ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ብሩህ ብሮት ጻዕዳ ጸጉሪ እንተ ዜልቦ፡ ካብቲ ቖርበት ከኣ ኣንተ ዘይጎድጓደ እንተ ፋሕሸወ ድማ፡ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።
27. ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸአ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ ኣብ ቆርበቱ እንተ ለሓመ፡ ንሱ ቑስሊ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።
28. እቲ ብሩህ ብሮት ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቖመ ኸአ፡ ኣብ ቆርበትውን እንተ ዘይለሓመ፡ ንሱ ድማ እንተ ፋሕሸወ፡ ንሱ ሕበጥ ሓዊ እዩ፡ በሰላ ሓው እዩ እሞ፡ እቲ ኻህን ንጹህ ምዃኑ ይንገር።
29. ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ርእሲ ወይ ኣብ ጭሕሚ ቑስሊ ኣንተለዎ፡
30. እቲ ኻህን ነቲ ቑስሊ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቖርበት ጎድጓዱ እንተ ተራእየ፡ ናብ ቀጢን ብጫ ዜብል ጸጉሪ ኸኣ እንተለዎ፡ ንሱ ዕንፍሩር ኣዩ፡ ናይ ርእሲ ወይ ናይ ጭሕሚ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ካህን ይንገር።
31. እቲ ኻህን ነቲ ቑስሊ ዕንፍሩር እንተ ረአየ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቖርበት ዐሚቑ እንተ ዘይተራኣየ፡ ጸሊም ጸጉሪ ድማ እንተ ዜብሉ፡ ነቲ ቑስሊ ዕንፍሩር ዘለዎ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።
32. ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ቑስሊ ይርኣዩ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ዕንፍሩር እንተ ዘይለሐ፡ ናብ ጫማ ዜብል ጸጉሪውን እንተ ዜብሉ፡ እቲ ዕንፍሩር ከኣ ካብቲ ቖርበት ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡
33. ንሱ ይላጸ፡ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ ግና ኣይላጽዮ፡ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ መሊሱ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።
34. ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ እቲ ኻህን ነቲ ዕንፍሩር ይርኣዮ፡ ኣንሆ ድማ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቆርበት እንተ ዘይለሐመ፡ ካብቲ ቖርበትውን ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ እቲ ኻህን ንጹህ ምዃኑ ይንገር፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ይነጽህ ከኣ።
35. ድሕሪ ምንጻሁ ግና እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ቖርበት እንተ ለሓመ፡
36. እቲ ኻህን ይርኣዮ። እንሆ ድማ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቆርበት እንተ ለሓመ፡ ኣቲ ኻህን ናብ ብጫ ዜብል ጸጉሪ እንተሎ ኢሉ ኣይድለ፡ ንሱ ርኹስ እዩ።
37. እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ዘለዎ ቖይሙ፡ ኣብኡውን ጸሊም ጸጉሪ በቑሉ እንተ ረአየ፡ ግና እቲ ዕንፍሩር ሓውዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ፡ እቲ ኻህን ድማ ንጹህ ምዃኑ ይንገር።
38. ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ቆርበት ስጋኡ ብሩህ ብሮት እንተለዎ፡
39. እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣኣ፡ እቲ ኣብ ቆርበት ስጋኦም ዘሎ ብሩህ ብሮት ፍሕሽው ዝበለ ጻዕዳ እንተ ኾነ፡ እዚ ኣብ ቆርበት ዝወጸ ተውሳስ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ።
40. ሰብ ጸጉሪ ርእሱ እንተ ተመልጠ፡ ናይ ምንኳዕ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ።
41. ርእሱ ብሽነኽ ቅድሚት እንተ ተመልጠ ድማ፡ ምብራሕ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ።
42. ኣብ ነዃዕ ወይ ኣብ በራሕ ርእሱ ቐይሕ ዝበለ ጻዕዳ ቑስሊ እንተለዎ፡ ንሱ ኣብ ነኳዑ ወይ ኣብ በራሑ ዝወጸ ለምጺ ኣዩ።
43. እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ነኳዑ ወይ ኣብ በራሑ ዘሎ ሕበጥ ቁስሊ፡ ከምቲ ናይ ቆርበት ስጋ ለምጺ ቀይሕ ዝበለ ጻዕዳ ኾይኑ እንተ ተራእየ፡
44. ለምጻም ሰብ እዩ። ንሱ ርኹስ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ኣርጊጹ ይንገረሉ፡ ቁስል ኣብ ርእሱ ኣሎ።
45. እቲ ቑስሊ ዘለዎ ለምጻም ክዳኑ ቕዳዱ ይኹን፡ ርእሱ ኸኣ ይቀላዕ፡ ጭሕሙ ድማ ይኽደን፡ ርኹስ ርኹስ፡ ኢሉ ኸኣ ይጨርሕ።
46. ቁስሊ ዘለዎ ኹሉ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ርኹስ እዩ። ንበይኑ ይቀመጥ፡ ምቕማጡ ኣብ ወጻኣኢ ሰፈር ይኹን።
47. ኣብ ክዳን ድማ፡ ኣብ ክዳን ጸጉሪ ወይ ኣብ ክዳን ልሕጺ እንጣጣዕ፡ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ናይ እንጣጢዕ ወይ ናይ ጻጉሪ፡ ወይ ኣብ ቆርበት ወይ ኣብ ዝኾነ ኻብ ቆርበት እንተገብረ ነገር፡ ቁስሊ ለምጺ እንተለዎ፡
48. ኣብ ክዳን ድማ፡ ኣብ ክዳን ጸጉሪ ወይ ኣብ ክዳን ልሕጺ እንጣጣዕ፡ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ናይ እንጣጢዕ ወይ ናይ ጻጉሪ፡ ወይ ኣብ ቆርበት ወይ ኣብ ዝኾነ ኻብ ቆርበት እንተገብረ ነገር፡ ቁስሊ ለምጺ እንተለዎ፡
49. እቲ ቑስሊ ድማ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቆርበት ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቖርበት፡ ሕምልይ ወይ ቅይሕ እንተበለ፡ ንሱ ቑስሊ ለምጺ እዩ፡ ኣብ ካህን ድማ ይረኤ።
50. እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ቑስሊ ይርአዩ፡ ነቲ ቑሱል ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።
51. በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ቑስሊ ይርኣዮ። እቲ ቑስሊ ኣብ ክዳን ወይ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ቆርበት፡ ንዝኾነ ዕዩ ካብ ቆርበት ኣብ እተገብረ ነገር እንተ ለሐመ፡ እዚ ቑስሊዚ በላዒ ለምጺ እዩ፡ ንሱ ርኹስ እዩ።
52. ነቲ ኽዳን ድማ፡ ወይ ቅጥኒ ወይ ፋኣሚ ናይ ጸጉሪ እንተ ኾነ ወይ ናይ እንጣጢዕ ወይ ዝኾነ ኣቕሓ ቖርበት እቲ ቑስሊ ዘለዎ ዘበለ፡ ይንደድ። በላዒ ለምጺ እዩ እሞ፡ ብሓዊ ይንደድ።
53. እቲ ኻህን ድማ እንተ ረእዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቖርበት እንተ ዘይለሓመ፡
54. ሽዑ ነቲ ቑስሊ ዘለዎ ኺሓጽብዎ እቲ ኻህን ይኣዝዝ፡ መሊሱ ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።
55. እቲ ቑስሊ ምስ ተሓጽበ ድማ፡ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ሕብሩ እንተ ዝይለወጠ፡ እቲ ቑስሊ ድማ እንተ ዘይለሐመ፡ ንሱ ርኹስ እዩ፡ ብሓዊ ኣንድዶ። እቲ ብሉዕ፡ ብውሽጢ እንተ ኾነ ወይ ብወጻኢ፡ ንሱ ዜዕምቖ በላዒ እዩ።
56. እቲ ኻህን ድማ እንተ ረኣዮ፡ እንሆ ኸአ፡ እቲ ቑስሊ ድሕሪ ምሕጻቡ እንተ ፋሕሸወ፡ ካብቲ ኽዳን ወይ ካብቲ ቆርበት ወይ ካብቲ ቅጥኒ ወይ ካብቲ ፋእሚ ይቕደዶ።
57. ኣብቲ ኽዳን፡ ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቖርበት ገና እንተ ተራእየ፡ ዝወጸ ለምጺ እዩ፡ ነቲ ቑስሊ ዘለዎ ብሓዊ እንድዶ።
58. እቲ እተሓጽቦ ኽዳን፡ ወይ ቕጥኒ ወይ ፋኣሚ ወይ ዝኾነ ቖርበት፡ እቲ ቑስሊ እንተ ኸደሉ፡ ካልኣይ ሳዕ ይተሓጸብ፡ ይነጽህ ድማ።
59. ብዛዕባ ቑስሊ ለምጺ ኣብ ክዳን ጸጉሪ ወይ ናይ እንጣጢዕ ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋኣሚ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ ቖርበት ንጹህ ምኳኑ ወይ ርኹስ ምንጋር፡ ሕጉ እዚ እዩ።

  Leviticus (13/27)