Leviticus (12/27)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰበይቲ ኣንተ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ እንተ ወለደት፡ ሻብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ከምቲ ብመዓልታት ሕማም ጻግኒኣ ትርከስ።
3. ብሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር።
4. በቲ ደም ንጽህናኣ ኸአ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትቐመጥ፡ መዓልታት ምንጽሃ ኽሳዕ ዚመልኣ ቅዱስ ነገር ኣይትተንኪ፡ ናብ መቕደስውን ኣይትእቶ።
5. ጓል ኣንተ ወለደት ግና፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒኣ ኽልተ ሰሙን ትርከስ፡ በቲ ደም ጽርየት ኸኣ ስሳን ሹዱሽተን ትቀመጥ።
6. ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል መዓልታት ምንጽሃ ምስ መልኣ፡ ገንሸል ዓመት ንዚሓርርመስዋእቲ ጫጩት ርግቢ ወይ ከኣ ባሬቶ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ናብ ካህን ተምጽእ።
7. ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፡ የተዐርቃ ኸአ፡ ካብ ዓይኒ ደማውን ትነጽህ። ሕጊ ወዲ ወይ ጓል ዝወለደት እዚ እዩ።
8. ገንሸል ዚኣክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ከኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ካልኣይቲ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ተምጽእ፡ እቲ ኻህን ድማ የተዐርቃ ትነጽህ ከኣ።

  Leviticus (12/27)