| ← Leviticus (12/27) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ |
| 2. | ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰበይቲ ኣንተ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ እንተ ወለደት፡ ሻብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ከምቲ ብመዓልታት ሕማም ጻግኒኣ ትርከስ። |
| 3. | ብሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር። |
| 4. | በቲ ደም ንጽህናኣ ኸአ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትቐመጥ፡ መዓልታት ምንጽሃ ኽሳዕ ዚመልኣ ቅዱስ ነገር ኣይትተንኪ፡ ናብ መቕደስውን ኣይትእቶ። |
| 5. | ጓል ኣንተ ወለደት ግና፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒኣ ኽልተ ሰሙን ትርከስ፡ በቲ ደም ጽርየት ኸኣ ስሳን ሹዱሽተን ትቀመጥ። |
| 6. | ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል መዓልታት ምንጽሃ ምስ መልኣ፡ ገንሸል ዓመት ንዚሓርርመስዋእቲ ጫጩት ርግቢ ወይ ከኣ ባሬቶ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ናብ ካህን ተምጽእ። |
| 7. | ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፡ የተዐርቃ ኸአ፡ ካብ ዓይኒ ደማውን ትነጽህ። ሕጊ ወዲ ወይ ጓል ዝወለደት እዚ እዩ። |
| 8. | ገንሸል ዚኣክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ከኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ካልኣይቲ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ተምጽእ፡ እቲ ኻህን ድማ የተዐርቃ ትነጽህ ከኣ። |
| ← Leviticus (12/27) → |