Leviticus (11/27)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ንኣታቶም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
2. ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፡ ካብ ኩሎም ኣብ ድብ ምድሪ ዘለው ህይወት ዘለዎም፡ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፡
3. ካብ እንስሳ ጽፉፍ ስንጡቕ፡ ሸኾናኡ ድማ እተመቕለ፡ መጉስዕ ዚመልስ ዘበለ ብልዑ።
4. ግናኸ መጉስዕ ካብ ዚመልሱ ወይስ ካብ ሸኾናኦም ዝምቐል፡ እዚኣቶም ኣይትብልዑ፡ ገመል መጉስዕ ትመልስ እያ፡ ሸኾናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።
5. ጊሔ ድማ መጉስዕ ትመልስ እያ፡ ሸኾናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።
6. ማንትሌ ኸኣኣ፡ መጉስዕ ትመልስ እያ፡ ሸኾንኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።
7. ሓሰማ ድማ ሸኾናኣ ምቑል እዩ፡ መጉስዕ ግና ኣይትመልስን እያ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።
8. ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን ኣሞ፡ ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ ገምበንውን ኣይትተንክዩ።
9. ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ኹሉ እዚ ብልዑ፡ ኣብ ማይ፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባታትን ዚነብሩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኹሎም፡ ንኣታቶም ብልዕዎም።
10. ግናኸ ኣብ ማይ ካብ ዚዋሳወሱ ኩለን፡ ኣብ ማይ ካብ ዚነብር ኩሉ ህያው ትንፋስን፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ኹሉ፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ፍንፉናት እዮም።
11. ንኣኻትኩም ፍንፉናት ይኹኑ፡ ካብ ስጋኦም ኣይትብልዑ፡ ንገምቦም ከኣ ፈንፍንዎ።
12. ኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ኹሉ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን ይኹን።
13. ካብ ኣዕዋፍ ድማ እትፍንፍንወን፡ ዘይትብልዓ፡ እዚኣትን ኣየን፡ ንሳተን ፍንፋናት እየን፡ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳን፡
14. ጻዕዳ ኸርሶ፡ በላዕ ልኻይ በብዓይነቱ።
15. ኩሉ ዃኹ በብዓይነቱ፡
16. ሰገንን ጉጉትን ሮብራን፡ ተገዳር ሓረስታይ ድማ በብዓይነቱ።
17. ንእሽቶ ጉንጓን ሓሓትን ዓባይ ጉንጓን፡
18. ንእሽቶ ጉንጓን ሓሓትን ኣሞራን፡
19. ራዛን ሰብ ጸራድ ድማ በብዓይነቱ ተምብሃአጆ መንካዕን።
20. ኩሉ ነፋሪ በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ ለምምታ ንኣኻትኩም ፍንፋን ኣዩ።
21. ኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎ ኹሉ ነፋሪ ለመምታ ኣብ ልዕሊ እግሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚስረአን ክልተ ሰለፍ ዘለዋኦ ብልዑ።
22. ካባታቶም እትበልዕዎ እዚኣቶም እዮም፡ ፋንጣ በብዓይነቱን ገደበ በብዓይነቱን።
23. ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ ኹሉ ነፋሪ ለመምታ ግና ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ።
24. በዚኣቶም ትረኽሱ ኢኹም፡ ነፍስ ወከፍ ገምቦም ዝተንከየ ኽሳዕ ምሸት ርኹስ እዩ።
25. ነፍስ ወከፍ ገምቦም ዘልዐለ ኸኣ፡ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይርከስ።
26. ኩሉ እንስሳ ምቑል ሸኾና ዘለዎ እሞ ፈጺሙ ዘይተሰንጠቀ መጉስዕ ድማ ዘይመልስ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ፡ ዝተንከዮ ዘበለ ርኩስ እዩ።
27. በርባዕተ መሓውር ካብ ዚኸይድ ኩሉ ንስሳ ብግናዕ ኢዱ ዚኸይድውን፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ገምቦም ዝተንከየ ዘበለ ኽሳዕ ምሸት ርኹስ እዩ።
28. ገምቦም ዘልዐለ ዘበለ ድማ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ይርከስ። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም።
29. ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብሉ ለመምታ ድማ እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም፡ ፍሒራን ኣንጭዋን ሓማት ተመን ከኣ በብዓይነቱ ነፋሒቶን።
30. ካብ ኩሉ ለመም ዚብል እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ምስ ሞቱ፡ ዝተንከዮም ዘበለ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ።
31. ካብ ኩሉ ለመም ዚብል እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ምስ ሞቱ፡ ዝተንከዮም ዘበለ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ።
32. ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ኣቕሓ ዕጭ ኣንተ ኾይኑ፡ ወይ ክዳን ወይ ጉኖ ወይ ከረጺት፡ ዝኾነ ዚዕየዩ ኣቕሓ፡ ካብ እዚኣኣቶም ምስ ሞተ፡ ዝወደቖ ድማ ይረክስ እሞ ናብ ማይ ይእቶ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ፡ ሽዑ ይነጽህ።
33. ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ መሬት ካብ እዚኣቶም ኣብ ውሽጡ ዝወደቖ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኹሉ ይረክስ፡ ነቲ ኣቕሓ ድማ ስበርዎ።
34. ኣብኡ ኻብ ዘሎ ዚብላዕ ኩሉ ማይ ዝኣትዎ ብልዒ ይረክስ። ብዝኾነ ኸምዚ ዝበለ ኣቕሓ ዚስተ ኹሉ መስተ ርኹስ እዩ።
35. ዝኾነ ነገር ካብ ገምቢ እዚኣቶም ዝወደቖ ኸኣኣ ይረክስ፡ እቶን ወይ ምድጃ ይፍረስ፡ ንሳቶም ርኹሳት እዮም፡ ንኣኻትኩም ድማ ርኹሳት ይኹኑ።
36. ዓይኒ ማይ ወይ ማይ ዚዕቆሮ ሓጺቢ ግና ንጹህ እዩ። ነቲ ገምቢ ዝተንከየ ደኣ ይረክስ።
37. ካብ ገምቦም ገለ ኣብ ዚዝራእ ዘርኢ እንተ ወደቐ ኸኣ፡ ንሱ ንጹህ እዩ።
38. ኣብ ልዕሊ ኣቲ ዘርኢ ማይ እንተ ተኻዕዎ እሞ ካብቲ ገምቦም ገለ እንተ ወደቆ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ ኣዩ።
39. ካብቶም ንመብልዕ ዚኾነኹም እንስሳ ገለ ኣንተ ሓለቐ፡ እቲ ነቲ ገምቡ ዝተንከየ ክሳዕ ምሸት ይረክስ።
40. ካብቲ ገምቡ ዝበልዔ ኸኣ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። ነቲ ገምቡ ዘልዐሎውን ክዳኑ ይሐብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ።
41. ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኩሉ ለመምታ ኸኣ ፍንፉን እዩ፡ ኣይበላዕ ድማ።
42. ኩሉ ብኸብዱ ዚኸይድን በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ፡ ወይ ብዙሕ ኣእጋር ዘለዎ ዘበለ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ለመም ዚብል ኩሉ ለመምታን፡ ንሳቶም ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣይትብልዕዎም።
43. በቲ ለመም ዚብል ኩሉ ለመምታ ንነፍሳትኩም ኣይተፈንፍኑ፡ ብኣታቶም ከይትረኽሱስ ርእስኹም ብኣታቶም ኣይተርክሱ።
44. ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ ምድሪ ብዚዋሳወስ ኩሉ ለመምታ ነፍሳትኩም ኣይተርክሱ።
45. ኣምላኽኩም ኪኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳት ኩኑ።
46. ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ኣብ መንጎ ዚብላዕ ህያውን ዘይብላዕ ህያውን ምእንቲ ኽይፈልዮ፡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዚዋሳወስ ህይወት ዘለዎ ኹሉ እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኩሉ ኣንስሳን እቲ ሕጊ እዚ እዩ።
47. ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ኣብ መንጎ ዚብላዕ ህያውን ዘይብላዕ ህያውን ምእንቲ ኽይፈልዮ፡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዚዋሳወስ ህይወት ዘለዎ ኹሉ እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኩሉ ኣንስሳን እቲ ሕጊ እዚ እዩ።

  Leviticus (11/27)