Leviticus (10/27)  

1. ናዳብን ኣቢሁን፡ ደቂ ኣሮን፡ ጸጽንሃሆም ሓዙ፡ ሓዊ ድማ ገበሩሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ዕጣን ኣንበሩሉ፡ ንሱ ዘይኣዘዞም ጋሻ ሓዊ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ።
2. ሓዊ ኻብ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኸኣ በልዖም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ሞቱ።
3. ሽዑ ሙሴ ንኣሮን በቶም ዚቐርቡኒ ክቕደስ እየ፡ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ህዝቢ ኸኣ ኪኸብር እየ፡ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር እተዛረቦ እዚ እዩ በለ። ኣሮን ድማ ትም በለ።
4. ሙሴ ድማ ንሚሳኤልን ንኤልሳፋንን ደቂ ኡዚኤል፡ ሓው ኣቦ ኣሮን ጸዊዑ ቅረቡ ኣሞ ነሕዋትኩም ካብ መቕደስ ንወጻኢ ሰፈር ውሰድዎም በሎም።
5. ንሳቶም ድማ ቀረቡ እሞ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡ ካብ ሰፈር ንወጻኣኢ ብቐምውሾም ጸርዎም።
6. ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁ፡ ኣልኣዛርን ኢታምርንን፡ ዘይቲ ቕብኣት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፡ ከይትሞቱስ ነዚ ኣኼባውን ንሱ ኸይክርየሉ፡ ርእስኹም ኣይተወይፉ፡ ክዳውንትኹም ከኣኣ ኣይትቕደዱ። በዚ እግዚኣብሄር ዚቃጸሎ ምንዳድ ኣሕዋትኩም ብዘላ ቤት እስራኣኤል ትብከ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ካብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጻኡ በሎ። ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ኸኣ ገበሩ።
7. ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁ፡ ኣልኣዛርን ኢታምርንን፡ ዘይቲ ቕብኣት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፡ ከይትሞቱስ ነዚ ኣኼባውን ንሱ ኸይክርየሉ፡ ርእስኹም ኣይተወይፉ፡ ክዳውንትኹም ከኣኣ ኣይትቕደዱ። በዚ እግዚኣብሄር ዚቃጸሎ ምንዳድ ኣሕዋትኩም ብዘላ ቤት እስራኣኤል ትብከ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ካብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጻኡ በሎ። ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ኸኣ ገበሩ።
8. እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
9. ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝነገሮም ኩሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትው ኸለኹም፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ውለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።
10. ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝነገሮም ኩሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትው ኸለኹም፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ውለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።
11. ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝነገሮም ኩሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትው ኸለኹም፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ውለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።
12. ሙሴ ድማ ንኣሮንን ነቶም ዝተረፉ ደቁ፡ ኣልኣዛርን ኢታምርን፡ ታረቦም፡ ነቲ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ዝተረፈ መስዋእቲ ብልዒ ውሰድዎ፡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ፡ ቅጫን ጌርኩም ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዃንኩም ብልዕ ዎ።
13. ኣዚ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር መሰልካን መሰል ደቅኻን እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድስቲ ቦታ ኾንኩም ብልዕዎ፡ ከምኡ ኣዚዙኒ ኣዩ።
14. ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኤል ድማ እቲ ዚውዝውዝ ሓኸለን ዚልዐል እግርን መሰልካን መሰል ደቅኻን ኾይኑ ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ንስኻን ምሳኻ ድማ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ንጽህቲ ቦታ ዃንኩም ብልዕዎ።
15. ምስናይ እቲ ብሓዊ ዚስዋእ ስብሕታት ከኣኣ ነቲ ዚልዐል እግርን ዚውዝውዝ ሓኸለን ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪውዝወዝ የምጽእዎ፡ እዚ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፡ ንኣኻ ንደቅኻ ድማ ምሳኻ መሰል ዘለኣለም ይኹን።
16. ሙሴ ድማ ነቲ ድቤላ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣዝዩ ደለዮ፡ እንሆ ኸኣ ሓሪሩ ነበረ፡ ሽዑ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ኣሮን፡ ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ከምዚ ኢሉ ኾረየሎም፡
17. በደል እቲ ኣኼባ ጼርኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከተትዐርቕዎም፡ ንእኡ ሂበኩም እዩ፡ ንሱ ኸኣ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ፡ ስለምንታይ ኢኹም ንመስዋእቲ ሓጢኣኣት ኣብ ቅድስቲ ቦታ ዃንኩም ዘይበላዕክምዎ፡
18. እንሆ ደሙ ናብ ውሽጢ መቕደስ ኣየእተውዎን፡ ከምቲ ዝኣዘዝክዎ፡ ኣብ መቕደስ ዃንኩም ክትበልዕዎ፡ ርግጽ ምተገብኣኩም ነይሩ።
19. ኣሮን ድማ ንሙሴ ተዛረቦ፡ እንሆ መስዋእቲ ሓጢኣቶምን መስዋእቶምን ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦም እዮም፡ ንኣይ ከኣ ከምዚ ዚበለ ምስ በጽሓኒ፡ ሎሚ መስዋእቲ ሓጢኣት እንተ ዝበልዕሲ፡ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄርዶ ባህ መበለ፡
20. ሙሴ እዚ ሰሚዑ ባህ በሎ።

  Leviticus (10/27)