Leviticus (1/27)  

1. እግዚኣብሄር ንሙሴ ጸውዖ፡ ካብቲ ድንኳን ምርኻብ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ።
2. ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ካባኻትኩም ሰብ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስ ዜቕርብ፡ መስዋእትኹም ካብ ማል፡ ካብ ኣሓን ካብ ጤለበጊዕ ኣቕርቡ።
3. እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኻብ ኣሓ እንተ ኾነ፡ ጎደሎ ዜብሉ ተባዕታይ የቕርብ፡ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍትዊ ኪኸውን፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የቕርቦ።
4. ኣብ ርእሲ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኢዱ የንብር እሞ ንምትዕራቑ ቕቡል ይኸውን።
5. ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕረዶ፡ ነቲ ድሙ ኸኣ ደቂ ኣሮን፡ እቶም ካህናት፡ የቕርብዎ ነቲ ደም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ኣብ ዙርያ ይንጸግው። ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ቖርበኡ ጠቢሑ፡ በብኽፍሉ ይቑረጾ።
6. ደቂ ኣሮን እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ይእጎዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ኸኣ ዕጨይቲ ይጸፍጽፉ።
7. ደቂ ኣሮን እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ይእጎዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ኸኣ ዕጨይቲ ይጸፍጽፉ።
8. እቶም ካህናት፡ ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ኽፍልታት፡ ርእስን ስብሕን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ ይስርዕዎ።
9. ናቲ ናውቲ ኸብዱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕጸቦ፡ ንመሰዋእቲ ሓዊ፡ ናግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ።
10. እቲ መስዋእቲ ኻብ ጤለበጊዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፡ ጎደሎ ዜብሉ ተባዕታይ ንዚሓርር መስዋእቲ የቕርቦ።
11. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ንመሰውኢ ብሸነኽ ሰሜኑ፡ ይሕረዶ። እቶም ካህናት፡ ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ኡንጸግዎ።
12. በብኽፍሉ ምስ ርእስን ስብሑን ይቑረጾ፡ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ ይስርዓዮ።
13. ነቲ ናውቲ ኸብዱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕጸቦ፡ ኣቲ ኻህን ኸብዱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕጸቦ፡ እቲ ኻህን ድማ ንኹሉ የቕርቦ፡ ኣብ መሰውኢ ኸኣ የሕርሮ። እዚ ዚሐርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ፡ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።
14. እቲ ንእግዚኣብሄር ዚስውእ ዚሓርር መስዋእቲ ኻብ ኣዕዋፍ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ካብ ባሬቶታት ወይ ካብ ጨጨዊት ርግቢ መስዋእቱ የቕርብ።
15. እቲ ኻህን ድማ ናብ መሰውኢ ኣቕሪቡ፡ ነቲ ርእሱ ይጥወዮ፡ ኣብ መሰውኢ ኸኣ የሕርሮ፡ እቲ ደሙ ኸኣ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይጸመቑ።
16. ጭንጫራኣኡ ምስናይ ፈርሱ ናብ ጎቦ መሰውኢ ብሸነኽ ምብራቕ ናብቲ ስፍራ ሓሙኽሽቲ ይደርብዮ።
17. በክናፉ ይጭደዶ፡ ግናኸ ኣይፈላልዮ፡ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።

      Leviticus (1/27)