Judges (9/21)  

1. ኣቢሜሌክ ወዲ የሩብበዓል ድማ ናብ ሴኬም ናብ ኣኮታቱ ኸደ እሞ፡ ንኣታቶም ንኹሎም ዓሌት ኣቦ ኣዲኡን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
2. በጃኹም ንኹሎም ሰብ፡ ኹሎም ደቂ የሩብበዓል ኪገዝኡኹምዶ ወይስ ሓደ ሰብኣይ ኪገዝኣኩም፡ ኣየናይ ይሔሸኩም፡ ኣነ ኸአ ዓጽሙኹምን ስጋኹምን ከም ዝኾንኩ ዘክሩ፡ በልዎም።
3. እቶም ኣኮታቱ ኸአ እዚ ነገርዚ ኹሉ ንኹሎም ሰብ ሴኬም ኣብ ኣእዛኖም ተዛረቡሉ። ንሱ ሓውና እዩ ኢሎም ድማ፡ ልቦም ናብ ኣቢሜሌክ ዘንበለ።
4. ካብ ቤት በዓልበሪት ድማ ሰብዓ ሲቃል ብሩር ሀብዎ፡ ብእኡ ገይሩ ኸአ ደድሕሪኡ ዚስዕቡ ከንቱታት ቀለልቲ ሰባት ተዋዓዐለ።
5. ናብ ቤት ኣቦኡ ኣብ ዖፍራ መጺኡ ነሓዋቱ፡ እቶም ደቂ የሩብበዓል፡ ሰብዓ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐተሎም። ዮታም እቲ ንእሽቶ ወዲ የሩብበዓል ግና፡ ተሓቢኡ ነበረ እሞ፡ ተረፈ።
6. ኩሎም ሰብ ሴኬም ብዘላ ቤት ሚሎን ተኣአከቡ፡ ከይዶም ከአ ንኣቢሜሌክ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሴኬም ዘሎ ድዋ ሓወልቲ ኣንገስዎ።
7. ንዮታም እዚ ምስ ነገርዎ፡ ናብ ርእሲ ኽረን ጌሪዚም ከይዱ ኣብኡ ደው በለ፡ ቃሉ ዓው ኣቢሉ ጨደረ እሞ በሎም፡ ኣቱም ሰብ ሴኬም፡ ኣምላኽ ኪሰምዓኩምሲ ስምዑኒ።
8. ኣእዋም ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪቐብኡ ኸደ እሞ፡ ነውልዕ፡ ኣብ ልዕሌና ንገስ፡ በልዎ።
9. እቲ ኣውልዕ ግና፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ኣምላኽን ሰባትን ኣባይ ዜኽብርዎ ዘይተይዶ ኽገድፍ እየ፡ በሎም።
10. ሽዑ እቶም ኣእዋም ንበለስ፡ ንስኻ ንዓ እሞ፡ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ።
11. እቲ በለስ ግና፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ጣዕመይን ጽቡቕ ፍረይንዶ ኽገድፍ እየ፡ በሎም።
12. እቶም ኣእዋም ንወይኒ ድማ፡ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ።
13. እቲ ወይኒ ኸአ፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዜሕጉስ ወይነይዶ ኽገድፍ ኣእየ በሎም።
14. ሽዑ ኹሎም ኣእዋም ንእሾኹ፡ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ።
15. እቲ እሾኹ ድማ፡ ብሓቂ ንኣይ ቀቢኣኩም ኣብ ልዕሌኹም ከተንግሱኒ እንተ ደሌኹምሲ፡ ኣብ ጽላለይ ኣጽልሉ፡ እንየ ዘይኮነስ ድማ፡ ካብቲ እሾኽ ሓዊ ይውጽእ እሞ ነቲ ጽሕድታት ሊባኖስ ይብልዓዮ፡ በሎም።
16. ሕጂ ኸአ ንኣቢሜሌክ ብምንጋስኩምሲ ብሓቅን ብቕንዕናን እንተ ጌርኩምዎ፡ ንየሩብበዓልን ንቤቱን ድማ ጽቡቕ ኣንተ ጌርኩም፡ ከም ግብሪ ኢዱ ኸኣአ እንተ ጌርኩምሉ፡
17. ኣቦይሲ ምእንታኹም ተዋግኤ፡ ነፍሱ ኣሕሊፉ ሂቡ ድማ ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሐነኩም።
18. ንስኻትኩም ግና ሎሚ ናብ ቤት ኣቦይ ተንሲእኩም ንደቁ፡ ሰብዓ ሰብ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐቲልኩምሲ ንኣቢሜሌክ ወዲ እታ ግዝእቱ፡ ሓውኩም ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሴኬም ኣንገስኩምዎ።
19. እምበአርሲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንየሩብበዓልን ንቤቱን ብሓቅን ብቕንዕናን ጌርኩም እንተ ኾንኩም፡ ብአቢሜሌክ ተሐጎሱ፡ ንሱውን ብኣኻትኩም ይተሓጉስ።
20. እንተ ዘይኮነስ፡ ካብ ኣቢሜሌክ ሓቂ ይውጽእ እሞ ንሰብ ሴኬምን ንቤት ሚሎን ይብላዕ፡ ካብ ሰብ ሴኬምን ካብ ሚሎን ይብላዕ፡ ካብ ሰብ ሴኬምን ካብ ቤት ሚሎን ከአ ሓዊ ይውጻእ እሞ ንኣቢሜሌክ ይብልዓዮ።
21. ዮታም ድማ ካብ ቅድሚ ሓው ኣቢሜሌክ ጎይዩ ሀዲሙ ናብ ብኤር ከደ፡ ኣብኣ ኸአ ተቐመጠ።
22. ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰለስተ ዓመት ገዝኤ።
23. ኣምላክኽ ከአ ኣብ መንጎ ኣቢሜሌክን ሰብ ሴኬምን ሕሱም መንፈስ ሰደደ እሞ፡ ንኣቢሜሌክ ዐለውዎ።
24. እዚ እቲ ኣብቶም ሰብዓ ደቂ የሩብበዓል እተገብረ ግፍዒ ምእንቲ ኺፍደ፡ ደሞም ከአ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐተሎም ሓዎም ኣቢሜሌክን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምቕታል ኣሕዋቱ ኢዱ ዘጽንዑሉ ሰብ ሴኬምን ድማ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ድብቕ ኣንበሩሉ፡ ንሳቶም ከአ ንኹሎም ብእኡ ዚሐልፉ ሰብ መገዲ ይኽትሩ ነበሩ። እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ።
25. ጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን ድማ መጺኦም ናብ ሴኬም ኣተው፡ ሰብ ሰኬም ከአ ብእኡ ተአመኑ።
26. ናብ ግርሁ ድማ ወፈሩ፡ ወይኖም ቆሪጾም ከአ ጸመቑ፡ ናይ ሓጎስ በዓልውን ገበሩ፡ ናብ ቤት ኣምላኾም ኣትዮም ድማ በልዑን ሰተዩን ንኣቢሜሌክውን ረገምዎ።
27. ጋዓል ወዲ ዔበድ ድማ በለ፡ ንሕና እንግዛኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፡ ሴኬም መን እዩ፡ ዜቡል ዝምስሌነኡ ወዲ የሩብበዓል ደይኮነን፡ ንስኽትኩምሲ ንሰብ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ደአ ተገዝኡ፡ ንሕና ንእኡ እንታይ ኢልና ንግዛኦ፡
28. ጋዓል ወዲ ዔበድ ድማ በለ፡ ንሕና እንግዛኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፡ ሴኬም መን እዩ፡ ዜቡል ዝምስሌነኡ ወዲ የሩብበዓል ደይኮነን፡ ንስኽትኩምሲ ንሰብ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ደአ ተገዝኡ፡ ንሕና ንእኡ እንታይ ኢልና ንግዛኦ፡
29. እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ትሕቲ ኢደይ እንተ ዚኸውን መን ምሀበ፡ ንኣቢሜሌክ ምስጎጉክዎ ነይረ። ንኣቢሜሌክ ከአ፡ ሰራዊትካ ኣብዝሕ እሞ ውጻእ በሎ።
30. ዜቡል፡ ሹም እታ ኸተማ፡ ዘረባ ጋዓል ወዲ ዔበድ ምስ ሰምዔ፡ ኩራኡ ነደደ።
31. ናብ ኣቢሜሌክ ከአ ብተንኮል ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፡ ጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን እንሆ፡ ናብ ሴኬም ኣትዮም፡ ነዛ ኸተማ ናባኻ የተንስኡልካ ኣለው።
32. ሕጂ ኸአ፡ ንስኻን እቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ብለይቲ ተንሲእካ፡ ኣብ መሮር ተደበቕ።
33. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ጽባሕ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኣንጊህካ ተንስእ ኣሞ፡ ነዛ ኸተማ ሓደጋ ውደቃ። እንሆ ኸአ፡ ንሱን ምስኡ ዘሎ ህዝብን ምስ ወጹኻ፡ ሽዑ ኢድካ ኸም ዝረኸበቶ ግበሮም።
34. ኣቢሜሌክ እቲ ምስኡ ዝነበረ ኹሉ ህዝብን ብለይቲ ተንሲኦም ኣርባዕተ ኽፍሊ ኸዮኖም ኣብ ሴኬም ተደበቑ።
35. ጋዓል ወዲ ዔበድ ድማ ወጺኡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በለ፡ ኣቢሜሌክ ከአ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኻብቲ ምድባቑ ተንስኤ።
36. ጋዓል ድማ ነቲ ህዝቢ ምስ ረአየ፡ ንዜቡል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርእሲ ኣኽራን ይወርድ ኣሎ፡ በሎ። ዜቡል ከአ፡ ንኣኻ ሰብ መሲሉ ዚርአየካ ዘሎ ጽላሎት ኣኽራን እዩ፡ በሎ።
37. ጋዓል ድማ መሊሱ፡ እንሆ፡ ካብ ማእከል እታ ሃገር ህዝቢ ይወርድ አሎ፡ ሓደ ጭፍራ ኸአ ብመገዲ ድዋ ጠንቆልቲ ኣቢሉ፡ ይመጽእ ኣሎ። ኢሉ ተዛረበ።
38. ሽዑ ዜቡል፡ እቲ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፡ ዝበልካዮ፡ ሕጂ ደአ ኣፍካ ኣበይ ኣሎ፡ እዚ እቲ ዝነዐቕካዮ ህዝብዶ ኣይኮነን፡ እምበአር ሕጂ ወጺእካ ተዋግኣዮ፡ በሎ።
39. ጋዓል ድማ ንሰብ ሴኬም መሪሕዎም ወጸ እሞ ምስ ኣቢሜሌክ ተዋግኤ።
40. ኣቢሜሌክ ግና ሰጎጎ እምሞ ካብ ቅድሚኡ ሀደመ፡ ክሳዕ ደገ እታ ኸተማ ኸአ ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ።
41. ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ኣሩማ ተቐመጠ፡ ዜቡል ከአ ንጋዓልን ነሕዋቱን ኣብ ሴኬም ከይቕመጡ ሰጎጎም።
42. ኮነ ኸአ፡ ንጽብሒቱ እቲ ህዝቢ ናብ ግርሁ ወጸ፡ እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ።
43. ነቲ ህዝቢ ወሲዱ ኸአ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ፡ ኣብ መሮር ከአ ድቡቕ ኣንበረ። እንሆ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ኺወጽእ ምስ ረአየ፡ ተንስኦም ቀተሎም ድማ።
44. ኣቢሜሌክ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ጭፍራታትን ጎይዮም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ በሉ። እቶም ክልተ ጭፍራ ኸአ ጎይዮም ነቶም ኣብ ግርሁ ዝነበረ ኹሎም ወድእዎም።
45. ኣቢሜሌክ ከአ በታ መዓልቲ እቲኣ ብመልኣ ነታ ኸተማ ተዋግኣ፡ ነታ ኸተማ ሒዙ ድማ ኣብኣ ንዝነበረ ህዝቢ ቀተለ። ነታ ኸተማ ኣፍሪሱ ኸአ ጨው ዘርኣላ።
46. እቶም ኣብ ግምቢ ሴኬም ዝነበሩ ኹሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ናብ ዕርዲ ቤት ኤልበሪት ኣተው።
47. ኩሎም ሰብ ግምቢ ሴኬም ከም እተአከቡ፡ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ።
48. ሽዑ ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ኹሉ ህዝብን ናብ ከረን ጻልሞን ደየበ። ኣቢሜሌክ ድማ ማሕጸ ኣብ ኢዱ ወሲዱ ሓደ ጨንፈር ኦም ቆረጸ፡ ኣልዒሉ ኸኣ ኣብ መንኩቡ ገበሮ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ከምዚ ኣነ ኽገብሮ ዝርኤኹምኒ ቐልጢፍኩም ከምኡ ኣነ ኽገብሮ ዝርኤኹምኒ ቐልጢፍኩም ከምኡ ግበሩ፡ በሎም።
49. ኩሉ እቲ ህዝቢ ኸአ ነፍሲ ወከፍከምኡ ጨጨንፈሩ ቖረጸ፡ ንኣቢሜሌክ ስዒቦም ድማ ናብቲ ዕርዲ ኣንበርዎ፡ ነቲ ዕርዲ ኸአ ኣብ ልዕሊኦም ኣንደድዎ። ኹሎም ኣብ ግምቢ ሴኬም ዝነበሩ ሰባት ድማ፡ ኣስታት ሽሕ ሰብኣይን ሰበይትን ሞቱ።
50. ኣቢሜሌክ ድማ ናብ ቴብጽ ከደ እሞ ንቴቤጽ ሰፈራ ሐዛ ኸአ።
51. ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ድማ ጽኑዕ ግምቢ ነበረ፡ ኩሎም ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኩሎም ሰብ እታ ኸተማ ናብኡ ሀደሙ፡ ኣብ ውሽጡውን ተዐጽው፡ ናብ ናሕሲ እቲ ግምቢ ኸኣአ ደየቡ።
52. ኣቢሜሌክ ድማ ናብቲ ግምቢ መጺኡ ተዋግኦ፡ ብሓዊ ኼንድዶ ኸአ፡ ናብ ደገ እቲ ግምቢ ቐረበ።
53. ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ኣቢሜሌክ መዲዳ ሰንዲዳ፡ ቀረንቀራኡ ጨፍለቐቶ።
54. ሽዑ ነቲ ጎበዝ ጋሻ ዛግሬኣ ቐልጢፉ ጸዊዑ፡ ሰበይቲ ቐቲላቶ ኸይብሉንስ፡ ሴፍካ መሲትካ ቕተለኒ፡ በሎ። እቲ ጎበዝውን ወግኦ ሞተ ኸአ።
55. እቶም ሰብ እስራኤል ኣቢሜሌክ ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ስፍራኡ ኸደ።
56. ኣቢሜሌክ ነቶም ሰብዓ ኣሕዋቱ ብምቕታሉ እቲ ነቦኡ ኽፉእ ዝገበሮ፡ ኣምላኽ ከምኡ ናብኡ መለሰሉ።
57. ኩሉ እቲ ኽፍኣት ሰብ ሴኬም ድማ፡ ኣምላኽ ናብ ርእሶም መለሰሎም። እቲ መርገም ዮታም ወዲ የሩብበዓል ከኣ ኣብ ረርእሶም በጽሔ።

  Judges (9/21)