Judges (8/21)  

1. ሰብ ኤፍሬም ድማ፡ እቲ ምስ ሚድያን ክትዋግእ ክትከይድ ከሎኻ ዘይጸዋዕካና፡ እዚ ዝገበርካናስ እንታይ ነገሩ እዩ፡ በልዎ። ብሓይሊ ኸአ ተኻራኸርዎ።
2. ንሱ ድማ፡ ክንዲ እቲናታትኩም እንታይ ገይረ እየ፡ ካብ ምቑራጽ ወይኒ ኣቢዔዘርስ ቀሪም ዘለላ ኤፊርምዶ ኣይበልጽን፡
3. ኣምላኽ ነቶም ሹማምቲ ሚድያን ዖሬብን ዝኤብን ኣብ ኢድኩም ሂብኩም እዩ። ክንዲ እቲ ናታትኩም እንታይ ክገብር ከአልኩ፡ ሽዑ እዚ ዘረባዚ ምስ ተዛረበ፡ ኹራኦም ሀድኤ።
4. ጊዴዎን ድማ ናብ ዮርዳኖስ መጸ እሞ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰለስተ ሚእቲ ሰባይን ተሳገሩ፡ ደኺሞም ከለው እኳ ይሰጉ ነበሩ።
5. ንሰብ ሱኮት ከአ፡ ኣነ ደድሕሪ ዜባሕን ጸልሙናን፡ ነገስታት ሚድያን፡ እሰጉጉ ኣለኹ፡ እዞም ዚስዕቡኒ ህዝቢ ድማ ደኺሞም እዮም እሞ፡ በጃኹም እንጌራ ሀብዎም በሎም።
6. እቶም ሹማምቲ ሱኮት ግና፡ ንሰራዊትካ እንጌራ ኽንህቦምሲ፡ ኢድ ዜባሕን ጻልሙናን ሕጂዶ ኣብ ኢድካ ኣለዋ በሉ።
7. ጊዴዎን ከአ፡ ግዲ የልቦን፡ እግዚኣብሄር ንዜባሕን ጻልሙናን ኣብ ኢደይ ምስ ሀበኒ፡ ንስጋኹም ብእሾኹ በረኻን ብዳንዴርን ክዘብጠኩም እየ፡ በለ።
8. ካብኡ ናብ ፋኒኤል ደይቡ ኸኣ ንኣታቶም ከምኡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብ ፋኑኤል ድማ ከምቲ ናይ ሰብ ሱኮት ገይሮም መለሱሉ።
9. ንሰብ ፋኑኤል ከአ፡ ብሰላም ምስ ተመለስኩም፡ ነዚ ግምቢ እዚ ኸፍርሶ እየ፡ በሎም።
10. ዜባሕን ጻልሙናን፡ ምሳታቶም ከአ እቶም ካብ ብዘሎ ሰራዊት ሰብ ምብራቕ ዝተረፈ ሰራዊቶም ኣስታት ዓሰርተው ሓሙሽተ ሽሕ ዚኸውን ሰብ ኣብ ቃርቆር ነበሩ፡ እቶም ወዲቖም ዝነበሩ ድማ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ነበሩ።
11. ጊደዎን ድማ ብመገዲ እቶም ኣብ ምብራቕ ኖባን ዮግበሃን ኣብ ድንኳን ዚነብሩ ደዩቡ፡ ነቲ ኣብ ሰፈር ሀዲኡ ዘሎ ሰራዊት ወቕዖ።
12. ዜባሕን ጻልሙናን ድማ ሀደሙ፡ ንሱ ግና ስዒቡ ሰጎጎም፡ ንኽልቲኦም ነገስታት ሚድያንን፡ ንዜባሕን ጻልሙናን ማረኾም፡ ንብዘሎ ሰራዊትውን ኣሸበሮ።
13. ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ ካብ ውግእ፡ ካብ ዓቐበት ሔረስ ተመልሰ።
14. ካብ ሰብ ሱኮት ሓደ መንእሰይ ሒሱ ሐተቶ፡ ንሱ ኸኣአ ናይ ሱኮት ሹማማትን ዓበይትን ሰብዓን ሾብዓተን ሰብ ጸሐፈሉ።
15. ናብ ሰብ ሱኮት መጺኡ ድማ፡ ነቶም ድኹማት ሰብካ እንጌራ ኽንህቦምሲ፡ ኢድ ዜባሕን ጻልሙናን ሕጂዶ ኣብ ኢድካ ኣለዋ፡ ኢልኩም ዘባጮኹምለይሲ፡ ዜባሕን ጻልሙናን እነው፡ በሎም።
16. ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ሒዙ፡ እሾኽ በረኻን ዳንዴርን ድማ ወሲዱ፡ ንሰብ ሱኮት ብእኡ ቐጽዖም።
17. ንግምቢ ፋኑኤልውን ኣፍረሶ፡ ንሰብ እታ ኸተማ ኸአ ቀተሎም።
18. ንዜባሕን ንጻልሙናን ድማ፡ እትም ኣብ ታቦር ዝቐተልኩምዎም ሰባት ከመይ ዝበሉ ነበሩ በሎም። ንሳቶም ከአ፡ ከማኻ ዝበሉ እዮም፡ ነፍሲ ወከፍ ውቃቤኦም ደቂ ንጉስ ይመስሉ፡ ኢሎም መለሱሉ።
19. ንሱ ኸአ፡ ኣሕዋተይ ደቂ እኖይ እምበር እዮም፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ብህይወት እንተ ትሐድዎምሲ ኣይምቐተለኩኹምን በለ።
20. ንየተር በኹሪ ወዱ፡ ተንሲኣ ቕተሎም፡ በሎ። እቲ ወዱ ግና፡ ንእሽቶ ነበረ እሞ፡ ፈሪሁ ሴፉ ኣይመሰተን።
21. ሽዑ ዜባሕን ጻልሙናን፡ ሰብ ከምቲ ዘለዎ ሓይሉ ድማ ከምኡ እዩ እሞ፡ ንስኻ ግዳ ተንሲእካ ውደቐና በሉ። ጊዴዎን ከአ ተንሲኡ ንዜባሕን ንጻልሙናን ቀተሎም፡ እቲ ኣብ ክሳድ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቓቓት ከአ ወሰደ።
22. ሽዑ ሰብ እስራኤል ንጊዴዎን፡ ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሒንካና ኢኻ እሞ፡ ንስኻን ወድኻን ወዲ ወድኻን ግዝኡና፡ በልዎ።
23. ጊዴውን ከአ፡ ኣነስ ኣይገዝኣኩምን፡ ወደይውን ኣይገዝአኩምን፡ እግዚኣብሄር ደአ ኣይግዛእኩም፡ በሎም።
24. ጊዴዎን ድማ፡ ካባኻትኩም ግዳ ሓደ ልማኖ እልምን ኣሎኹ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝማረኾ ቐላብቲ ሀቡኒ፡ ኢሎም። ንሳቶም እስማኤላውያን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ ቐላብቲ ወርቂ ነበሮም።
25. ንሳቶም ከአ፡ ተሓጎስና ንህበካ፡ በሉ። ክዳን ድማ ዘርግሑ፡ ነፍሲ ወከፍ ከአ እቲ ዝማረኾ ቐላብቲ ናብኡ ደርበየ።
26. ብጀካ እቲ ኣብ ነገስታት ሚድያን ዝነበረ ድሪን ኩትሻን ግምጃ ክዳውንትን፡ ብጀካ እቲ ኣብ ክሳውዲ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቋታት፡ እቲ ዝለመኖ ቓላብቲ ወርቂ ሚዛኑ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሲቃል ወርቂ ኾነ።
27. ጊደዎን ድማ ንእኡ ኤፋድ ገይሩ፡ ኣብ ከተማኡ ኣብ ዖፍራ ኣንበሮ። ብዘለው እስራኤል ከአ ደድሕሪኡ ኣብኡ ዘመወ። እዚ ኸኣአ ንጊዴዎንን ንቤቱን መፈንጠራ ኾነ።
28. የሩብበዓል ወዲ ዮሃስ ከአ ከይዱ ኣብ ቤቱ ተቐመጠ።
29. የሩብበዓል ወዲ ዮሃስ ከአ ከይዱ ኣብ ቤቱ ተቐመጠ።
30. ጊደዎን ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦ እሞ፡ ካብ ሕቑኡ ዝወጹ ሰብዓ እወዳት ነበርዎ።
31. እታ ኣብ ሴኬም ዝነበረት ሰበይቲ ወሰኑ፡ ንሳ ድማ ወዲ ወለደትሉ፡ ስሙ ኸኣ ኣቢሜሌክ ኣውጽኣሉ።
32. ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ ብጽቡቕ እርግና ሞተ፡ ኣብታ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ዮኣስ ከአ ተቐብረ።
33. ኮነ ድማ፡ ጊዴዎን ምስ ሞተ፡ ደቂ እስራኤል ተመሊሶም ደድሕሪ በዓሊም ዘመው፡ ንበዓልበሪት ኣምላኾም ገበርዎ።
34. ደቂ እስራኤል ነቲ ኻብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዚነብሩ ኹሎም ጸላእቶም ዘድሓኖም ኣግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይዘከርዎን።
35. ንቤት የሩብበዓል፡ ማለት ጊዴዎን፡ ከምቲ ንሱ እስራኤል ዝገበረሎም ኩሉ ጽቡቕ ነገርሲ፡ ገለ ሞያ እኳ ኣይገበሩሉን።

  Judges (8/21)