Judges (7/21)  

1. የሩብበዓል ንሱ ጊደዎን፡ እቲ ምስኡ ዝነበረ ኹሉ ህዝቢ ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኣብ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ከአ ሰፈሩ። ሰፈር ሚድያን ድማ ብወገን ሰሜኖም ኣብ ኩርባ ሞሬ፡ ኣብቲ ለሰ ነበረ።
2. እግዚኣብሄር ንጊዴዎን፡ ኣነ ንሚድያን ኣብ ኢዶም ከይሀቦም፡ እስራኤል፡ ኢደይ ኣድሐነትኒ፡ ኢሉ ኸይዕበየለይ፡ እዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝቢ እምብዛ በዚሑ፡ ፈራህን ተሸበርን ዘበለ ይመለስ፡ ካብ ከረን ጊልዓድ ይኺድ፡ ኢልካ ኣውጅ በሎ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ዕስራን ክልተን ሽሕ ተመልሱ፡ ዓሰርተ ሽሕ ከአ ተረፉ።
3. እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ እዚ ህብዚ ገና ብዙሕ እዩ፡ ናብ ማይ ኣውርዶም፡ ኣብኡ ንኣታቶም ክፍትነልካ ኣየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኣነ፡ እዚ ምሳኻ ይኺድ፡ ዝብለካ፡ ንሱ ምሳኻ ይኺድ፡ እቲ፡ ምሳኻ ኣይኺድ፡ ዝበለካ ዘበለ ኸአ፡ ንሱ ኣይኺድ በሎ።
4. እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ እዚ ህብዚ ገና ብዙሕ እዩ፡ ናብ ማይ ኣውርዶም፡ ኣብኡ ንኣታቶም ክፍትነልካ ኣየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኣነ፡ እዚ ምሳኻ ይኺድ፡ ዝብለካ፡ ንሱ ምሳኻ ይኺድ፡ እቲ፡ ምሳኻ ኣይኺድ፡ ዝበለካ ዘበለ ኸአ፡ ንሱ ኣይኺድ በሎ።
5. ሽዑ ነቲ ህዝቢ ናብ ማይ ኣውረዶ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴውን፡ ነቲ ኸም ኣሳትያ ኸልቢ ማይ ብልሳኑ ዚሰቲ ዘበለ፡ ንእኡ ንበይኑ፡ ነቲ ብብርኩ ተደቢሩ ዚሰቲውን ከምኡ ገብሮ፡ በሎ።
6. ቁጽሪ እቶም ብኢዶም ንኣፎም ማይ ዝሰትዩ ኸአ ስለስተ ሚእቲ ሰብ ኮኑ። እቶም ዝተረፉ ኹሎም ህዝቢ ግና ማይ ኪሰትዩ፡ ብብርኮም ተምበርኪኾም ደነኑ።
7. እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ በዞም ብኢዶም ዝሰተዩ ሰለስተ ሚእቲ ሰብኣይ ከድሕነኩም እየ፡ ሚድያናውያን ከአ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ። እቲ ህዝቢ ኹሉ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቦትኡ ይኺድ በሎ።
8. ሽዑ እቶም ህዝቢ ብኢዶም ስንቆምን መለኸቶምን ወሰዱ፡ ንኹሎም ሰብ እስራኤል ከአ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሰደዶም፡ ነቶም ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ግና ኣትረፎም። ሰፈር ሚድያን ድማ ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ ለሰ ነበረ።
9. ኮነ ኸአ፡ በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር፡ ንእኡ ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ናብቲ ሰፈር ውረድ።
10. ንስኻ ምውራድ እንተፈራህካ ግና፡ ንስኻ ምስ ግልያኻ ጱራ ናብቲ ሰፈር ውረድ።
11. እቲ ዘዛረብዎ ኽትሰምዕ ኢኻ። ድሕሪኡ ናብቲ ሰፈር ንምውራድ ኣእዳውካ ኺጸንዓ እየን፡ በሎ። ሽዑ ንሱ ምስ ጱራ ግልያኡ፡ ናብ ወሰን እቶም ኣብ ሰፈር ተሰሊፎም ዝነበሩ ወረደ።
12. ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ኩሎም ደቂ ምብራቕ ድማ ከም ኣንበጣ ዝምብዛሖም ኣብቲ ለሰ ሰፊሮም ነበሩ። ኣግማሎም ከአ ቁጽሪ ዜብለን፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሔን ነበራ።
13. ጊዴዎን ምስ መጸ፡ እንሆ፡ ሓደ ሰብ ንብጻዩ ሕልሙ ይነግሮ ይብሎውን ነበረ፡ እንሆ ሕልሚ ሐለምኩ፡ እንሆ ኸአ፡ ጎጎ ስገም ናብ ሰፈር ሚድያን ኣንከራረወ፡ ናብ ድንኳን መጺኡ ወቕዖ፡ ንሱ ድማ ወደቐ፡ ንላዕሊ ኣቢሉ ኸአ ገልበጦ፡ እቲ ድንኳን ድማ ወደቐ።
14. እቲ ብጻዩ ድማ መሊሱ ፡ እዚ ሴፍ ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ፡ ናይ እስራኤል ሰብ እዩ ኣምበር፡ ካልእ ኣይኮነን፡ ኣምላኽ ሚድያን ንኹሉ ሰፈርን ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሀቦ፡ በለ።
15. ኮነ ኸአ፡ ጊዴዎን ነገር እዚ ሕልሚ እዝን ምፍታሑን ምስ ሰምዔ፡ ሰገደ። ድሕርዚ ናብ ሰፈር እስራኤል ተመሊሱ፡ ኣግዚኣብሄር ንሰፈር ሚድያን ኣብ ኢድኩም ሂብኩም እዩ እሞ፡ ተንስኡ በለ።
16. ነዞም ስለስተ ሚእቲ ሰብ ድማ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎም፡ ኣብ ኢድ ኩሎም ከአ መለኸትን ጥራዩ ዳነሱን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዳነሱውን ፋናታት ሀቦም።
17. በሎም ድማ፡ ንኣይ ርአዩ፡ ከምኡ ኸኣ ግበሩ። እንሆ ኸአ ኣነ ናብ ወሰን ሰፈር ምስ በጻሕኩ፡ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣነ ዝገበሮ ግበሩ።
18. ኣነ ምስቶም ምሳይ ዘለው ኹሎም ኮይነ መለኸት ምስ ነፋሕኩ፡ ንስኻትኩምውን ኣብ ዙርያ ኹሉ እቲ ሰፈር ንፍሑ፡ ንእግዚኣብሄርን ንጊዴዎንን ድማ በሉ።
19. ኣብ መጀምርታ ሐለዋ ፍርቂ ለይቲ፡ ብኡብኡ ዜብዓኛታት ምስ ተለወጡ፡ ጊዴዎን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሚእቲ ሰብኣይን፡ ናብቲ ወሰን ሰፈር መጹ። መለኸት ከአ ነፍሑ፡ ነቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝነበረ ዳነሱውን ሰበርዎ።
20. ሰለስቲኦም ጭፍራ ድማ መለኸቶም ነፍሑ፡ ነቲ ዳነሱ ኸአ ሰበርዎ፡ ብዘጋመይቲ ኢዶም ፋናታት ብየማነይቲ ኢዶም ከአ፡ ኪነፍሑ፡ መለኸት ሐዙ፡ ሴፍ እግዚኣብሄርን ጊዴዎንን፡ ኢሎም ድማ ጨደሩ።
21. ነፍሲወከፍ ኣብ ሰስፍራኡ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቖሙ። ሽዑ ብዘሎ እቲ ሰራዊት ጎየየ፡ ጨርሑን ሀደሙን ከአ።
22. ነቲ ሰለስተ ሚእቲ መለኸት ድማ ነፍሑ፡ እግዚኣብሄር ከአ ሴፍ ነፍሲ ወከፍ ናብ ብጻዩን ናብ ብዘሎ እቲ ሰራዊትን ገበሮ። እቲ ሰራዊት ድማ ናብ ጸረራ ኣቢሉ ኽሳዕ ቤትሺጣ፡ ክሳዕ እታ ኣብ ገምገም ኣቤልመሖላ ዘላ ጣበት ሀደመ።
23. ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ንፍታሌምን ካብ ኣሴርን ካብ ኩሉ ምናሴን ተአከቡ እሞ ንሚድያናውያን ስዒቦም ሰጎጉዎም።
24. ጊዴዎን ድማ፡ ንሚድያን ክትቃባበልዎም ውረዱ፡ ነቲ ማያት ክሳዕ ቤትባራን ዮርዳኖስን ድማ ሐዘሎም፡ ኢሉ ናብ ብዘሎ ኸረን ሰብ ኤፍሬም ተአኪቦም ነቲ ማያት ክሳዕ ቤትባራን ዮርዳኖስን ሓዝዎ።
25. ንኽልቲኦም ሽሙምቲ ሚድያን፡ ዖሬብ ቀተልዎ፡ ንዝኤብውን ኣብ መጽመቑ ወይኒ ዝኡብ ቀተልዎ፡ ንሚድያናውያን ከአ ሰጎጎዎም። ርእሲ ዖሬብን ዝኤብን ግና ናብ ስግር ዮርዳኖስ ናብ ጊዴዎን ኣምጽእዎ።

  Judges (7/21)