Judges (6/21)  

1. ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ። እግዚኣብሄር ከአ ሾብዓተ ዓመት ናብ ኢድ ሚድያን ኣሕሊፉ ሀቦም።
2. ኢድ ሚድያን ድማ ኣብ እስራኤል በርትዔት፡ ደቂ እስራኤል ከአ ብሰሪ ሚድያን እቲ ኣብ ኣኽራን ዘሎ ጎዳጉድን በዓትታትን እምባታትን ገበሩ።
3. ኮነ ድማ፡ እስራኤል ምስ ዘርኤ፡ ምድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ደየቡ፡ ናብኦም ደየብዎም።
4. ኣብኦም ሰፊሮም፡ ክሳዕ እቲ ንጋዛ ዜእቱ ፍረ እታ ምድሪ ኣጥፍኡ፡ ገለ ምግቢ ኾነ፡ በጊዕ ኮነት፡ ብዕራይ ኮነ፡ ኣድጊ ኾነ ኣብ እስራኤል ኣይሕደጎን።
5. ንሳቶም ምስ ከብቶምን ድንኳውንቶምን ደየቡ፡ ምብዛሖም ከአ ኣንበጣ ኾይኖም መጹ። ንሳቶምን ኣግማሎምን ቁጽሪ ዜብሎም ነበሩ እሞ፡ ኬጥፍእዋ ናብታ ሃገር ኣተው።
6. እስራኤል ብሚድያን ብዙሕ ተሸገረ፡ ደቂ እስራኤል ከአ ናብ እግዚእብሄር ተማህለሉ።
7. ኾነ ኸአ ደቂ እስራኤል ብሰሪ ሚድያን ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡
8. እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ሓደ ነብዩ ሰደደሎም። ንሱ ድማ፡ እግዚእብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ በሎም፡ ኣነ ኻብ ግብጺ ኣደየብኩኹም: ካብ ቤት ባርነት ኣውጻእኩኹም፡
9. ካብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ኹሎም መጥቃዕትኹምን ኣድሓንኩኹም፡ ንኣታቶም ካብ ቅድሜኹም ሰጉጎ ምድሮም ሀብኩኹም።
10. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ንኣማልኽቲ ኣቶም ንስኻትኩም ኣብ ሃገሮም ተቐሚጥኩም ዘሎኹም ኣሞራውያን ኣይትፍርህዎም፡ ድማ በልኩኹም። ግናኸ ቃለይ ኣይሰማዕኩምን።
11. መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መጺኡ ኣብ ናይ ዮኣስ ኣቢዔዝራዊ፡ ኣብ ዖፍራ ዘላ ድዋ ተቐመጠ። ወዱ ጊዴዎን ካብ ሚድያናውያን ኪሓብእ፡ ስርናይ ኣብ መጽሙቑ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ።
12. ብእኡ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተራእዩ፡ ኣታ ሓያል ጅግና እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፡ ከአ በሎ።
13. ጊደዎን ድማ፡ ኣየ ጐይታይ እግዚኣብሄር ምሳና እንተልዩ ደአ እዚ ኹሉ ስለምንታይ ረኸበና፡ እቲ ኣቦታትና፡ እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ ኣደይቡናዶ ኣይኮነን፡ ኢሎም ዝነገሩና ኹሉ ተኣምራቱኸ ኣበይ ኣሎ፡ ሕጊ ግና እግዚኣብሄር ሓዲጉናስ፡ ኣብ ኢድ ሚድያን እኳ ኣሕሊፉ ሂቡና በሎ።
14. ንሱ ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እንሆ ዓሌተይ ካብ ምናሴ እቲ ድኻ እዩ፡ ኣነ ኸአ ኣብ ቤት ኣቦይ እቲ ንእሽቶ እየ፡ ንእስራኤል ደአ ብምንታይ ከድሕኖ እየ፡ በሎ።
15. ንሱ ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እንሆ ዓሌተይ ካብ ምናሴ እቲ ድኻ እዩ፡ ኣነ ኸአ ኣብ ቤት ኣቦይ እቲ ንእሽቶ እየ፡ ንእስራኤል ደአ ብምንታይ ከድሕኖ እየ፡ በሎ።
16. እግዚኣብሄር ከአ፡ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ንሚድያናውያን ከም ንሓደ ሰብኣይ ክትወቕዖም ኢኻ በሎ።
17. ንሱ ኸአ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ እንተ ደአ ረኺበስ፡ እትዛረበኒ ዘሎኻ ንስኻ ኸም ዝኾንካ ምልክት ሀበኒ፡
18. መስዋእተይ ኣውጺኤ፡ ናባኻ መጺኤ ኣብ ቅድሜኻ ኽሳዕ ዘቕርበልካስ፡ በጃኻ ካብዚ ኣይትኺድ በሎ። ንሱ ድማ፡ ክሳዕ እትምለስ ክጸንሓካ እየ በሎ።
19. ሽዑ ጊደዎን ኣትዩ ሓደ ማሕስእን ሓደ ኤፋ ሓርጭ ቅጫ ሰንኪቱ ኣዳለወ። ነቲ ስጋ ኣብ ሰፍኢ፡ ነቲ መረቕውን ኣብ ቁራዕ ገበሮ። ኣብ ትሕቲ ድዋ ኣውጺኡ ድማ ናብኡ ኣቕረበሉ።
20. እቲ መልኣኽ ኣምላኽ ከአ፡ ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ኣብዚ ኸውሒ እዚ ኣንብሮ ነቲ መረቕውን ኣፍስሶ፡ በሎ። ከምኡ ድማ ገበረ።
21. ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ዘንጊ ሰዲዱ ነቲ ስጋን ቅጫን ተንከዮ እሞ ሓዊ ኻብቲ ኸውሒ ወጺኡ፡ ነቲ ስጋን ቅጫን በልዖ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ኣዒንቱ ተሰወረ።
22. ሽዑ ጊደዎን ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ረአየ። ጊዴዎን ከአ፡ ወይለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንመልኣኽ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ርእየዮ በለ።
23. እግዚኣብሄር ድማ፡ ሰላም ንኣኻ ይኹን፡ ኣይትፍራህ፡ ኣይትመውትን ኢኻ በሎ።
24. ሽዑ ጊዴዎን ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ እግዚኣብሄር ሰላም፡ ኢሉ ኸአ ሰመዮ። ንሱ ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣብቲ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣሎ።
25. ኮነ ኸአ፡ በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በሎ፡ ናይ ኣቦኻ ኣርሓ እቲ ኻልኦት ሾብዓተ ዓመት ዝገበረ ኣርሓ፡ ውሰድ፡ ነቲ ናይ ኣቦኻ መሰውኢ በዓል ኣፍርሶ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ኣስታርተ ኸአ ቆረዞ።
26. ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ ኸም ስርዓቱ ጌርካ ስራሕ፡ ነቲ ኻልኣይ ኣርሓ ኸአ በቲ እትቖርጾ ኣስታርተ ጌርካ ዚሓርር መስዋእቲ ኣዕርጎ።
27. ሽዑ ጊዴዎን ካብ ገላውኡ ዓሰርተ ሰብ ወሲዱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ። ኮነ ኸአ፡ ብመዓልቲ ኸይገብሮስ ንቤት ኣቦኡን ንሰብ እታ ኸተማን ስለ ዝፈርሄ፡ ብለይቲ ገበሮ።
28. ንስብሒቱ ሰብ እታ ኸተማ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ መሰውኢ በዓል ፈሪሱ፡ እቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ኣስታርተ ኸአ ተቖሪጹ፡ እቲ ኻልኣይ ኣርሓውን ኣብቲ ተሰሪሑ ዝነበረ መሰውኢ ተሰዊኡ ነበረ።
29. ንሓድሕዶም ድማ፡ እዚ ነገር እዚ መን ገበሮ፡ ተባሃሃሉ፡ ሓቲቶም መርሚሮን ድማ እዚ ነገር እዚ ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ እዩ ዝገበሮ በሎ።
30. ሽዑ ሰብ እታ ኸተማ ንዮኣስ፡ ወድኻ መሰውኢ በዓል ኣፍሪሱ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ኣስታርተ ድማ ቖሪጹ እዩ እሞ፡ ኪመውት ኣውጽኣዮ በልዎ።
31. ዮኣስ ከአ ነቶም ኪቃወምዎም ዝተንስኡ ኹሎም፡ ንበዓልዶ ኽትጣበቑሉ ኢኹም ወይስ ከተድሕንዎዶ ደሊኹም እቲ ኺጣበቐሉ ዚደሊ፡ ምድሪ ኸይወግሔት ይሙት፡ ንሱ ኣምላኽ እንተ ኾይኑስ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ባዕሉ ይማጎቶ በሎም።
32. ስለዚ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ በዓል ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ባዕሉ ይማጎቶ፡ ኢሉ የሩብበዓል ሰመዮ።
33. ሽዑ ኹሎም ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ብሓደ ተአከቡ፡ ተሳጊሮም ድማ ኣብ ለሰ ይዝርኤል ሰፈሩ።
34. ንጊደዎን ከአ መንፈስ እግዚኣብሄር ወረዶ። ንሱ መለኸት ነፍሔ፡ ኣቢዔዝራውያን ከአ ተአኪቦም ሰዐብዎ።
35. ናብ ብዘሎ ምናሴ ድማ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም ከአ ከቲቶም ሰዐብዎ። ናብ ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ድማ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶምውን ኪቕበልዎም ደየቡ።
36. ጊዴዎን ድማ ንኣምላኽ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ንእስራኤል ብኢደይ ተድሕኖ እንተ ኾንካስ፡
37. እንሂ፡ ኣነ እዚ ቁረጽ ጸምሪ እዚ ኣብ ዓውዲ እኔብር ኣሎኹ። ኩላ ምድሪ ንቕጽቲ ኸአ ኣብዚ ጸምሪ ጥራይ ዛዕዝዓ እንተ ኾነ፡ ሽዑ ኸምቲ እተዛረብካዮ፡ ንእስራኤል ብኢደይ ከም እተድሕኖ እፈልጥ በሎ።
38. ከምኡ ድማ ኾነ። ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ነቲ ጸምሪ ጸመቔ፡ ካብቲ ጸምሪ ኸአ ሒላብ ምሉእ ማይ ኣውጽኤ።
39. ጊዴዎን ድማ ንኣምላኽ ሓንሳእ ጥርይ ክዛረብ፡ ቁጥዓኻ ኣባይ ኣይንደድ፡ በቲ ጸምሪ ሓንሳእ ጥራይ ክፍትን በጃኻ። እምባአርሲ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ድማ ዛዕዝዓ ይኹን በሎ።
40. ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምኡ ገበረ፡ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ ከሎ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዛዕዝዓ ኾነ።

  Judges (6/21)