Judges (5/21)  

1. በታ መዓልቲ እቲኣ ዴቦራን ወዲ ኣቢኖዓምን እዚ መዝሙር እዚ ኸምዚ ኢሎም ዘመሩ፡
2. መራሕቲ ኣብ እስራኤል ምርሒት ስለ ዝወሰዱ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ርእሱ ብፍቓዱ ስለ ዝወፈየ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
3. ኣቱም ነገስታት፡ ስምዑ፡ ኣቱም ሹማምቲ፡ ጽን ብበሉ። ኣነ፡ እወ ኣነ ንእግዚኣብሄር እዝምረሉ፡ ንእግዚኣብሄር፡ ንኣምላኽ እስራኤል እቕነየሉ ኣሎኹ።
4. ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ስዒር ምስ ወጻእካ፡ ካብ መሮር ኤዶም ድማ ምስ ከድካ፡ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ፡ ደበናታት ድማ ማይ ኣንጠብጠቡ።
5. ኣኽራን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተነቓነቑ፡ እዚ ሲና ኸአ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተነቓነቐ።
6. ብዘበን ሻምጋር ወዲ ዓናት፡ ብዘበን ያዔል ድማ ብጥውጥዋይ መገዲ ኸዱ።
7. ኣነ ዴቦራ ኽሳዕ ዝትንስእ ኣነ ኣብ እስራኤል ኣደ ኾይነ ኽሳዕ ዝትንስእ፡ ኣብ እስራኤል ሓላቑ ተሳእኑ፡ ተሳእኑ።
8. ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሐረዩ፡ ሽዑ ውግእ ኣብ ኣፍ ደጌታት ነበረ። ኣብቶም ኣርብዓ ሽሕ እስራኤልከ ዋልታ ኾነ፡ ኹናት ኮነዶ ተርኤ፡
9. ልበይ ምስቶም ኣብ ማእከል ህዝቢ ፈትዮም ርእሶም ዝወፈዩ፡ ምስቶም መራሕቲ እስራኤል እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኹ።
10. ኣቱም ጸዓዲት ኣእድግ እትውጥሑ፡ ኣቱም ኣብ ምንጻፋት እትቕመጡ፡ ኣቱም ሓለፍቲ መገዲውን፡ ብዛዕባኡ ተዛረቡ።
11. ካብ ደሃይ ቀስተኛታት ርሒቖም፡ ኣብ መንጎ ጋብላታት፡ ኣብኡ ግብርታት ጽድቂ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣብ እስራኤል እተገብረ ግብርታት ጽድቂ ሓላቑኡ ድማ ይንገሩ። ሽዑ ህዝቢ እግዚኣብሄር ናብ ደጌታት ወረደ።
12. ተንስኢ፡ ተንስኢ ዲቦራ፡ ተንስኢ፡ ተንስኢ፡ መዝሙር ዘምሪ። ባራቅውን ተንስእ፡ ኣታ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ምሩኻትካ ማርኽ።
13. ሽዑ ተረፍ እቶም ክቡራትን እቲ ህዝብን ወረዱ፡ እግዚኣብሄር ናባይ ኣብቶም ጀጋኑ ወረደ።
14. ኣብ ኣማሌቅ ዝሱሮም ካብ ኤፍሬም ወረዱ፡ ድሕሬኻ ብንያም ኣብ ማእከል ህዝብታትካ፡ ሓላቑ ኸአ ካብ ማኪር ካብ ዛብሎንውን ብበትሪ ገዛኢ ዚምርሑ ወረዱ።
15. ሹማምቲ ይሳኮር ምስ ዴቦራ ነበሩ፡ ባራቅውን ከም ይሳኮር ገበረ፡ ብታህዋኽ ናብቲ ለሰ እግረእግሩ ጎየዮ። ኣብ ጥቓ ርባታት ሮቤል ዓበይቲ ምኽርታት ልቢ ነበረ።
16. ስለምንታይከ ዕንዱር ጓሶት ክትሰምዕ፡ ኣብ ማእከል ደምቤታት ኣባጊዕ ኮፍ በልካ፡ ኣብ ጥቓ ርባታት ሮቤል ዓበይቲ ምርመራታት ልቢ ነበረ።
17. ጊልዓድ ኣብ ክንየው ዮርዳኖስ ሰፊሩ ነበረ፡ ዳንከ ስለምንታይ ኣብ መራኽብ ተቐመጠ፡ ኣሴር ኣብ ገምገም ባሕሪ ይቕመጥ ነበረ፡ ኣብ ወደባቱ ኸአ ሰፈረ።
18. ዛብሎን ነፍሱ ንሞት ዝወፈየ ህዝቢ እዩ፡ ንፍታሌም ድማ ኣብ በረኸት መሮር ከምኡ ገበረ።
19. ነገስታት መጺኦም ተዋግኡ፡ ሽዑ ኣብ ተዓናክ ኣብ ማያት መጊዶ፡ ነገስታት ከነአን ተዋግኡ፡ ምርኮ ብሩር ግና ኣይወሰዱን።
20. ካብ ሰማይ ተዋግኡ፡ ከዋኽብቲ ኣብ ምኻዶም ምስ ሲሰራ ተዋግኡ።
21. ርባ ቂሶን፡ እቲ ናይ ጥንቲ ርባ፡ ርባ ቂሶን ጓቲቱ ወሰዶም። ዎ ነፍሰይ፡ ብሓይሊ ንቕድሚት ገስግሲ።
22. ሽዑ ኻብ ጋልበት፡ ጋልበት እቶም ሓያላቱ፡ ሸኻኑ ፈረስ ደርጓዕጓዕ በለ።
23. መልአኽ እግዚኣብሄር፡ ንሜሮዝ ርገምዋ ይብል፡ ንሓገዝ እግዚኣብሄር፡ ንሓገዝ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ጀጋኑ ስለ ዘይመጹ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኣዚኹም ርገምዎም።
24. ያዔል፡ ሰበይቲ ሔበር ቄናዊ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን፡ ኣብ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን።
25. ንሱ ማይ ለመነ እሞ ጸባ ሀበቶ፡ ብመሳተያ ኽቡራት ገይራ ርግኦ ኣቕረበትሉ።
26. ኢዳ ናብ ሸኻል፡ የማነይታ ኸአ ናብ ሞደሻ ዓየይቲ ዘርግሔት፡ ንሲሰራ ድማ ወቕዓቶ፡ ኣብ ርእሱ ሸኸለትሉ፡ መታልሑ ኣንኩላውን ኣሕለፈቶ።
27. ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቑልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡ በጥ ከአ በለ እወ፡ ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቑልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡ ኣብቲ እተቖልዐጸሉ፡ ኣብኡ ሞይቱ ወደቐ።
28. ኣደ ሲሰራ ብመስኮት ጠመተት፡ በቲ ዓይኒርግቢ ኾይና ጨደረት፡ ሰረገላኡ እንታይ ኮይኑ ምምጻእ ደንጎየ፡ መንኮራኹር ሰረገላኡኸ እንታይ ኮይኑ ደሓረ፡
29. እተን ጥበበኛታት ወይዘራዝራ መለሳላ፡ ንሳ ንርእሳውን መለሰት፡
30. ምርኮዶ ኣይረኸቡን፡ ኣይመቐሉንዶኸ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ሓንቲ ጓል፡ ክልተ ጓል፡ ንሲሰራ ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ ጥሉፍ ክዳውንቲ፡ ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ ጥሉፍ ክዳውንቲ፡ ብኽልተ ወገኑ ጥሉፍ ክዳውንቲዶ ኣይረኸቡን፡
31. ዎ እግዚኣብሄር፡ ኩሎም ጸላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፡ እቶም ዚፈትውዎ ግና፡ ከም ጸሓይ ብሓይላ፡ ከምቲ ኽትወጽእ ከላ ይድመቑ። እታ ሃገር ድማ ኣርብዓ ዓመት ዓረፈት።

  Judges (5/21)