Judges (3/21)  

1. መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ጊልጋል ናብ ቦኪም ደየበ በለ ኸአ፡ ካብ ግብጺ ኣደየብኩኹም፡ ናብታ ነቦታትኩም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸአ ኣእቶኹኹም። እቲ ምሳኻትኩም ዝአቶኽዎ ኺዳነይ ንዘለአለም ኣየፍርሶን እየ።
2. ንስኻትኩምውን ምስቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ ኺዳን ኣይእተው፡ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ድማ በልኩ። ንቓለይ ግና ኣይሰማዕኩምዎን። ስለምንታይ ኢኹም እዚ ዝገበርኩ፡
3. ስለዚ ድማ፡ ንጎድንኹም ኩርኳሕ ይኹነኹም፡ ኣማልኽቶምውን መፈንጠራ መጽሓፍ ይኹኑኹም ኣምበር፡ ካብ ቅድሜኹም ኣይሰጎምን እየ፡ በልኩ።
4. ኮነ ኸአ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኹሎም ደቂ እስራኤል እዘን ቃላት እዚኤን ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ህዝቢ ደሃዮም ዓው ኣቢሎም በኸዩ።
5. ነታ ቦታ ድማ ቦኪም ኢሎም ሰመይዋ፡ ኣብኣ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ።
6. እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበቶም ከአ ደቂ እስራኤል ነታ ምድሪ ኺወርሱ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቶም ከዱ።
7. እቶም ህዝቢ ድማ፡ ብኹሉ ዘበን እያሱን ብኹሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገብረሎም ዓብዩ ግብሪ ዝረአዩ ዓባይትን፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልገልዎ።
8. እያሱ ወዲ ነዌ፡ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከአ ወዲ ሚእትን ዓሰርተ ዓመት ምስ ኮነ ሞተ።
9. ኣብታ ዶብ ርስቱ፡ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ፡ ኣብ ቲምናትሔረስ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ቀበርዎ።
10. እቲ ወለዶ እቲ ኹሉ ድማ ናብ ኣቦታቶም ተአከቡ ድሕሪኦም ከአ ንእግዚኣብሄር ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብሪ ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ተንስኤ።
11. ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ ንበልዓልውን ኣገልግሉ።
12. ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ህዝብታት ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዱ፡ ንኣታቶምውን ሰገዱሎም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣቖጥዕዎ።
13. ንእግዚኣብሄር ሓዲጎምስ ንበዓል ንኣስታርቴታትን ኣገልግሉ።
14. ሽዑ ኹራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ፡ ኣብ ኢድ ዚማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለው ጸላእቶም ሸጦም እሞ፡ ደጊም ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ኪቖሙ ኣይከአሉን።
15. ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦምን ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሐለሎምን ናብ ኩሉ ዝኸድዎ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ንሕሰም ኣብኦም ነበረት እሞ፡ ብዙሕ ጸበቦም።
16. ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ እቶም ማረኽቶም ዜድሕንዎም መሳፍንቲ ኣተንስኣሎም።
17. ንሳቶም ግና ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ መንዘሩን ሰገዱሎምን እምበር፡ ነቶም መሳፍንቶምሲ ኣይስምዕዎምን። ካብታ ኣቦታቶም ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምእዛዝ ዝኸዱላ መገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ፡ ከማታቶሲ ኣይገብሩን።
18. ብዛዕባ እቶም ወቓዕቶምን ሳቐይቶምን ዘቖዘምዎም እግዚኣብሄር ተጣዕሰ እሞ፡ እግዚኣብሄር መሳፍንቲ ምስ እተንስኣሎም፡ ብኹሉ ዘበን እቲ መስፍን፡ እግዚኣብሄር ምስቲ መስፍን ኮይኑ ካብ ኢድ ጸላእቶም የድሕኖም ነበረ።
19. እቲ መስፍን ምስ ሞተ ግና፡ ተመሊሶም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዓቦምን ንኣታቶም ብምግልጋሎምን ብምስጋዶምን ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ ተበላሸው። ካብ ግብሮምን ካብ ድርቅና መገዶምን ኣይተረፉን።
20. ኩራ እግዚኣብሄር ከአ ኣብ እስራኤል ነደደ፡ በለ ድማ፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም እቲ ነቦታቶም ዝአዘዝክዎም ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፡ ደሃየይ ከአ ስለ ዘይሰምዑ።
21. ኣነ ድማ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሐለውዎ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ንምኻድ ዚሕልው እንተ ኾይኖም፡ ካብቶም እያሱ ኺመውት ከሎ ዝሐደጎ ህዝብታት ደጊምሲ ሓደ እኳ ኣይክሰጎጎን እየ።
22. ኣነ ድማ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሐለውዎ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ንምኻድ ዚሕልው እንተ ኾይኖም፡ ካብቶም እያሱ ኺመውት ከሎ ዝሐደጎ ህዝብታት ደጊምሲ ሓደ እኳ ኣይክሰጎጎን እየ።
23. እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታትት እዚኦም ቀልጢፉ ኸይሰጎጎም ሐደጎም፡ ኣብ ኢድ እያሱ ኸአ ኣሕሊፉ ኣይሀቦምን።

  Judges (3/21)