Judges (21/21)    

1. እቶም ሰብ እስራኤል ከአ ኣብ ሚጽጳ ካባና ሓደ እኳ ጓሉ ንብንያማዊ ኣየመርዐኣ ኢሎም ምሒሎም ነበሩ።
2. እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤትኤል መጹ፡ ኣብኣ ኸአ ክሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐመጡ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ድማ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ፡
3. ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ሎሚ ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ኪጎድልሲ፡ እዚ ስለምንታይ እዩ ኣብ እስራኤል ዝኾነ፡ ድማ በሉ።
4. ኮነ ኸአ፡ እቶም ህዝቢ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኣብኡ መሰውኢ ነዲቖም ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕረጉ።
5. ደቂ እስራኤል ድማ፡ ናብ እግዚኣብሄር ናብ ሚጽጳ ዘይድይብ ሞት ይሙት፡ ኢሎም ጽኑዕ ማሕላ ምሒሎም ነበሩ እሞ፡ ካብ ኩሎም ነገድ እስራኤል ናብ ማሕበር፡ ናብ እግዚኣብሄር ዘይደየበ መን እዩ በሉ።
6. ደቂ እስራኤል ከአ ብሓዎም ብንያም ተጣዒሶም፡ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ተቖሪጹ።
7. ንሕና ኻብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኸይንህቦም ብእግዚኣብሄር ምሒልና ኢና እሞ፡ እዞም ተሪፎም ዘለው ኣንስቲ ኽረኽቡስ፡ እንታይ ንገብረሎም፡ በሉ።
8. ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ናብ ሚጽጳ ዘይደየበ መን እዩ፡ በሉ። እንሆ ኸአ፡ ካብ ያቤሽጊልዓድ ናብ ሰፈር፡ ናብታ ማሕበር ሓደ እኳ ኣይመጸን።
9. እቲ ህዝቢ ተቖጽረ እሞ እንሆ፡ ካብቶም ኣብ ያቤሽጊልዓድ ዚነብሩ፡ ሕሰደ እኳ ኣብኡ ኣይነበረን።
10. ሽዑ እቲ ኣኼባ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ካብ ጀጋኑ ሰባት ናብኣ ሰዲዶም፡ ኬድኩም ነቶም ኣብ ያቤሽጊልዓድ ዚነብሩ ምስናይ ኣንስትን ሕጻናትን ብስሕለት ሴፍ ቅተልዎም፡
11. እትገብርዎ ነገር ከአ እዚ እዩ፡ ንኹሉ ተባዕታይን ኩለን ምስ ተባዕታይ ደቂሰን ንዚፈልጣ ኣንስትን ቅተሉ፡ ኢሎም ድማ ኣዘዝዎም።
12. ካብቶም ኣብ ያቤሽጊልዓድ ዚነብሩ ኣርባዕተ ሚእቲ፡ ምስ ተባዕታይ ብምድቃስን ሰብኣይ ዘይፈልጣ ደናግል ኣዋልድ ረኸቡ። ንሳቶም ከአ ንኣታተን ናብ ሰፈር፡ ናብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሺሎ ኣምጽእወን።
13. ኩሉ እቲ ኣኼባ ድማ ናብቶም ኣብ ከውሒ ሪሞን ዘለው ደቂ ብንያም ልኢኾም ናይ ሰላም ኣዋጅ ነገርዎም።
14. በታ ጊዜ እቲኣ ብንያም ተመልሰ። እተን ካብ ኣንስቲ ያቤሽጊልዓድ ብህይወት ዝሐደግወን ኣንስቲ ኸአ ሀብዎም፡ ግናኸ ኣይአኸላኦምን።
15. እቶም ህዝቢ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ነገዳት እስራኤል ነቓዕ ስለ ዝገበረ፡ ብብንያም ተጣዕሱ።
16. እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ኸአ፡ ኣንስቲ ኻብ ብንያም ጸኒተን እየን እሞ፡ እዞም ተሪፎም ዘለው ኣንስቲ ኺረኽቡስ፡ እንታይ ንግበር በሉ።
17. ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ከይድምስስሲ፡ እዞም ካብ ብንያም ድሒኖም ዘለው፡ እቲ ርስቶም ይሐዙ።
18. ደቂ እስራኤል፡ እቲ ንብንያም ሰበይቲ ዚህብ ርጉምይኹን፡ ኢሎም ምሒሎም እዮም እሞ፡ ንሕናስ ካብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኽንህቦም ኣይንኽእልን፡ ድማ በሉ።
19. ኣብታ ንቤትኤል ብሰሜና፡ ነታ ኻብ ቤትኤል ንሴኬም እተደይብ መገዲ ኸአ ብምብራቕ ንለቦናውን ዘላ ሺሎ፡ እንሆ በዓል እግዚኣብሄር ኣብ ዐዐመት ይግበር ኣሎ፡ ድማ በሉ።
20. ንደቂ ብንያም ከአ ኸምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፡ ኬድኩም ኣብ ኣታኽልቲ ወይንታት ተደበቑ።
21. እንሆ ኸአ፡ እተን ኣዋልድ ሺሎ እናሳዕስዓ ኺወጻ ምስ ራኤኹም፡ ካብታ ኣታኽልቲ ወይንታት ወጺእኩም፡ ካብተን ኣዋልድ ሺሎ ነፍሲ ወከፍኩም ሰበይቱ ይዘርፍ፡ ናብ ምድሪ ብንያም ከአ ኺዱ።
22. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣቦታተን ወይ ኣሕዋተን ኣባና ኺጠርዑ እንተ መጹ፡ ኣብቲ ውግእ ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቱ ኣይወሰድናሉን እሞ፡ ብለውሃት ንኣታተን ንስኻትኩም ኣይሀብኩምዎምን ንብሎም።
23. እቶም ደቂ ብንያም ከአ ከምኡ ገበሩ፡ ካብተን ዚስዕስዓ ዝነበራ ዘሪፎም፡ ከምቲ ቖጽሮም ኣንስቲ ወሰዱ። ከዱ እሞ ናብ ርስቶም ተመልሱ፡ ከተማታት ሰሪሖም ድማ ኣባታተን ተቐመጡ።
24. ደቂ እስራኤል ከአ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብኡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ነገዱን ናብ ዓሌቱን ከደ፡ ነፍሲ ወከፍ ከካብ ነናብ ርስቱ ወጸ።
25. በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኮይኑ እተራኣዩ ይገብር ነበረ።

  Judges (21/21)