← Judges (21/21) |
1. | እቶም ሰብ እስራኤል ከአ ኣብ ሚጽጳ ካባና ሓደ እኳ ጓሉ ንብንያማዊ ኣየመርዐኣ ኢሎም ምሒሎም ነበሩ። |
2. | እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤትኤል መጹ፡ ኣብኣ ኸአ ክሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐመጡ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ድማ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ፡ |
3. | ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ሎሚ ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ኪጎድልሲ፡ እዚ ስለምንታይ እዩ ኣብ እስራኤል ዝኾነ፡ ድማ በሉ። |
4. | ኮነ ኸአ፡ እቶም ህዝቢ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኣብኡ መሰውኢ ነዲቖም ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕረጉ። |
5. | ደቂ እስራኤል ድማ፡ ናብ እግዚኣብሄር ናብ ሚጽጳ ዘይድይብ ሞት ይሙት፡ ኢሎም ጽኑዕ ማሕላ ምሒሎም ነበሩ እሞ፡ ካብ ኩሎም ነገድ እስራኤል ናብ ማሕበር፡ ናብ እግዚኣብሄር ዘይደየበ መን እዩ በሉ። |
6. | ደቂ እስራኤል ከአ ብሓዎም ብንያም ተጣዒሶም፡ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ተቖሪጹ። |
7. | ንሕና ኻብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኸይንህቦም ብእግዚኣብሄር ምሒልና ኢና እሞ፡ እዞም ተሪፎም ዘለው ኣንስቲ ኽረኽቡስ፡ እንታይ ንገብረሎም፡ በሉ። |
8. | ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ናብ ሚጽጳ ዘይደየበ መን እዩ፡ በሉ። እንሆ ኸአ፡ ካብ ያቤሽጊልዓድ ናብ ሰፈር፡ ናብታ ማሕበር ሓደ እኳ ኣይመጸን። |
9. | እቲ ህዝቢ ተቖጽረ እሞ እንሆ፡ ካብቶም ኣብ ያቤሽጊልዓድ ዚነብሩ፡ ሕሰደ እኳ ኣብኡ ኣይነበረን። |
10. | ሽዑ እቲ ኣኼባ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ካብ ጀጋኑ ሰባት ናብኣ ሰዲዶም፡ ኬድኩም ነቶም ኣብ ያቤሽጊልዓድ ዚነብሩ ምስናይ ኣንስትን ሕጻናትን ብስሕለት ሴፍ ቅተልዎም፡ |
11. | እትገብርዎ ነገር ከአ እዚ እዩ፡ ንኹሉ ተባዕታይን ኩለን ምስ ተባዕታይ ደቂሰን ንዚፈልጣ ኣንስትን ቅተሉ፡ ኢሎም ድማ ኣዘዝዎም። |
12. | ካብቶም ኣብ ያቤሽጊልዓድ ዚነብሩ ኣርባዕተ ሚእቲ፡ ምስ ተባዕታይ ብምድቃስን ሰብኣይ ዘይፈልጣ ደናግል ኣዋልድ ረኸቡ። ንሳቶም ከአ ንኣታተን ናብ ሰፈር፡ ናብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሺሎ ኣምጽእወን። |
13. | ኩሉ እቲ ኣኼባ ድማ ናብቶም ኣብ ከውሒ ሪሞን ዘለው ደቂ ብንያም ልኢኾም ናይ ሰላም ኣዋጅ ነገርዎም። |
14. | በታ ጊዜ እቲኣ ብንያም ተመልሰ። እተን ካብ ኣንስቲ ያቤሽጊልዓድ ብህይወት ዝሐደግወን ኣንስቲ ኸአ ሀብዎም፡ ግናኸ ኣይአኸላኦምን። |
15. | እቶም ህዝቢ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ነገዳት እስራኤል ነቓዕ ስለ ዝገበረ፡ ብብንያም ተጣዕሱ። |
16. | እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ኸአ፡ ኣንስቲ ኻብ ብንያም ጸኒተን እየን እሞ፡ እዞም ተሪፎም ዘለው ኣንስቲ ኺረኽቡስ፡ እንታይ ንግበር በሉ። |
17. | ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ከይድምስስሲ፡ እዞም ካብ ብንያም ድሒኖም ዘለው፡ እቲ ርስቶም ይሐዙ። |
18. | ደቂ እስራኤል፡ እቲ ንብንያም ሰበይቲ ዚህብ ርጉምይኹን፡ ኢሎም ምሒሎም እዮም እሞ፡ ንሕናስ ካብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኽንህቦም ኣይንኽእልን፡ ድማ በሉ። |
19. | ኣብታ ንቤትኤል ብሰሜና፡ ነታ ኻብ ቤትኤል ንሴኬም እተደይብ መገዲ ኸአ ብምብራቕ ንለቦናውን ዘላ ሺሎ፡ እንሆ በዓል እግዚኣብሄር ኣብ ዐዐመት ይግበር ኣሎ፡ ድማ በሉ። |
20. | ንደቂ ብንያም ከአ ኸምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፡ ኬድኩም ኣብ ኣታኽልቲ ወይንታት ተደበቑ። |
21. | እንሆ ኸአ፡ እተን ኣዋልድ ሺሎ እናሳዕስዓ ኺወጻ ምስ ራኤኹም፡ ካብታ ኣታኽልቲ ወይንታት ወጺእኩም፡ ካብተን ኣዋልድ ሺሎ ነፍሲ ወከፍኩም ሰበይቱ ይዘርፍ፡ ናብ ምድሪ ብንያም ከአ ኺዱ። |
22. | ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣቦታተን ወይ ኣሕዋተን ኣባና ኺጠርዑ እንተ መጹ፡ ኣብቲ ውግእ ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቱ ኣይወሰድናሉን እሞ፡ ብለውሃት ንኣታተን ንስኻትኩም ኣይሀብኩምዎምን ንብሎም። |
23. | እቶም ደቂ ብንያም ከአ ከምኡ ገበሩ፡ ካብተን ዚስዕስዓ ዝነበራ ዘሪፎም፡ ከምቲ ቖጽሮም ኣንስቲ ወሰዱ። ከዱ እሞ ናብ ርስቶም ተመልሱ፡ ከተማታት ሰሪሖም ድማ ኣባታተን ተቐመጡ። |
24. | ደቂ እስራኤል ከአ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብኡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ነገዱን ናብ ዓሌቱን ከደ፡ ነፍሲ ወከፍ ከካብ ነናብ ርስቱ ወጸ። |
25. | በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኮይኑ እተራኣዩ ይገብር ነበረ። |
← Judges (21/21) |