Judges (20/21)  

1. ሽዑ ኹሎም ደቂ እስራኤል ወጹ፡ እቲ ኣኼባ ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕን ምድሪ ጊልዓድን ከም ሓደ ሰብኣይ ኮይኑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሚጽጳ ተአከበ።
2. ሓላቑ ኹሉ ህዝብን ኩሎም ነገዳት እስራኣኤልን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሴፍ ዚመልሕ ኣጋር ኣብቲ ማሕበር ህዝቢ ኣምላኽ ቀረቡ።
3. እቶም ደቂ ብንያም ድማ ደቂ እስራኤል ንምጽጳ ኸም ዝደየቡ ሰምዑ። ደቂ እስራኤል ድማ፡ እዚ ኽፉእ ነገር እዚ ኸመይ ከም ዝኾነ ንገሩና በሉ።
4. ሽዑ እቲ ሌዋዊ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ እታ እተቐትለት ሰበይቲ፡ ኣነ ምስታ ሰበይቲ ወሰነይ ኣብ ጊብዓ ናብ ብንያም ክሐድር ኣቶኹ።
5. እቶም ሰብ ጊብዓ ድማ ተላዕሉኒ፡ ኣብታ ዘሎኽዋ ቤት ብለይቲ ኸበቡኒ፡ ኪቐትሉኒ ኸአ ሐሰቡ፡ ነታ ሰበይቲ ወሰነይውን ዐመጽዋ እሞ ሞተት።
6. ኣነ ኸአ፡ ኣብ እስራኤል ርኽሰትን ዕብዳንን ስለ ዝገብሩ፡ ነታ ሰብይቲ ወሰነይ ወሲደ ቖራረጽክዋ እሞ ናብ ብዘላ ምድሪ ርስቲ እስራኤል ሰደድክዋ።
7. ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ኩላትኩም እኔኹም፡ ኣብዚ ተዘራረቡን ምኸሩን፡ ኢሉ መለሰሎም።
8. ኩሉ እቲ ህዝቢ ኸአ ከም ሓደ ሰብኣይ ኮይኑ ተንሲኡ ኸምዚ በለ፡ ካባና ሓደ እኳ ናብ ድንኳኑ ኣይኺድ፡ ሓደ እኳ ናብ ቤቱ ኣይመለስ።
9. ሕጂ ግና ንጊብዓ እንገብራ ነገር እዚ እዩ፡ ዕጭ ኣውዲቕና ንደይባ።
10. ናብ ጊብዓ ብንያም ከይዶም ከአ፡ ከምቲ ኣብ እስራኤል ዝገበረቶ ዕብዳን ኪገብርዋስ፡ ነቲ ህዝቢ ስንቂ ዚወስዱ ኻብ ኩሎም ነገድ እስራኤል፡ ካብ ሚእትስ ዓሰርተ፡ ካብ ሽሕ ከአ ሚእቲ፡ ካብ ዓሰርተ ሽሕ ውን ሰብኣይ ንውሰድ።
11. ኩሎም ሰብ እስራኤል ድማ ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ኣብታ ኸተማ ተአከቡ።
12. እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ናብ ብዘሎ ነገድ ብንያም፡ እዚ ኣባኻትኩም ዝኾነ ኽፉእ ነገር ኣንታይ እዩ፡
13. ሕጂ ኸአ ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ከነርሕቖስ፡ ነቶም ኣብ ጊብዓ ዘለው ደቂ ብልያል ክንቀትሎም ሀቡና ኢሎም ሰባት ለአኹ። እቶም ደቂ ንብያም ግና ቃል ኣሕዋቶም ደቂ እስራኤል ኪሰምዑ ኣይፈተውን።
14. እቶም ደቂ ብንያም ድማ ካብ ከተማታት ናብ ጊብዓ ተአከቡ እሞ ምስ ደቂ እስራኤል ኪዋግኡ ወጹ።
15. በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ከተማታት ዝወጹ ደቂ ብንያም፡ ብጀካ እቶም ኣብ ጊብዓ ዚነብሩ፡ ሾብዓተ ሚእቲ እተቖጽሩ ሕሩታይ ሰብ፡ ዕስራን ሹድሹተን ሽሕ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ተቖጽሩ።
16. ካብ ኩሉ እዚ ህዝቢ እዝ፡ ብጸጋማይ ኢዶም ወንጪፎም ንሓንቲ ጸጉሪ ዘይስሕቱ፡ ሾብዓተ ሚእቲ ሕሩያት ሰብ ነበሩ።
17. ሰብኡት እስራኤል ድማ፡ ብጀካ ብንያም፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ተቖጽሩ። እዚኣቶም ኩሎም ተዋጋእቲ ሰባት ነበሩ።
18. ደቂ እስራኤል ድማ ተንሲኦም ናብ ቤትኤል ደዩቦም፡ ምስ ደቂ ብንያም ንምውጋእ ካባናስ መን ቅድም ይድይበልና፡ ኢሎም ንኣምላኽ ሐተትዎ። እግዚኣብሄር ከአ፡ ይሁዳ ይቐድም፡ በለ።
19. እቶም ደቂ እስራኤል ድማ ንጽብሒቱ ንግሆ ተንስኦም ደየቡ እሞ ኣብ መንጽር ጊብዓ ሰፈሩ።
20. ሰብ እስራኤል ከአ ምስ ብንያም ኪዋግኡ ወጹ፡ እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ኪዋግእዎም ኣብ ጥቓ ጊብዓ ተሰለፉ።
21. ደቂ ብንያም ከአ ካብ ጊብዓ ወጺኦም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ እስራኤል ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብእይ ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቕዎም።
22. እቶም ህዝቢ፡ ሰብ እስራኤል፡ ድማ በርቲዖም ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ተሰሊፎምላ ዝነበሩ ቦታ መሊሶም ተሰለፉ።
23. ደቂ እስራኤል ከአ ደይቦም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብኽይ ወዓሉ። ንእግዚኣብሄር ድማ፡ መሊሶም ምስ ደቂ ሃወይ ብንያም ውግእ ክገጥም፡ ኢሉ ሐተት። እግዚኣብሄር ከአ፡ ደይብዎ፡ በለ።
24. እቶም ደቂ እስራኤል በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ናብ ደቂ ብንያም ቀረቡ።
25. ብንያም ከኣ ካልኣይ መዓልቲ ኺቃባባሎም ካብ ጊብዓ ወጸ እሞ መሊሶም ካብ ደቂ እስራኤል ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ሰብኣይ ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቕዎም። እዚኣቶም ኩሎም ሴፍ ዚመልሑ ነበሩ።
26. ሽዑ ኹሎም ደቂ እስራኤልን ኩሉ ህዝብን ናብ ቤትኤል ደዩቦም በኸዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጦም ክሳዕ ምሸ ጾሙ። ዚሐርር መስዋኣትን መስዋእቲ ምስጋናን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ።
27. በታ ጊዜ እቲኣ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበረ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ሐተትዎ።
28. ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን፡ ከአ በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ ቅድሚኡ ይቐውም ነበረ እሞ፡ መሊሶም ኸም ብሓድሽ ምስ ደቂ ሓወይ ብንያም ክዋጋእ ክወጽእ ወይስ ክሐድጎ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ጽባሕሲ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይቡ ደአ፡ በሉ።
29. እስራኤል ከአ ንጊብዓ ብዙርያኣ ድብቕ ኣንበረላ።
30. በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ደቂ እስራኤል ናብ ደቂ ብንያም ደየቡ፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ኣብ ቅድሚ ጊብዓ ተሰለፉ።
31. እቶም ደቂ ብንያም ድማ ወጺኦም ነቲ ህዝቢ ኺቃባበልዎ ኻብታ ኸተማ ተሳሕቡ፡ ኣብተን ክልተ መገዲ፡ ሓንቲ ንቤትኤል ኣቢላ እትድይብ ሓንቲ ድማ ንመሮር ጊብዓ እተብል፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ካብቲ ህዝቢ፡ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ሰላሳ ዚኾኑ ሰባት ኪወቕዑን ኪቕትሉን ጀመሩ።
32. እቶም ደቂ ብንያም ድማ፡ ከምቲ መጀመርታ ኣብ ቅድሜና ተሳዕሩ በሉ። ደቂ እስራኤል ግና፡ ካብ ከተማ ናብ መገድታት ክንስሕቦምሲ ንህደም ደአ፡ በሉ።
33. ኩሎም ሰብ እስራኤል ከአ ካብ ቦታኦም ተንሲኦም፡ ኣብ በዓልታማር ተሰለፉ። እቲ ድብቕ እስራኤል ድማ ካብታ ቦታኡ፡ ካብ መዓረህጊብዓ ወጸ።
34. ካብ ብዘሎ እስራኤል እተሐርዩ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ናብ መንጽር ጊብዓ መጹ፡ እቲ ውግእ ከአ በርትዔ፡ ደቂ ብንያም ግና ክፉእ ከም ዚበጽሖም ኣይፈልጡን።
35. እግዚኣብሄር ድማ ንብንያም ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም ዚስዐር ገበሮ። ደቂ እስራኤል ከአ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ብንያም ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕን ሚእትን ሰብኣይ ቀተሉ። እዚኣቶም ኩሎም ሴፍ ዚመልሑ ነበሩ።
36. ደቂ እስራኤል ከአ በቲ ኣብ ጊብዓ ዘንበርዎ ድብቕ ስለ እተአመኑ ንደቂ ብንያም ቦታ ህብዎም እሞ፡ እቶም ደቂ ብንያም ከም እተሳዕሩ ረአዩ።
37. እቶም ድቡቓት ድማ ቀልጢፎም ናብ ጊብዓ ጎየዩ እሞ እቶም ድቡቓት ጥሒሶም ንብዘላ እታ ኸተማ ብስሕለት ሴፍ ወቕዕዋ።
38. ንሰብ እስራኤል ካብታ ኸተማ ብርቱዕ ትኪ ኸም ዚልዐል ኪገብሩ ምስቶም እተደበቑ ምልክት ነበሮ።
39. እቶም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ውግእ ገጾም መለሱ፡ ብንያም ከአ፡ ብርግጽ ከምቲ ቀድማይ ውግእ ኣብ ቅድሜና ተሳዔሮም፡ በሉ እሞ፡ ካብ ሰብ እስራኤል ሰላሳ ዚኾኑ ሰባት ኪወቕዑን ኪቕትሉን ጀመሩ።
40. እቲ ምልክት፡ እቲ ዓንዲ ትኪ፡ ካብታ ኽተማ ኺዐርግ ምስ ጀመረ፡ ብንያም ንድሕሪኡ ግልጽ እንተ በለ፡ ኣንሆ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብሃልሃልታ ንሰማይ ዐረገት።
41. ሽዑ እቶም ሰብ እስራኣኤል ተመልሱ፡ ሰብ ብንያም ከአ ክፉእ ከም ዝበጽሖም ረአዩ እሞ ተሸበሩ።
42. ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ እስራኤል ብመገዲ ሰብ በረኻ ኣቢሎም ሀደሙ፡ እቲ ኹናት ግና እግረ እግሮም ሰዐቦም። እቶም ካብ ከተማታት ዝወጹ ድማ ማእኪሎም ቀተልዎም።
43. ንብንያም ከቢቦም፡ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ መንጽር ጊብዓ ሰጎጉዎ፡ ኣብ ዚዐርፈላ ዘበለ ረጋግጽዎ።
44. ካብ ብንያም ድማ ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ሰብ ወደቑ። ኢዚኣቶም ኩሎም ከአ ጀጋኑ ሰባት ነበሩ።
45. ተመሊሶም ድማ ንበረኻ ኣቢሎም ናብ ከውሒ ሪሞን ሀደሙ። እስራኤልውያን ግና ኣብ መገድታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ቀረሙ። ሳዕ ጊድዖም ስዒቦምውን ክልተ ሽሕ ሰብኣይ ቀተሉ።
46. እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ብንያም ወደቑ ኹሎም፡ ሴፍ ዚመልሑ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ኮኑ፡ እዚኣቶም ኩሎም ጀጋኑ ሰባት ነበሩ።
47. ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ግና ንበረኻ ኣቢሎም ናብ ከውሒ ሪሞን ሀደሙ፡ ኣብ ከውሒ ሪሞን ከአ ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጡ።
48. እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ናብ ደቂ ብንያም ተመሊሶም፡ ንብዘላ እታ ኸተማን ንማልን ንዝረኸብዎ ኹሉን ብስሕለት ሴፍ ቀተሉ። ንዝረኸብወን ኩለን ከተማታት ከአ ብሓዊ ኣንደድወን።

  Judges (20/21)