| ← Judges (2/21) → |
| 1. | መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ጊልጋል ናብ ቦኪም ደየበ በለ ኸአ፡ ካብ ግብጺ ኣደየብኩኹም፡ ናብታ ነቦታትኩም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸአ ኣእቶኹኹም። እቲ ምሳኻትኩም ዝአቶኽዎ ኺዳነይ ንዘለአለም ኣየፍርሶን እየ። |
| 2. | ንስኻትኩምውን ምስቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ ኺዳን ኣይእተው፡ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ድማ በልኩ። ንቓለይ ግና ኣይሰማዕኩምዎን። ስለምንታይ ኢኹም እዚ ዝገበርኩ፡ |
| 3. | ስለዚ ድማ፡ ንጎድንኹም ኩርኳሕ ይኹነኹም፡ ኣማልኽቶምውን መፈንጠራ መጽሓፍ ይኹኑኹም ኣምበር፡ ካብ ቅድሜኹም ኣይሰጎምን እየ፡ በልኩ። |
| 4. | ኮነ ኸአ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኹሎም ደቂ እስራኤል እዘን ቃላት እዚኤን ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ህዝቢ ደሃዮም ዓው ኣቢሎም በኸዩ። |
| 5. | ነታ ቦታ ድማ ቦኪም ኢሎም ሰመይዋ፡ ኣብኣ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ። |
| 6. | እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበቶም ከአ ደቂ እስራኤል ነታ ምድሪ ኺወርሱ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቶም ከዱ። |
| 7. | እቶም ህዝቢ ድማ፡ ብኹሉ ዘበን እያሱን ብኹሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገብረሎም ዓብዩ ግብሪ ዝረአዩ ዓባይትን፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልገልዎ። |
| 8. | እያሱ ወዲ ነዌ፡ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከአ ወዲ ሚእትን ዓሰርተ ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። |
| 9. | ኣብታ ዶብ ርስቱ፡ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ፡ ኣብ ቲምናትሔረስ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ቀበርዎ። |
| 10. | እቲ ወለዶ እቲ ኹሉ ድማ ናብ ኣቦታቶም ተአከቡ ድሕሪኦም ከአ ንእግዚኣብሄር ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብሪ ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ተንስኤ። |
| 11. | ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ ንበልዓልውን ኣገልግሉ። |
| 12. | ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ህዝብታት ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዱ፡ ንኣታቶምውን ሰገዱሎም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣቖጥዕዎ። |
| 13. | ንእግዚኣብሄር ሓዲጎምስ ንበዓል ንኣስታርቴታትን ኣገልግሉ። |
| 14. | ሽዑ ኹራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ፡ ኣብ ኢድ ዚማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለው ጸላእቶም ሸጦም እሞ፡ ደጊም ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ኪቖሙ ኣይከአሉን። |
| 15. | ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦምን ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሐለሎምን ናብ ኩሉ ዝኸድዎ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ንሕሰም ኣብኦም ነበረት እሞ፡ ብዙሕ ጸበቦም። |
| 16. | ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ እቶም ማረኽቶም ዜድሕንዎም መሳፍንቲ ኣተንስኣሎም። |
| 17. | ንሳቶም ግና ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ መንዘሩን ሰገዱሎምን እምበር፡ ነቶም መሳፍንቶምሲ ኣይስምዕዎምን። ካብታ ኣቦታቶም ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምእዛዝ ዝኸዱላ መገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ፡ ከማታቶሲ ኣይገብሩን። |
| 18. | ብዛዕባ እቶም ወቓዕቶምን ሳቐይቶምን ዘቖዘምዎም እግዚኣብሄር ተጣዕሰ እሞ፡ እግዚኣብሄር መሳፍንቲ ምስ እተንስኣሎም፡ ብኹሉ ዘበን እቲ መስፍን፡ እግዚኣብሄር ምስቲ መስፍን ኮይኑ ካብ ኢድ ጸላእቶም የድሕኖም ነበረ። |
| 19. | እቲ መስፍን ምስ ሞተ ግና፡ ተመሊሶም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዓቦምን ንኣታቶም ብምግልጋሎምን ብምስጋዶምን ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ ተበላሸው። ካብ ግብሮምን ካብ ድርቅና መገዶምን ኣይተረፉን። |
| 20. | ኩራ እግዚኣብሄር ከአ ኣብ እስራኤል ነደደ፡ በለ ድማ፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም እቲ ነቦታቶም ዝአዘዝክዎም ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፡ ደሃየይ ከአ ስለ ዘይሰምዑ። |
| 21. | ኣነ ድማ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሐለውዎ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ንምኻድ ዚሕልው እንተ ኾይኖም፡ ካብቶም እያሱ ኺመውት ከሎ ዝሐደጎ ህዝብታት ደጊምሲ ሓደ እኳ ኣይክሰጎጎን እየ። |
| 22. | ኣነ ድማ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሐለውዎ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ንምኻድ ዚሕልው እንተ ኾይኖም፡ ካብቶም እያሱ ኺመውት ከሎ ዝሐደጎ ህዝብታት ደጊምሲ ሓደ እኳ ኣይክሰጎጎን እየ። |
| 23. | እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታትት እዚኦም ቀልጢፉ ኸይሰጎጎም ሐደጎም፡ ኣብ ኢድ እያሱ ኸአ ኣሕሊፉ ኣይሀቦምን። |
| ← Judges (2/21) → |