Judges (19/21)  

1. ኮነ ኸአ፡ በቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዘይነበሮ ዘበን፡ ሓደ ሌዋዊ ሰብኣይ ንኸረን ኤፍሬም ኣብ ወገን ንየው ወሰንተኛ ኾይኑ ይቕመጥ ነበረ። ንሱ ኻብ ቤትልሄምይሁዳ ሰበይቲ ወሰን ወሰደ።
2. እታ ሰበይቲ ወሰኑ ኸአ መንዘረት፡ ካብኡ ናብ ቤትልሄምይሁዳ ኸይዳ ኸአ፡ ኣብኣ ኣርባዕተ ወርሒ ዚውን ጊዜ ተቐመጠት።
3. እቲ ሰብኣያ ድማ፡ ልባ ኣፍትዩ ኺመልሳ ተንሲኡ ደድሕሪኣ ኸደ። ጊልያኡን ክልተ ኣድግን ከአ ምስኡ ነበሩ። ንሳ ድማ ናብ ቤት ኣቦኣ ኣእተወቶ፡ ኣቦ እታ መርዓት ምስ ረአዮ ኸአ ተሓጉሱ ተቀበሎ።
4. ኣቲ ሓሙኡ፡ ኣቦ እታ መርዓት፡ ድማ ግዲ በሎ እሞ ሰለስተ መዓልቲ ምስኡ ተቀመጠ። በልዑን ሰተዩን ኣብኡ ኸአ ሓደሩ።
5. ኾነ ኸአ፡ በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኪኸይድ ድማ ተላዕለ። ኣቦ እታ መርዓት፡ ንሰብኣይ ጓሉ፡ ቁራስ እንጌራ በሊዕካ ልብኻ ኣጽንዕ እሞ ድሕርቲ ኽትከዱ በሎ።
6. ኮፍ ኢሎም ድማ ክልቲኦም ብሓንሳእ በልዑን ሰተዩን። ኣቦ እታ መርዓት ከአ ነቲ ሰብኣይ፡ በጃኻ ፈቲኻ ሕደር፡ ልብኻውን ይተሓጎስ በሎ።
7. እቲ ሰብኣይ ግና ኪኸይድ ተንስኤ፡ እቲ ሓሙኡ ደአ ግዲ በሎ እሞ፡ መሊሱ ኣብኡ ሓደረ።
8. ብሓምሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪኸይድ ኣንጊሁ ተንስኤ። ኣቦ እታ መርዓት ከአ፡ በጃኻ ልብኻ ኣጽንዕ፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚውልውል ጽናሕ፡ በሎ፡ ክልቲኦም ድማ በልዑ።
9. እቲ ሰብኣይ ምስታ ሰበይቲ ወሰኑን እቲ ጊልያኣኡን ኪኸይድ ምስ ነቐለ፡ ሓሙኡ፡ ኣቦ እታ መርዓት፡ እንሆ፡ መዓልቲ ኺዐርብ ኢሉ፡ በጃኻ ሕደሩ፡ እንሆ መዓልቲ መስዩ እዩ እሞ ሕደር፡ ልብኻ ይተሓጎስ፡ ጽባሕ ድማ ናብ ቤትካ ኽትከይድሲ ኣንጊህኩም መንገድኹም ኪዱ በሎ።
10. እቲ ሰብኣይ ግና ኪሓድር ኣይፈተወን እሞ ተንሲኡ ኸደ፡ ክሳዕ መንጽር ይቡስ መጸ፡ ንሳ ኸአ ዮርሳሌም እያ። እተን ክልተ ጽዑናት ኣእዱግን እታ ሰበይቲ ወሰኑን ድማ ምስኡ ነበራ።
11. ኣብ ይቡድ ምስ በጽሑ፡ ምድሪ ኣዝያ መስያ ነበረት እሞ፡ እቲ ጊልያ ንጎይትኡ፡ በጃኻ ንዓ፡ ናብዛ ኸተማ ይቡሳውያን ኣግሊስና ኣብኣ ንሕደር በሎ።
12. ጎይትኡ ኸአ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ናብ ዜብላ ኸተማ ጓኖት ኣይንአቱን። ናብ ጊብዓ ደአ ንሕለፍ በሎ።
13. ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ንዓናይ፡ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ቦታታት እዚኤን ንቕረብ እሞ ኣብ ጊብዓ ወይ ኣብ ራማ ንሕደር በሎ።
14. ሓሊፎም ድማ ከዱ፡ ኣብ ጥቓ ጊብዓ፡ እታ ናይ ብንያም፡ ጸሓይ ዐረበቶም።
15. ኣብ ጊብዓ ኣትዮም ኪሓድሩ ናብኣ ኣግለሱ። ምስ ኣተው ኸአ፡ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐመጡ፡ ኣብ ቤቱ ኼሕድሮም እተቐበሎም ሰብ ግና ኣይነበረን።
16. እንሆ ድማ፡ ሕደ ኣረጊት ሰብኣይ ምሸት ካብ ዕዩኡ ኻብ መሮር መጸ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኸአ ካብ ከረን ኤፍሬም መጺኡ ወሰንተኛ ኾይኑ ኣብ ጊብዓ ይቕመጥ ነበረ። ሰብ እታ ቦታ ግና ብንያማውያን ነበሩ።
17. ዓይኑ ቛሕ እንተ ኣበለ። ነቲ ሓላፍ መገዲ ሰብኣይ ኣብ ኣደባብይ እታ ኸተማ ተቐሚጡ ረአዮ። እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ከአ፡ ናበይ እትኸይድ ኢኻ፡ ካበይከ መጺእካ በሎ።
18. ንሱ ድማ፡ ንሕና ኻብ ቤትልሄም ይሁዳ፡ ንኸረን ኤፍሬም ናብ ወገን ንየው እንሐልፍ ኢና፡ ኣነ ኻኡ እየ፡ ኣብ ቤቱ ዜሕድረኒ ሰብ ድማ ስኢነ።
19. ነእዱግና ዚኸውን ሓሰርን ጥረን፡ ንኣይን ነዛ ገረድካን ነዚ ምስ ገላውኻ ዘሎ ጊልያን እንጌራን ወይንን ኣሎና፡ ዚጎድለና ነገር የልቦን፡ በሎ።
20. እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ፡ ሰላም ይሀሉኻ፡ ሓንትስ ኣብዚ ኣደባበይ ደአ ኣይትሕደር እምበር፡ ዝጎደለካ ዘበለ ኻባይ ድለዮ በሎ።
21. ናብ ቤቱ ኣእትዩ ኸአ፡ ነተን ኣእዱግ ዚብላዕ ሀበን፡ ኣእጋሮም ተሕጺቦም ከአ በልዑን ሰተዩን።
22. ንሳቶም ልቦም ምስ ተሓጎሰ፡ እንሆ፡ ሰባት እታ ኸተማ፡ ደቂ ብልያል፡ ነታ ቤት ኣኽቢቦም፡ ነታ ማዕጾ ገርማዕማዕ ኣበልዎ፡ ነቲ ኣረጊት ሰብኣይ በዓል ቤት ድማ፡ ነዚ ኣብ ቤትካ ኣትይ ዘሎ ሰብኣይ ክንፈልጦስ፡ ኣውጽኣዮ ኢሎም ተዛረብዎ።
23. እቲ ሰብኣይ በዓል ቤት ናባታቶም ወጺኡ፡ ኣሕዋተይ ኣይፋልኩም፡ በጃኹም ክፉእ ኣይትግበሩ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቤተይ ካብ ኣአተወስ፡ እዚ ነውሪ እዚ ኣይትግበሩ።
24. እንሆ፡ ድንግል ጓለይን ሰበይቲ ወሰኑን፡ ንኣታተን ከውጽኣልኩም፡ ከም እተራእየኩም ጌርኩም ኣሕስርወን፡ ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ግና ከምዚ ዝበለ ነውሪ ነገር ኣይትግበሩ፡ በሎም።
25. እቶም ሰባት ግና ኪሰምዕዎ ኣይፈተውን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ ናብኦም ኣብ ግዳም ኣውጽኣ። ንሳቶም ከአ ፈለጥዋ፡ ምልእቲ ለይቲ ኽሳዕ ዚወግሕ ድማ ዐመጽዋ። ቀይሔጸሊም ኪቐድድ ከሎ፡ ትኺድ ሓደግዋ።
26. ኪወግሕ ምስ ጀመረ፡ ኣታ ሰበይቲ ናብ ደገ እታ ጎይትኣ ዘለዋ ቤት መጺኣ፡ ክሳዕ ዚበርህ ኣብኡ ወዲቓ ነበረት።
27. እቶ ጎይትኣ ብጊሓት ተንሲኡ ማዕጾ እታ በኢት ከፈተ፡ መገዱ ኪኸይድ ድማ ወጸ። እንሃ፡ እታ ሰበይቲ፡ ስበይቲ ወሰኑ፡ ኣብ ደገ እታ ቤት ወዲቓ፡ ኣእዳዋ ኸአ ኣብ ልዳት ዘርጊሓ ነበረት።
28. ንሱ ድማ፡ ተንስኡ ንኺድ በላ። ግናኸ ኣይመለሰትሉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኣድጉ ጽዒንዋ ተላዑሉ ናብ ቦትኡ ኸደ።
29. ኣብ ቤቱ ምስ ኣተወ፡ ካራ ወሲዱ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ በብብልዕቲ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ቖራጽ ቆራረጻ እሞ ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ሰደዳ።
30. ኮነ ድማ፡ እዚ ዝረአየ ኹሉ፡ ደቂ እስራኣኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዝወጹ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኸምዚ ዘመሰለ ኾይኑን ተራእዮን ኣይፈልጥን። ሕሰብውን ተማኻኸሩሉን ተዛራረቡሉን በለ።

  Judges (19/21)