| ← Judges (17/21) → |
| 1. | ኣብ ከረን ኤፍሬም ሚካ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። |
| 2. | ነዲኡ ድማ፡ እቲ እተወስደኪ እሞ ዝረገምክሉ እናሰማዕኩ እተዛረብክሉ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር፡ ኣነ ወሲደዮ፡ እቲ ብሩር እንሆ ምሳይ ኣሎ፡ በላ። ኣዲኡ ኸአ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽካ በለቶ። |
| 3. | ነቲ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር ነዲኡ መለሰላ። እዲኡ ድማ እዚ ብሩርዚ ንወደይ እተጸርበን ዝፈሰሰን ምስሊ ምእንቲ ኺግበሮስ፡ እዚ ብሩርዚ ንእግዚኣብሄር ፈጺመ ቐዲሰዮ ኣሎኹ፡ ሕጂ ኸአ ክመልሰልካ እየ በለቶ። |
| 4. | ንሱ ኸአ እቲ ብሩር ነዲኡ መለሰላ፡ ኣዲኡ ድማ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ወሲዳ ነንጠረኛ ሀበቶ። ንሱ ኸአ ንእኡ እተጸርመ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ገበሮ፡ ኣብ ቤት ሚካ ኸአ ነበረ። |
| 5. | እቲ ሰብኣይ፡ ሚካ ቤት ኣምላኽ ነበሮ፡ አፎድን ተራፊምን ድማ ገበረ፡ ንሓደ ኻብ ደቁ ኸአ ኻህኑ ኪኸውን ቀደሶ። |
| 6. | በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወክፍ ቅኑዕ ኮይኑ እተራእዩ ገበረ። |
| 7. | ኣብ ቤትልሄምይሁዳ ኻብ ዓለኢት ይሁዳ ሐደ መንእሰይ ነበረ። ንሱ ሌዋዊ እዩ፡ ንሱ ኸአ ኣብኡ ወሰንተኛ ኾይኑ ይቕመጥ ነበረ። |
| 8. | እቲ ሰብኣይ ኣብ ዝረኸበ ቦታ ኪቕመጥ ካብታ ኸተማ፡ ካብ ቤትልሄምይሁዳ ኸደ። መገዱ ኺኸይድ ከሎ ድማ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መጸ። |
| 9. | ሚካ ኸአ፡ ካባይ መጺእካ ኢኻ በሎ። ንሱ ድማ ኣነ ኻብ ቤትልሄምይሁዳ ሌዋዊ እዩ፡ ኣነ ኣብ ዝረኽብኩ ቦታ ክቕመጥ እኸይድ ኣሎኹ በሎ። |
| 10. | ሚካ ኸአ፡ ምሳይ ተቐመጥ እሞ ኣቦን ካህንን ኩነኒ፡ ኣነ ድማ ንዓመት ዓሰርተ ሲቃል ብሩርን ዚግባእ ክዳውንትን ቀለብካን ክህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ እቲ ሌዋዊ አተወ። |
| 11. | እቲ ሌዋዊ ድማ ምስቲ ሰብኣይ እቲ ኪቕመጥ ፈተወ። እቲ መንእሰይ ከአ ከም ሓደ ኻብ ደቁ ኾኖ። |
| 12. | ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ቀደሶ፡ እቲ መንእሰይ ከአ ካህኑ ኾኑ። ኣብ ቤት ሚካ ኸአ ነበረ። |
| 13. | ሚካ ድማ፡ ሌዋዊ ኻህን ኣሎኒ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ከም ዚገብረለይ ሕጂ ፈለጥኩም፡ በለ። |
| ← Judges (17/21) → |