Judges (16/21)  

1. ሲምሶን ድማ ናብ ጋዛ ኸደ፡ ኣብኣ ኸአ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ረአየ እሞ ናብኣ አተወ።
2. ንሰብ ጋዛ፡ ሲምሶን ናብዚ ኣትዩ፡ በልዎም። ንሳቶም ድማ ከበብዎ፡ ኣብ ደገ እታ ኸተማ ኸአ ምሉእ ለይቲ ድቡቕ ኣንበሩሉ። እንሆ ምስ በርሄ ኽንቅትሎ ኢሎም ድማ፡ ምሉእ ለይቲ ስቕ በሉ።
3. ሲምሶን ከአ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ደቀሰ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ ተንሲኡ ነቲ መዓጹ ደገ እታ ኸተማ ምስ ክልተ ልዳውቱን ምስ መሸጎሪኡን ሒዙ መንቆሶ፡ ኣብ መንኩቡ ገይሩ ድማ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ኬብሮን ዘሎ ኸረን ኣደየቦ።
4. ድሕርዚ ኸአ ኾነ፡ ኣብ ለሰ ሾሬቅ ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ፈተወ።
5. እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብኣ ደዩቦም፡ ኣሲርና ኽንመልኮስ ከምይ ጌርና ኸም እንኽእሎ፡ እቲ ዓብዩ ሐይሉውን ብምንታይ ምዃኑ ኽትርእዩ ሓባብልዩ፡ ንሕና ኸአ ነፍሲ ወከፍና ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር ክንህበኪ ኢና በልዋ።
6. ደሊላ ድማ ንሲምሶን፡ እዚ ዓብዩ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑ፡ ክትምለኽሲ ኸምይ ከም እትእሰር፡ በጃኻ ንገረኒ፡ በለቶ።
7. ሲምሶን ድማ፡ ብሾብዓተ ሓድሽ ዘይነቐጸ ምራን እንተ ኣሰሩኒ እደክም፡ ከም ማንም ሰብ ከአ እኸውን በላ።
8. ሽዑ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ሾብዓተ ሓድሽ ዘይነቐጸ ምራን ኣምጽኡላ እሞ ብእኡ ኣሰረቶ።
9. ኣብ ሕልፍኝኣ ድቡቓት ኣቐሚጣ ነበረት እሞ፡ ሲምሶን ፍልስጥኤማውያን እነው ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። ሽዑ ነቲ ምራውንቲ ሓዊ ዘጨነዎ ፈትሊ ኸም ዚምናህ፡ ምንህንህ ኣበሎ። እቲ ሓይሉ ብምንታይ ምዃኑ ድማ ኣይተፈልጠን።
10. ደሊላ ኸአ ንሲምሶን፡ እንሆ ኣላጊጽካለይ ሓሶት ድማ ተዛሪብካኒ ኢኻ፡ ሕጂ ብምንታይ ከም እትእሰር፡ በጃኻ ንገረኒ በለቶ።
11. ንሱ ድማ፡ ገለ ዕዮ ብዘይ ተዐየሉ ሓድሽ ገመድ ወሲዳ ንሲሞስን ብእኡ ኣሰረቶ። ሲምሶን ፍልስጥኤማውያን እነው ኣብ ልዕሌኻ በለቶ። እቶም ድቡቓት ከአ ኣብቲ ሕልፍኚ ነበሩ። ካብ ቀላጽሙ ድማ ከም ፈትሊ በተኾ።
12. ደሊላ ኸእ ንሲምሶን፡ ክሳዕ ሕጂ ኣላጊጽካለይ፡ ሓሶት ተዛሪብካኒ ኢኻ፡ ብምንታይ ከም እትእሰር ደአ ንገርኒ በለቶ። ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሰይ ምስ ቅጥኒ እንተ አለምክዮ በላ።
13. ደሊላ ኸእ ንሲምሶን፡ ክሳዕ ሕጂ ኣላጊጽካለይ፡ ሓሶት ተዛሪብካኒ ኢኻ፡ ብምንታይ ከም እትእሰር ደአ ንገርኒ በለቶ። ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሰይ ምስ ቅጥኒ እንተ አለምክዮ በላ።
14. ኣብ ሽኻል ኣሲራቶ ድማ ንሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነው ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። ንሱ ድማ ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ፡ ነቲ ሸኻል ማእለማን ነቲ ቕጥንን መንቆሶ።
15. ንሳ ኸአ፡ ልብኻ ዘይምሳይ ክንሱ ደአ ከመይ ጌርካ ኢኻ፡ እፈትወኪ እየ፡ እትብለኒ ዘሎኻ፡ ስለስተ ሳዕ ኣላጊጽካለይ፡ እዚ ዓብዩ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑውን ኣይነገርካንን፡ በለቶ፡
16. ኮነ ኸአ፡ ኩሉ መዓልቲ ብዘረባ ላሕ ምስ ኣበለቶን ምስ ኣሰቀየቶን፡ ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት።
17. ኩሉ ልቡ ኸአ ገለጸላ፡ ኣነ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚረ ናዝራዊ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ናብ ልዕሊ ርእሰይ መላጸ ኣይሐለፈን፡ ስለዚ ኣንተ ተላጼኹ፡ ሓይለይ ካባይ ይኸይድ፡ እደክም ድማ፡ ከም ኩሉ ሰብ ከአ እኸውን፡ በላ።
18. ደሊላ ድማ ኩላ ልቡ ኸአ ገሊጹለይ እዩ እሞ፡ ሕጂ ደይቡ፡ በለቶም። ሽዑ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤምውያን እቲ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ሒዞም ናብኣ ደየቡ።
19. ንሳ ኸአ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፡ ሓደ ሰብኣይ ጸዊዓ ድማ ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሱ ኣላጸየት፡ ክትመልኮ ኸአ ጀመረት፡ ሓይሉውን ካብኡ ኸደ።
20. ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነው ኣብ ልዕሌኻ በለቶ። ንሱ ድማ ካብ ድቃሱ ተበራበረ፡ እግዚኣብሄር ከም ዝሓደጎ ኣይፈለጠን እሞ፡ ከም ቀዳማይ ግዛት፡ ፍንሕንሒለ ኽወጽእ እየ፡ ኢሉ ሐሰበ።
21. እቶም ፍልስጤኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጎጥጎጥዎ። ናብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብመቐውሕ ኣሰራዚ ኣሰርዎ፡ ኣብቲ ቤት እሱራት ከአ ይጥሕን ነበረ።
22. እቲ ጸጉሪ ርእሱ ግና ድሕሪ ምልጻዩ ኺበቁል ጀመረ።
23. እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከአ፡ ኣምላኽና ንሲምሶን ጸላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና፡ ኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኽስውኡን ኪሕጎስን ተአከቡ።
24. እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ ድማ፡ ነቲ ንሃገርባ ዘጥፍኤን ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን ጸላኢና ኣምላኽና ኣብ ኢድና ሂቡና፡ ኢሎም ንኣምላኾም ወሰድዎ።
25. ኮነ ኸአ፡ ልቦም ምስ ተሓጎሰ፡ ንሲምሶን ኬስሕቐና ጸውዕዎ፡ በሉ። ንሲምሶን ከአ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምጽእዎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኮይኑውን የስሕቖም ነበረ፡ ኣብ መንጎ ኣዕኑድ ከአ ደው ኣበልዎ።
26. ሲምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ዝሐዞ ቖልዓ፡ ነቲ ንቤት ጸይሩ ዘሎ ኣዕኑድ ሒዘ ኽጽግዖስ፡ ናብኡ ምርሓኒ በሎ።
27. እታ ቤት ድማ ሰብኣይን ሰበይትን መሊኣ ነበረት። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከአ ኩሎም ኣብኣ ነበሩ። ሲምሶን ኪስሕቕ ከሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ኾይኖም ዘርእዮ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይን ሰብይትን ነበሩ።
28. ሲምሶን ከአ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታ በጃኻ ዘክረኒ። ኣታ ኣምላኸይ ንፍልስጥኤማውያን ሓንሳእ ሕነ እዘን ክልቲኤን ዓይነይ ክፈድዩምሲ፡ በጃኻ ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሀበኒ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
29. ሽዑ ሲምሶን ነቲ በኢት ዝጾረ ኽልተ ዓንዲ ማእከል፡ ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ኸአ ብጸጋሙ ሐዞ።
30. ሲምሶን ድማ፡ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት በለ። ብሓይሊ ኸአ ተጎበጠ፡ እታ ቤት ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ሹማምትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እብኡ ዝነበረ ኹሉ ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐለቶም ከአ ብሞቱ ዝቐተሎም ምውታት በዝሑ።
31. ሽዑ ኣሕዋቱን ብዘለው ቤት ኣቦኡን ወሪዶም ሒዞምዎ ደየቡ፡ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ማኖኣ ኣብ መንጎ ጾርዓንን ኤሽታኦልን ቀበርዎ። ንእስራኤል ድማ ዕስራ ዓመት ፈረደ።

  Judges (16/21)