← Judges (15/21) → |
1. | ኮነ ድማ፡ ድሕሪ ቕሩብ በዓልቲ ብጊዜ ዓጺድ ስርናይ፡ ሲምሶን ንሰብይቱ ማሕስእ ሒዙ በጽሓ እሞ፡ ናብ ሰበይተይ ኣብ ሕልፍኚ ኸአቱ እደሊ ኣሎኹ፡ በለ። ኣቦኣ ግና ኪአቱ ኣይፈቐደልን። |
2. | ኣቦኣ ኸአ፡ ፈጺምካ ዝጸላእካያ መሲሉንስ ናብ ዕርክኻ ኣመርዕየያ፡ እምበኣር ኣብ ክንድኣ እታ ኻብኣ እትጽብቕ ንእሽቶ ሓብታ ደአ ንኣኻ ትኹን በለ። |
3. | ሲምሶን ከአ፡ ድሕሪ ደጊም ኣነ ንፍልስጤኤማውያን ክፉእ እንተ ገበርክዎም፡ በደል የብለይን በሎም። |
4. | ሲምሶን ድማ ከይዱ ኸአ። ጭራ ምስ ጭራ ኣቋራንዩ ኣብ ማእከል ኣብ መንጎ ኽልተ ጭራ ሓደ ፋና ገበረ። |
5. | ነቲ ፋናታት ብሓዊ ኣቃጺሉ ኸአ ኣብ ማእከል ዘራኣቲ ፍልስጥኤማውያን ፈለወን፡ ቅንጦን ዘይዕጹድ እኽልን ኣትኽልትን ኣውልዕን ከአ ነደደ። |
6. | ሽዑ ፍልስጤኤማውያን፡ እዚ ዝገበረ መን እዩ በሉ። ሲምሶን፡ ሰብኣይ ጓሉ ነቲ ቲምናታዊ፡ ሰበይቱ ወሲዱ ንዓርኩ ስለ ዝሀቦ፡ ንሱ እዩ፡ በሉ። እቶም ፍልስጤኤማውያን ድማ ደዩቦም፡ ንእኣን ነቦኣን ብሓዊ ኣንደድዎም። |
7. | ሲምሶን ከአ፡ ከምዚ እኳ እንተ ገበርኩም፡ ኣነስ ኣጸቢቐ ሕነ ኺፈድዮኩም እየ፡ ድሕርቲ እየ ዝሐድጎ፡ በልም። |
8. | ኣብ ምሕኩልትናብ ሰለፍን ከአ ብርቱዕ መውቃዕቲ ወቕዖም። ወሪዱ ድማ ኣብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ተቐመጠ። |
9. | ሽዑ ፍልስጤኤማውያን ደዩቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፡ ኣብ ሌሒ ኸአ ፋሕ በሉ። |
10. | ሰብ ይሁዳ ድማ፡ ስለምንታይ ናባና ደይብኩም፡ በልዎም። ንሳቶም ከአ፡ ንሲምሶን ክንኣስሮ፡ ከምቲ ዝገበረና ድማ ክንገብሮ ኢና ዝደየብና፡ በሉ። |
11. | ሽዑ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ናብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ወረዱ፡ ንሲምሶን ከአ፡ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝገዝኡናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፡ እዚ ዝገበርካና ደኣ እንታይ እዩ፡ በልዎ። ከምቲ ዝገበሩኒ ኸምኡ ገበርክዎም፡ በሎም። |
12. | ንሳቶም ከአ፡ ኣሲርና ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከነሕልፈካ ኢና ዝወረድና፡ በልዎ። ሲምሶን ድማ፡ ንስኻትኩም ደአ ኸይትጎብጡኒ ምሐሉለይ በሎም። |
13. | ንሳቶም ከአ፡ ኣይፋልናን፡ ኣጽኒዕና ኣሲርና ደአ ናብ ኢዶም ከነሕልፈልካ ኢና እምበር፡ ምቕታልሲ ኣይንቐትለካን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ ካብቲ ኸውሒ ኣደየብዎ። |
14. | ናብ ሌሒ ምስ መጸ ኸአ፡ እቶም ፍልስጥኤምዋያን እልል እናበሉ ተቐበልዎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኣኡ ወረደ፡ እቲ ኣብ ቀላጽሙ ዝነበረ ኣግማድ ከአ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኮነ። እቲ መእሰሪኡ ኸአ ካብ ኣእዳው መኸኸ። |
15. | ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ድማ ረኸበ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ኸአ ወሰዶ እሞ ብእኡ ገይሩ ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ። |
16. | ሲምሶን ከአ ብምንጋጋ ኣድጊ ሓደ ኹምራ፡ ኤረ ኽልተ ኹምራ፡ ብምንጋጋ ኣድጊ ሽሕ ሰብኣይ ቀተልኩ፡ በለ። |
17. | ኮነ ኸአ ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ምንጋጋ ኻብ ኢዱ ደርበዮ፡ ነታ ቦታ ድማ ራማትሌሒ ሰመያ። |
18. | ንሱ ኸአ ኣዝዩ ጸምኤ እሞ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እዚ ዓብዩ ምድሓ እዚ ንስኻ ብኢድ ባርያኻ ሀብካ፡ ሕጂ ኸአ ብጽምኢ ኽመውት፡ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግዙራትውን ክወድቕ እየ፡ በለ። |
19. | ሽዑ ኣምላኽ ነታ ኣብ ሌሒ ዝነበረት ገንኦ ሰንጠቓ፡ ካብኣ ድማ ማይ ወጸ። ምስ ሰተየ ድማ መንፈሱ ተመልሰ፡ ሓወየ ኸአ። ስለዚ ስማ ዔንሀቆረ ሰመያ፡ ንሳ ኸሳዕ ሎሚ ኣብ ሌሒ አላ። |
20. | ንሱ ድማ ብዘበን ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ዕስራ ዓመት ፈረደ። |
← Judges (15/21) → |