Judges (15/21)  

1. ኮነ ድማ፡ ድሕሪ ቕሩብ በዓልቲ ብጊዜ ዓጺድ ስርናይ፡ ሲምሶን ንሰብይቱ ማሕስእ ሒዙ በጽሓ እሞ፡ ናብ ሰበይተይ ኣብ ሕልፍኚ ኸአቱ እደሊ ኣሎኹ፡ በለ። ኣቦኣ ግና ኪአቱ ኣይፈቐደልን።
2. ኣቦኣ ኸአ፡ ፈጺምካ ዝጸላእካያ መሲሉንስ ናብ ዕርክኻ ኣመርዕየያ፡ እምበኣር ኣብ ክንድኣ እታ ኻብኣ እትጽብቕ ንእሽቶ ሓብታ ደአ ንኣኻ ትኹን በለ።
3. ሲምሶን ከአ፡ ድሕሪ ደጊም ኣነ ንፍልስጤኤማውያን ክፉእ እንተ ገበርክዎም፡ በደል የብለይን በሎም።
4. ሲምሶን ድማ ከይዱ ኸአ። ጭራ ምስ ጭራ ኣቋራንዩ ኣብ ማእከል ኣብ መንጎ ኽልተ ጭራ ሓደ ፋና ገበረ።
5. ነቲ ፋናታት ብሓዊ ኣቃጺሉ ኸአ ኣብ ማእከል ዘራኣቲ ፍልስጥኤማውያን ፈለወን፡ ቅንጦን ዘይዕጹድ እኽልን ኣትኽልትን ኣውልዕን ከአ ነደደ።
6. ሽዑ ፍልስጤኤማውያን፡ እዚ ዝገበረ መን እዩ በሉ። ሲምሶን፡ ሰብኣይ ጓሉ ነቲ ቲምናታዊ፡ ሰበይቱ ወሲዱ ንዓርኩ ስለ ዝሀቦ፡ ንሱ እዩ፡ በሉ። እቶም ፍልስጤኤማውያን ድማ ደዩቦም፡ ንእኣን ነቦኣን ብሓዊ ኣንደድዎም።
7. ሲምሶን ከአ፡ ከምዚ እኳ እንተ ገበርኩም፡ ኣነስ ኣጸቢቐ ሕነ ኺፈድዮኩም እየ፡ ድሕርቲ እየ ዝሐድጎ፡ በልም።
8. ኣብ ምሕኩልትናብ ሰለፍን ከአ ብርቱዕ መውቃዕቲ ወቕዖም። ወሪዱ ድማ ኣብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ተቐመጠ።
9. ሽዑ ፍልስጤኤማውያን ደዩቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፡ ኣብ ሌሒ ኸአ ፋሕ በሉ።
10. ሰብ ይሁዳ ድማ፡ ስለምንታይ ናባና ደይብኩም፡ በልዎም። ንሳቶም ከአ፡ ንሲምሶን ክንኣስሮ፡ ከምቲ ዝገበረና ድማ ክንገብሮ ኢና ዝደየብና፡ በሉ።
11. ሽዑ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ናብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ወረዱ፡ ንሲምሶን ከአ፡ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝገዝኡናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፡ እዚ ዝገበርካና ደኣ እንታይ እዩ፡ በልዎ። ከምቲ ዝገበሩኒ ኸምኡ ገበርክዎም፡ በሎም።
12. ንሳቶም ከአ፡ ኣሲርና ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከነሕልፈካ ኢና ዝወረድና፡ በልዎ። ሲምሶን ድማ፡ ንስኻትኩም ደአ ኸይትጎብጡኒ ምሐሉለይ በሎም።
13. ንሳቶም ከአ፡ ኣይፋልናን፡ ኣጽኒዕና ኣሲርና ደአ ናብ ኢዶም ከነሕልፈልካ ኢና እምበር፡ ምቕታልሲ ኣይንቐትለካን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ ካብቲ ኸውሒ ኣደየብዎ።
14. ናብ ሌሒ ምስ መጸ ኸአ፡ እቶም ፍልስጥኤምዋያን እልል እናበሉ ተቐበልዎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኣኡ ወረደ፡ እቲ ኣብ ቀላጽሙ ዝነበረ ኣግማድ ከአ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኮነ። እቲ መእሰሪኡ ኸአ ካብ ኣእዳው መኸኸ።
15. ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ድማ ረኸበ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ኸአ ወሰዶ እሞ ብእኡ ገይሩ ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ።
16. ሲምሶን ከአ ብምንጋጋ ኣድጊ ሓደ ኹምራ፡ ኤረ ኽልተ ኹምራ፡ ብምንጋጋ ኣድጊ ሽሕ ሰብኣይ ቀተልኩ፡ በለ።
17. ኮነ ኸአ ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ምንጋጋ ኻብ ኢዱ ደርበዮ፡ ነታ ቦታ ድማ ራማትሌሒ ሰመያ።
18. ንሱ ኸአ ኣዝዩ ጸምኤ እሞ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እዚ ዓብዩ ምድሓ እዚ ንስኻ ብኢድ ባርያኻ ሀብካ፡ ሕጂ ኸአ ብጽምኢ ኽመውት፡ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግዙራትውን ክወድቕ እየ፡ በለ።
19. ሽዑ ኣምላኽ ነታ ኣብ ሌሒ ዝነበረት ገንኦ ሰንጠቓ፡ ካብኣ ድማ ማይ ወጸ። ምስ ሰተየ ድማ መንፈሱ ተመልሰ፡ ሓወየ ኸአ። ስለዚ ስማ ዔንሀቆረ ሰመያ፡ ንሳ ኸሳዕ ሎሚ ኣብ ሌሒ አላ።
20. ንሱ ድማ ብዘበን ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ዕስራ ዓመት ፈረደ።

  Judges (15/21)