← Judges (14/21) → |
1. | ሲምሶን ድማ ናብ ቲምናታ ወረደ፡ ኣብ ቲምናታ ኸአ ካብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ስበይቲ ረአየ። |
2. | ደይቡ ድማ ነቦኡን ነዲኡን፡ ኣብ ቲምናታ ኻብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ስበይቲ ርእየ ኣሎኹ እሞ፡ እጂ ንእኣ ኣመርዕውኒ፡ ኢሉ ነገሮም። |
3. | ኣቦኡን ኣዲኡን ድማ፡ ኬድካ ኻብቶም ዘይግዙራት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ እተምጽእሲ ኣብ ኣዋልድ ኣሕዋትካ ወይ ኣብ ብዘሎ ህዝበይዶ ሰበይቲ የልቦን በልዎ። ሲምሶን ነቦኡ፡ ብሂገያ እየ እሞ፡ ንእኣ ደአ ኣምጽኣለይ በሎ። |
4. | ኣቦኡን ኣዲኣኡን ግና፡ እግዚኣብሄር ካብ ፍልስጤኤማውያን ምኽንያት ይደሊ ነበረ እሞ፡ እዚ ኻብኡ ኸም ዝኾነ፡ ኣይፈለጡን ነበሩ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸአ ፍልስጤኤማውያን ንእስራኤል ይገዝእዎ ነበሩ። |
5. | ሽዑ ሲምሶንን ኣቡኡን ኣዲኡን ናብ ቲምናታ ወረዱ፡ ናብቲ ኣብ ቲምናታ ዘሎ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጹ ድማ እንሆ፡ ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ ተቐባበሎ። |
6. | መንፈስ እግዚኣብሄር ከአ ወረዶ፡ ኣብ ኢዱ ገለ እጃ ዜብሉ ኽንሱ፡ ንማሕስእ ከም ዚሰላልዕ ሰላልዖ። እቲ ዝገበሮ ግና ነቦኡ ኮነ ነዲኡ ኣይነገሮምን። |
7. | ወሪዱ ኸአ ነታ ሰበይቲ ተዛረባ፡ ንሳ ድማ ንሲምሶን ባህ በለቶ። |
8. | ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ኸአ ኪወስዳ ተመልሰ። ነቲ ግምቢ ኣንበሳ ኺርኢውን ኣግለሰ። እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ገረንገረ ኣንበሳ፡ ዕስለ ንህብን መዓርን ነበረ። |
9. | ብእዳው ወሲዱ ኸአ እናበልዔ ኸደ፡ ናብ ኣቦኡን ኣዲኡን መጺኡ ድማ ሀቦም፡ በልዑ ኸአ። ነቲ መዓር ካብ ገረንገረ ኣንበሳ ኸም ዝወሰዶ ግና ኣይነገሮምን። |
10. | ኣቡኡ ድማ ናብታ ሰበይቲ ወረደ፡ እቶም መንእሰያት ከምኡ ይገብሩ ነበሩ እሞ፡ ሲምሶንውን ኣብኡ ድግስ ደገሰ። |
11. | ኮነ ኸአ፡ ምስ ረአይዎ፡ ምስኡ ዚኾን ሰላሳ ኣዕሩኽ ኣምጽኡሉ። |
12. | ሲምሶን ከአ ንኣታቶም፡ ኣነ ግዳ ሕንቅልሕንቅሊቶይ ክብለኩም እሞ፡ ንእኡ በዘን ናይ ድግስ ሾብዓተ መዓልቲ ገሊጽኩም እንተ ነገርኩምኒ፡ ሰላሳ ቐምሽ ልሕጺ እንጣጥዕን ሰላሳ ለውጢ ኽዳንን ክህበኩም እየ። |
13. | ክትነግሩኒ እንተ ዘይከአልኩም ግና፡ ንስኻትኩም ንኣይ ሰላሳ ቐምሽ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰላሳ ለውጢ ኽዳንን ክትህቡኒ ኢኹም በሎም። እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይካ ንገረና እሞ፡ ክንሰምዖ በልዎ። |
14. | ሽዑ ንሱ፡ ካብቲ በላዒ ብልዒ ወጸ፡ ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወጸ፡ በሎም። ንሳቶም ከአ ነቲ ሕንቅልሕንቅሊቶይ ብሰለስተ መዓልቲ እኳ ኺነግርዎ ኣይከአሉን። |
15. | ኮነ ኸአ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ንሰብይቲ ሲምሶን፡ ንሰብኣይኪ እቲ ሕንቅልሕንቅሊቶይ ኪነግረና፡ ሓባብልዮ፡ እንተ ዘይኮይኑስ ንኣኽን ንቤት ኣቦኽን ብሓዊ ኸነንድደኩም ኢና፡ ከተንድዩና ዲኹም ዝጸዋዕኩምና፡ ከምኡ ደይኮነን፡ በልዋ። |
16. | ሽዑ ሰበይቲ ሲምሶን ኣብ ልዕሊኡ ኾይና እናበኸየት፡ ጸሊእካኒ ኢኻ እምበር፡ ኣይፈቶኻንን፡ ንደቂ ህዝበይ ሕንቅሕንቅሊቶይ ኢልካዮምሲ፡ ንኣይ ከአ ኣይገለጽካለይን በለቶ፡። ንሱ ድማ ንእኣ፡ እንሆ፡ ነቦይን ነደይን እኳ ዘይገለጽኩሎምሲ፡ ንኣኺዶ ኽገልጸልኪ እየ በላ። |
17. | ንሳ ኸአ በተን ሾብዓተ መዓልቲ ድግሶም ኣብ ልዕሊኡ ኾይና በኸየት። ኮነ ኸአ ንሳ ስለ ዘጨነቐቶ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ገለጸላ እሞ እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይ ንደቂ ህዝባ ገለጸትሎም። |
18. | እቶም ደቂ እታ ኸተማ ኸአ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ጸሓይ ከይዐረበት፡ ካብ መዓር ዚጥዕምሲ እንታይ እዩ፡ በልዎ። ንሱ ድማ ብኣርሒይ እንተ ዘይትሓርሱስ፡ ነዚ ሕንቅሕንቅሊቶይ ኣይምፈለጥኩምዎን ኔርኩም በሎም። |
19. | መንፈስ እግዚኣብሄር መጸ እሞ ናብ ኣስቃሎን ወረደ። ካብኦም ከአ ሰላሳ ሰብኣይ ቀተለ፡ ንኣታቶም ገፊፉ ዳ፡ ነቶም ሕንቅሕንቅሊቶዩ ዝገለጹሉ እቲ ለውጢ ኽዳውንቲ ሀቦም። ኩራኡ ድማ ነደደ፡ ናብ ቤት ኣቦኡ ኸአ ደየበ። |
20. | እታ ሰበይቲ ሲምሶን ነቲ ብፍላይ ፈታዊኡ ዝነበረ ዓርኩ ተዋሀበት። |
← Judges (14/21) → |