Judges (14/21)  

1. ሲምሶን ድማ ናብ ቲምናታ ወረደ፡ ኣብ ቲምናታ ኸአ ካብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ስበይቲ ረአየ።
2. ደይቡ ድማ ነቦኡን ነዲኡን፡ ኣብ ቲምናታ ኻብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ስበይቲ ርእየ ኣሎኹ እሞ፡ እጂ ንእኣ ኣመርዕውኒ፡ ኢሉ ነገሮም።
3. ኣቦኡን ኣዲኡን ድማ፡ ኬድካ ኻብቶም ዘይግዙራት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ እተምጽእሲ ኣብ ኣዋልድ ኣሕዋትካ ወይ ኣብ ብዘሎ ህዝበይዶ ሰበይቲ የልቦን በልዎ። ሲምሶን ነቦኡ፡ ብሂገያ እየ እሞ፡ ንእኣ ደአ ኣምጽኣለይ በሎ።
4. ኣቦኡን ኣዲኣኡን ግና፡ እግዚኣብሄር ካብ ፍልስጤኤማውያን ምኽንያት ይደሊ ነበረ እሞ፡ እዚ ኻብኡ ኸም ዝኾነ፡ ኣይፈለጡን ነበሩ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸአ ፍልስጤኤማውያን ንእስራኤል ይገዝእዎ ነበሩ።
5. ሽዑ ሲምሶንን ኣቡኡን ኣዲኡን ናብ ቲምናታ ወረዱ፡ ናብቲ ኣብ ቲምናታ ዘሎ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጹ ድማ እንሆ፡ ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ ተቐባበሎ።
6. መንፈስ እግዚኣብሄር ከአ ወረዶ፡ ኣብ ኢዱ ገለ እጃ ዜብሉ ኽንሱ፡ ንማሕስእ ከም ዚሰላልዕ ሰላልዖ። እቲ ዝገበሮ ግና ነቦኡ ኮነ ነዲኡ ኣይነገሮምን።
7. ወሪዱ ኸአ ነታ ሰበይቲ ተዛረባ፡ ንሳ ድማ ንሲምሶን ባህ በለቶ።
8. ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ኸአ ኪወስዳ ተመልሰ። ነቲ ግምቢ ኣንበሳ ኺርኢውን ኣግለሰ። እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ገረንገረ ኣንበሳ፡ ዕስለ ንህብን መዓርን ነበረ።
9. ብእዳው ወሲዱ ኸአ እናበልዔ ኸደ፡ ናብ ኣቦኡን ኣዲኡን መጺኡ ድማ ሀቦም፡ በልዑ ኸአ። ነቲ መዓር ካብ ገረንገረ ኣንበሳ ኸም ዝወሰዶ ግና ኣይነገሮምን።
10. ኣቡኡ ድማ ናብታ ሰበይቲ ወረደ፡ እቶም መንእሰያት ከምኡ ይገብሩ ነበሩ እሞ፡ ሲምሶንውን ኣብኡ ድግስ ደገሰ።
11. ኮነ ኸአ፡ ምስ ረአይዎ፡ ምስኡ ዚኾን ሰላሳ ኣዕሩኽ ኣምጽኡሉ።
12. ሲምሶን ከአ ንኣታቶም፡ ኣነ ግዳ ሕንቅልሕንቅሊቶይ ክብለኩም እሞ፡ ንእኡ በዘን ናይ ድግስ ሾብዓተ መዓልቲ ገሊጽኩም እንተ ነገርኩምኒ፡ ሰላሳ ቐምሽ ልሕጺ እንጣጥዕን ሰላሳ ለውጢ ኽዳንን ክህበኩም እየ።
13. ክትነግሩኒ እንተ ዘይከአልኩም ግና፡ ንስኻትኩም ንኣይ ሰላሳ ቐምሽ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰላሳ ለውጢ ኽዳንን ክትህቡኒ ኢኹም በሎም። እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይካ ንገረና እሞ፡ ክንሰምዖ በልዎ።
14. ሽዑ ንሱ፡ ካብቲ በላዒ ብልዒ ወጸ፡ ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወጸ፡ በሎም። ንሳቶም ከአ ነቲ ሕንቅልሕንቅሊቶይ ብሰለስተ መዓልቲ እኳ ኺነግርዎ ኣይከአሉን።
15. ኮነ ኸአ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ንሰብይቲ ሲምሶን፡ ንሰብኣይኪ እቲ ሕንቅልሕንቅሊቶይ ኪነግረና፡ ሓባብልዮ፡ እንተ ዘይኮይኑስ ንኣኽን ንቤት ኣቦኽን ብሓዊ ኸነንድደኩም ኢና፡ ከተንድዩና ዲኹም ዝጸዋዕኩምና፡ ከምኡ ደይኮነን፡ በልዋ።
16. ሽዑ ሰበይቲ ሲምሶን ኣብ ልዕሊኡ ኾይና እናበኸየት፡ ጸሊእካኒ ኢኻ እምበር፡ ኣይፈቶኻንን፡ ንደቂ ህዝበይ ሕንቅሕንቅሊቶይ ኢልካዮምሲ፡ ንኣይ ከአ ኣይገለጽካለይን በለቶ፡። ንሱ ድማ ንእኣ፡ እንሆ፡ ነቦይን ነደይን እኳ ዘይገለጽኩሎምሲ፡ ንኣኺዶ ኽገልጸልኪ እየ በላ።
17. ንሳ ኸአ በተን ሾብዓተ መዓልቲ ድግሶም ኣብ ልዕሊኡ ኾይና በኸየት። ኮነ ኸአ ንሳ ስለ ዘጨነቐቶ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ገለጸላ እሞ እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይ ንደቂ ህዝባ ገለጸትሎም።
18. እቶም ደቂ እታ ኸተማ ኸአ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ጸሓይ ከይዐረበት፡ ካብ መዓር ዚጥዕምሲ እንታይ እዩ፡ በልዎ። ንሱ ድማ ብኣርሒይ እንተ ዘይትሓርሱስ፡ ነዚ ሕንቅሕንቅሊቶይ ኣይምፈለጥኩምዎን ኔርኩም በሎም።
19. መንፈስ እግዚኣብሄር መጸ እሞ ናብ ኣስቃሎን ወረደ። ካብኦም ከአ ሰላሳ ሰብኣይ ቀተለ፡ ንኣታቶም ገፊፉ ዳ፡ ነቶም ሕንቅሕንቅሊቶዩ ዝገለጹሉ እቲ ለውጢ ኽዳውንቲ ሀቦም። ኩራኡ ድማ ነደደ፡ ናብ ቤት ኣቦኡ ኸአ ደየበ።
20. እታ ሰበይቲ ሲምሶን ነቲ ብፍላይ ፈታዊኡ ዝነበረ ዓርኩ ተዋሀበት።

  Judges (14/21)