| ← Judges (13/21) → |
| 1. | ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ እግዚኣብሄር ከአ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ኢድ ፍልስጤማውያን ኣሕሊፉ ሀቦም። |
| 2. | ማኖኣ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ዓሌት ዳን፡ ብዓል ጾርዓ ነበረ። ሰበይቱ ኸአ መኻን ነበረት እሞ፡ ኣይወለደትን። |
| 3. | መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሰበይቲ ተራእያ በላውን፡ እንሆ መኻን ኢኺ እሞ፡ ኣይወለድክን፡ ግናኸ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ። |
| 4. | እምበኣር ሕጂ ወይንን ዜስክርን ከይትሰትዩ ርኹስ ዘበለውን ከይትበልዒ በጃኺ ተተንቀቒ። |
| 5. | እንሆ ኸአ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ። እቲ ቖልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ናብ ርእሱ መላጸ ኣይሐልፎን፡ ንሱ ድማ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ኪጅምር እዩ። |
| 6. | ሽዑ እታ ሰበይቲ መጺኣ ንሰብኣያ፡ ትርኢቱ ኸም ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኡኒ ነይሩ። ኣነ ኻበይ ከም ዝኾነ ኣይጠየቕክዎን፡ ንሱውን ስሙ ኣይነግረንን። |
| 7. | ግናኸ እንሆ፡ ክትጠንሲ ኢኺ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፡ እቲ ቖልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩሲ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ናዝራዊ ኣምላኽ ኪኽውን እዩ እሞ፡ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ ርኹስ ዘበለውን ኣይትብልዒ በለኒ ኢላ ተዛረበቶ። |
| 8. | ማኖእ ድማ እግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታይ እቲ ዝለኣኽካዮ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ነቲ ዚውለድ ቆልዓ እንታይ ከም እንገብረሉ ኺነግረናስ፡ በጃኻ መሊሱ ይምጽኣና፡ ኢሉ ለመነ። |
| 9. | ኣምላኽ ድማ ቃል ማኖኣ ሰምዔ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ መሮር ኮፍ ኢላ ኸላ: እቲ መልኣኽ መሊሱ መጸ፡ ማኖኣ ሰምዔ፡ ኣታ ሰበይቲ ኣብ መሮር ኮፍ ኢላ ኸላ፡ እቲ መልኣኽ ኣምላኽ መሊሱ መጸ፡ ማኖኣ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኣይነበረን። |
| 10. | እታ ሰበይቲ ድማ ቀልጢፋ ናብ ሰብኣያ ጎይያ፡ እቲ ሓደ መዓልቲ መጺኡኒ ዝነበረ ሰብኣይ፡ እንሆ ተራእዩኒ፡ ኢላ ነገረቶ። |
| 11. | ማኖኣ ኸአ ተንሲኡ ደድሕሪ ሰበይቱ ሰዐበ፡ ናብቲ ሰብኣይ መጺኡ ድማ፡ ነዛ ሰበይቲ እተዛረብካያ ሰብኣይ ንስኻ ዲኻ በሎ። ንሱ ኸአ፡ ኣነ እየ፡ በሎ። |
| 12. | ማኖኣ ድማ፡ ሕጂ ቓልካ ምስ ተፈጸመ፡ ስርዓት እቲ ቖልዓን ግብሩን እንታይ ኪኸውን እዩ በለ። |
| 13. | እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖኣ፡ እታ ሰበይቲ ኻብቲ ዝበልክዋ ኹሉ ትጠንቀቕ። |
| 14. | ካብ ኦም ወይኒ ዚወጽእ ዘበለ ኣይትብላዕ፡ ወይንን ዜስክርን ከአ ኣይትስተ፡ ርኹስ ዘበለውን ኣይትብላዕ፡ እቲ ዛአዘዝክዋ ኹሉ ትሕሉ፡ በሎ። |
| 15. | እቲ መላኣኽ እግዚኣብሄር ንማኖእ፡ እንተ ኣጽናሕካኒውን ካብ እንጌራኻስ ኣይበልዕን ኣየ። ዚሐርር መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሌኻ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣዕርገሉ በሎ። ማኖኣኣ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ። |
| 16. | እቲ መላኣኽ እግዚኣብሄር ንማኖእ፡ እንተ ኣጽናሕካኒውን ካብ እንጌራኻስ ኣይበልዕን ኣየ። ዚሐርር መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሌኻ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣዕርገሉ በሎ። ማኖኣኣ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ። |
| 17. | ማኖኣ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ እቲ ቓልካ ምስ ተፈጸመ፡ ምእንቲ ኽነኽብረካስ፡ ስምካ መን እዩ፡ በሎ። |
| 18. | እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከአ፡ ስለምንታይ ስመይ እትሐትት፡ ንሱ መንክር እዩ በሎ። |
| 19. | ማኖኣ ድማ ማሕስእን መስዋእቲ ብልዕን ወሲዱ፡ ኣብ ከውሒ ንእግዚኣብሄር ኣዕረገሉ። ሽዑ ማኖኣን ሰብይቱን እናረኣዩ ተኣምራት ገበረ። |
| 20. | ኮነ ኸአ፡ እቲ ሃልሃልታ ኻብ መሰውኢ ናብ ሰማይ ኪድይብ ከሎ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር በቲ ሃልሃልታ መሰውኢ ደየበ። ማኖኣን ሰብይቱን እዚ ምስ ረኣዩ፡ ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ። |
| 21. | እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖኣን ንሰብይቱን መሊሱ ኣይተራእዮምን። ሽዑ ማኖኣ ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ። |
| 22. | ማኖኣ ድማ ንሰበይቱ፡ ንኣምላኽ ርኢናዮ ኢና እሞ፡ ብርግጽ ክንመውት ኢና፡ በላ። |
| 23. | እታ ሰበይቱ ግና፡ እግዚኣብሄር ኪቕትለኒ እንተ ዚደልስ፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ካብ ኢደና ኣይምተቐበለን፡ እዚ ኹሉውን ኣይመርኣየናን፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ዝበለ ድማ ኣይመስምዓናን በለቶ። |
| 24. | እታ ሰበይቲ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸአ ሲምሶን ሰመየቶ። እቲ ቖልዓ ድማ ዐበየ፡ እግዚኣብሄርውን ባረኾ። |
| 25. | ኣብ መሓነዳን ኣብ መንጎ ጸርዓን ኤሽታኦልን ከሎ ድማ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኪድርኾ ጀመረ። |
| ← Judges (13/21) → |