Judges (13/21)  

1. ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ እግዚኣብሄር ከአ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ኢድ ፍልስጤማውያን ኣሕሊፉ ሀቦም።
2. ማኖኣ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ዓሌት ዳን፡ ብዓል ጾርዓ ነበረ። ሰበይቱ ኸአ መኻን ነበረት እሞ፡ ኣይወለደትን።
3. መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሰበይቲ ተራእያ በላውን፡ እንሆ መኻን ኢኺ እሞ፡ ኣይወለድክን፡ ግናኸ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ።
4. እምበኣር ሕጂ ወይንን ዜስክርን ከይትሰትዩ ርኹስ ዘበለውን ከይትበልዒ በጃኺ ተተንቀቒ።
5. እንሆ ኸአ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ። እቲ ቖልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ናብ ርእሱ መላጸ ኣይሐልፎን፡ ንሱ ድማ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ኪጅምር እዩ።
6. ሽዑ እታ ሰበይቲ መጺኣ ንሰብኣያ፡ ትርኢቱ ኸም ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኡኒ ነይሩ። ኣነ ኻበይ ከም ዝኾነ ኣይጠየቕክዎን፡ ንሱውን ስሙ ኣይነግረንን።
7. ግናኸ እንሆ፡ ክትጠንሲ ኢኺ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፡ እቲ ቖልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩሲ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ናዝራዊ ኣምላኽ ኪኽውን እዩ እሞ፡ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ ርኹስ ዘበለውን ኣይትብልዒ በለኒ ኢላ ተዛረበቶ።
8. ማኖእ ድማ እግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታይ እቲ ዝለኣኽካዮ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ነቲ ዚውለድ ቆልዓ እንታይ ከም እንገብረሉ ኺነግረናስ፡ በጃኻ መሊሱ ይምጽኣና፡ ኢሉ ለመነ።
9. ኣምላኽ ድማ ቃል ማኖኣ ሰምዔ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ መሮር ኮፍ ኢላ ኸላ: እቲ መልኣኽ መሊሱ መጸ፡ ማኖኣ ሰምዔ፡ ኣታ ሰበይቲ ኣብ መሮር ኮፍ ኢላ ኸላ፡ እቲ መልኣኽ ኣምላኽ መሊሱ መጸ፡ ማኖኣ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኣይነበረን።
10. እታ ሰበይቲ ድማ ቀልጢፋ ናብ ሰብኣያ ጎይያ፡ እቲ ሓደ መዓልቲ መጺኡኒ ዝነበረ ሰብኣይ፡ እንሆ ተራእዩኒ፡ ኢላ ነገረቶ።
11. ማኖኣ ኸአ ተንሲኡ ደድሕሪ ሰበይቱ ሰዐበ፡ ናብቲ ሰብኣይ መጺኡ ድማ፡ ነዛ ሰበይቲ እተዛረብካያ ሰብኣይ ንስኻ ዲኻ በሎ። ንሱ ኸአ፡ ኣነ እየ፡ በሎ።
12. ማኖኣ ድማ፡ ሕጂ ቓልካ ምስ ተፈጸመ፡ ስርዓት እቲ ቖልዓን ግብሩን እንታይ ኪኸውን እዩ በለ።
13. እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖኣ፡ እታ ሰበይቲ ኻብቲ ዝበልክዋ ኹሉ ትጠንቀቕ።
14. ካብ ኦም ወይኒ ዚወጽእ ዘበለ ኣይትብላዕ፡ ወይንን ዜስክርን ከአ ኣይትስተ፡ ርኹስ ዘበለውን ኣይትብላዕ፡ እቲ ዛአዘዝክዋ ኹሉ ትሕሉ፡ በሎ።
15. እቲ መላኣኽ እግዚኣብሄር ንማኖእ፡ እንተ ኣጽናሕካኒውን ካብ እንጌራኻስ ኣይበልዕን ኣየ። ዚሐርር መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሌኻ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣዕርገሉ በሎ። ማኖኣኣ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ።
16. እቲ መላኣኽ እግዚኣብሄር ንማኖእ፡ እንተ ኣጽናሕካኒውን ካብ እንጌራኻስ ኣይበልዕን ኣየ። ዚሐርር መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሌኻ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣዕርገሉ በሎ። ማኖኣኣ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ።
17. ማኖኣ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ እቲ ቓልካ ምስ ተፈጸመ፡ ምእንቲ ኽነኽብረካስ፡ ስምካ መን እዩ፡ በሎ።
18. እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከአ፡ ስለምንታይ ስመይ እትሐትት፡ ንሱ መንክር እዩ በሎ።
19. ማኖኣ ድማ ማሕስእን መስዋእቲ ብልዕን ወሲዱ፡ ኣብ ከውሒ ንእግዚኣብሄር ኣዕረገሉ። ሽዑ ማኖኣን ሰብይቱን እናረኣዩ ተኣምራት ገበረ።
20. ኮነ ኸአ፡ እቲ ሃልሃልታ ኻብ መሰውኢ ናብ ሰማይ ኪድይብ ከሎ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር በቲ ሃልሃልታ መሰውኢ ደየበ። ማኖኣን ሰብይቱን እዚ ምስ ረኣዩ፡ ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ።
21. እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖኣን ንሰብይቱን መሊሱ ኣይተራእዮምን። ሽዑ ማኖኣ ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ።
22. ማኖኣ ድማ ንሰበይቱ፡ ንኣምላኽ ርኢናዮ ኢና እሞ፡ ብርግጽ ክንመውት ኢና፡ በላ።
23. እታ ሰበይቱ ግና፡ እግዚኣብሄር ኪቕትለኒ እንተ ዚደልስ፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ካብ ኢደና ኣይምተቐበለን፡ እዚ ኹሉውን ኣይመርኣየናን፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ዝበለ ድማ ኣይመስምዓናን በለቶ።
24. እታ ሰበይቲ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸአ ሲምሶን ሰመየቶ። እቲ ቖልዓ ድማ ዐበየ፡ እግዚኣብሄርውን ባረኾ።
25. ኣብ መሓነዳን ኣብ መንጎ ጸርዓን ኤሽታኦልን ከሎ ድማ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኪድርኾ ጀመረ።

  Judges (13/21)