Judges (11/21)  

1. ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ድማ፡ ንሱ ወዲ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ፡ ሓያ ጅግና ነበረ፡ ጊልዓድ ንይፍታሕ ወለደ።
2. ሰበይቲ ጊልዓድ ድማ ኣወዳት ወለደትሉ። ደቂ እታ ሰበይቱ ምስ ዐበዩ ኸአ፡ ንይፍታሕ፡ ንስኻ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ኢኻ እሞ፡ ንይፍታሕ፡ ንስኻ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቤት ኣቦና ኣይትወርስን ኢኻ፡ ኢሎም ሰጎጎዎ።
3. ሽዑ ይፍታሕ ካብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ጦብ ከአ ተቐመጠ። ናብ ይፍታሕ ድማ ከንቱታት ሰባት ተአከቡ፡ ምስኡ ኸአ ወጹ።
4. ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ኸአ ኮነ፡ ደቂ ዓሞን ምስ እስራኤል ተዋግኡ።
5. እቶም ደቂ ዓሞን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ኸለው፡ እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ ካብ ምድሪ ጦብ ኬምጽእዎ ኸዱ።
6. ንይፍታሕ ከአ፡ ንዓ ሓላቓና ኹን እሞ ምስ ደቂ ዓሞን ክንዋጋእ በልዎ።
7. ይፍታሕ ድማ ንዓበይቲ ጊልዓድ፡ ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን ጸሊእኩምንስ፡ ካብ ቤት ኣቦይ ዝሰጎጎኩምኒ፡ ሕጂ ደአ እንተ ጸበበኩም ከምይ ናብይ ትመጹ፡ በሎም።
8. እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ ምሳና ኼድካ ንደቂ ዓምን ክትዋጋእ እሞ ንኹልና ሰብ ጊልዓድ ሓላቓና ኽትከውን፡ ስለዚ ኢና ሕጂ ናባኻ እተመለስና፡ በልዎ።
9. ይፍታሕ ከአ ንዓበይቲ ጊልዓድ፡ ምስ ደቂ ዓሞን ክዋጋእ እንተ መለስኩምኒ፡ እግዚኣብሄርውን ንኣታቶም ኣብ ኢደይ እንተ ሀበኒ፡ ሽዑ ኣነዶ ሓለቓኹም ክኸውን እየ፡ በሎም።
10. እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ፡ ከም ዘረባኻ እንተ ዘይገብርና፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ሰማዒ ይኹን፡ በልዎ።
11. ሽዑ ይፍታሕ ምስቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ከደ፡ እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ሓላቓን ፈራድን ገበርዎ። ይፍታሕ ድማ ኩሉ እቲ ዘረባኡ ኣብ ሚጽጳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዛረበ።
12. ይፍታሕ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞን ናባይ መጺእካ ንሃገረይ እትዋግኣስ፡ ምሳይ እንታይ ኣሎካ፡ ኪብልዎ ልኡኻት ሰደደሉ።
13. እቲ ንጉስ ደቂ ዓሞን ንልኡኻት ይፍታሕ፡ እስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይብ ከሎ፡ ነታ ምድረይ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅን ክሳዕ ዮርዳኖስን ወሲዱለይ፡ በሎም።
14. ይፍታሕ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞን መሊሱ ልኡኻት ሰደደ፡
15. በሎ ኸአ፡ ይፍታሕ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እስራኤል ምድሪ ሞኣብን ምድሪ ደቂ ዓሞንንሲ ኣይወሰደን።
16. እስራኤልሲ ኻብ ግብጺ ምስ ደየበ፡ ብበረኻ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ኸደ፡ ናብ ቃዴስ ድማ መጸ።
17. ሽዑ እስራኤል ናብ ንጉስ ኤዶም ልኡኻት ሰዲዱ፡ በጃኻ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ በሎ። ንጉስ ኤዶም ግና ሕራይ ኣይበሎን። ናብ ንጉስ ሞኣብ ከአ ለአኸ፡ ንሱውን ኣይፈተወን እሞ፡ እስራኤል ኣብ ቃሴድ ተቐመጠ።
18. ሽዑ ብበረኻ ኸይዱ፡ ንምድሪ ኤዶምን ንምድሪ ሞኣብን ዞረ፡ ናብ ምብራቕ ምድሪ ሞኣብ መጺኡ ኸአ፡ ኣብ ስግር ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ዶብ ሞኣብ እዩ እሞ፡ ክንየው ዶብ ሞኣብ ኣይሓለፉን።
19. እስራኤል ከአ ናብ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ ንጉስ ሔስቦን፡ ልኡኻት ሰዲዱ፡ እስራኤል በጃኻ ክሳዕ እታ ቦታይ ብምድርኻ ኣሕልፈና በሎ።
20. ሲሆን ግና እስራኤል ብዶቡ ኺሐልፍ ኣይአመኖን እሞ፡ ሲሆን ኩሉ ህዝቡ ኣኪቡ ኣብ ያሃጽ ሰፈረ፡ ምስ እስራኣኤል ድማ ተዋግኤ።
21. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከአ ንሲሆንን ንኹሉ ህዝቡን ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ሰዐርዎም ድማ፡ ሽዑ እስራኤል ነታ ኣሞራውያን ዝነበርዋ ምድሪ፡ ንብሃገራ ወረስዋ።
22. ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፡ ካብ በረኻ ኸአ ክሳዕ ዮርዳኖስ፡ ኩሉ ዶብ ኣሞራውያን ወረሱ።
23. ሕጂ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንኣሞራውያን ካብ ቅድሚ ህዝቡ እስራኤል ሰጉጉዎም እዩ እሞ፡ ንስኻዶ ኽትወርሶም ኢኻ፡
24. ንስኻስ ከሞሽ ኣምላኽካ ዘውረስካዶ ኣይትወርስን፡ ከምኡ ድማ ንሓና ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻብ ቅድሜና ዝሰጎጎም ዘበሉ ኽንወርስ ኢና።
25. ሕጂ ኸአ ካብ ባላቅ ወዱ ጺጵር፡ ንጉስ ሞኣብዶ ንስኻ ትበልጽ ኢኻ፡ ንሱ ምስ እስራኣኤልዶ ተባኢሱ ወይ ምስኦም ተዋጊኡ እዩ፡
26. እስራኤል ኣብ ሔስቦንን ኣብ ዓድታታን፡ ኣብ ዓርዔርን ኣብ ዓድታታን፡ ኣብ ጥቓ ኣርኖን ዘለዋ ኹለን ከተማታትን ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ተቐሚጡ ኸሎ ደአ ስለምንታይ በቲ ዘበን እቲ ዘይወሰድኩምዎ፡
27. ኣነስ ኣይበደልኩኻን፡ ንስኻ ግና ንኣይ ብምውጋእካ ኽፉእ ትገብረኒ ኣሎኻ። እቲ ፈራዲ እግዚኣብሄር ደአ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ኣብ መንጎ ደቂ ዓሞንን ሎሚ ይፍረድ።
28. እቲ ንጉስ ደቂ ዓሞን ግና ነቲ ይፍታሕ ዝለአኸሉ ቓል ኣይሰምዖን።
29. ሽዑ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ይፍታሕ መጸ እሞ፡ ብጊልዓድ ብምናሴን ኣቢሉ ብምጺጳ ናይ ጊልዓድ ሐለፈ፡ ካብ ሚጽጳ ናይ ጊልዓድ ከአ ናብ ደቂ ዓሞን ሐለፈ።
30. ይፍታሕ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንደቂ ዓሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ፡ ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ካብ ደቂ ዓሞን ብድሓን ምስ ተመለስኩ፡ እቲ ኪቕበሉኒ ኢሉ ኻብ ደጌታት ቤተይ ዚወጽእ፡ ንእግዚኣብሄር ይኹን፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ከቕርቦ ኣየ፡ ኢሉ መብጽዓ ተማባጽዔ።
31. ይፍታሕ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንደቂ ዓሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ፡ ሽዑ ኪኸውን እዩ፡ ካብ ደቂ ዓሞን ብድሓን ምስ ተመለስኩ፡ እቲ ኪቕበሉኒ ኢሉ ኻብ ደጌታት ቤተይ ዚወጽእ፡ ንእግዚኣብሄር ይኹን፡ ንዚሐርር መስዋእቲ ከቕርቦ ኣየ፡ ኢሉ መብጽዓ ተማባጽዔ።
32. ሽዑ ይፍታሕ ምስ ደቂ ዓሞን ኪዋጋእ ናብኦም ገስገሰ፡ እግዚኣብሄርውን ንኣታቶም ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሀቦ።
33. ካብ ዔርዔር ክሳዕ ሚኒት እትአቱ፡ ዕስራ ኸተማ፡ ክሳዕ ኣቤልከራሚም ድማ ብኣዝዩ ብርቱዕ ውግእ ሰዐሮም። ደቂ ዓሞን ከአ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተዋረዱ።
34. ይፍታሕ ድማ ናብ ሚጽጳ ናብ ቤቱ ምስ መጸ፡ እንሃ ጓሉ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ክትቅበሎ ወጸት። ሓንቲ ንሳ ጥራይ እያ ውሉዱ፡ ብጀካኣ ወዲ ወይ ጓል ኣይነበሮን።
35. ኮነ ኸአ፡ ንእኣ ምስ ረአያ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣየ ጓለይ፡፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣፈይ ከፊተ እየ፡ ክምለስ ከአ ኣይክእልን እየ እሞ፡ ምስቶም ዜናወጹኒ ኾንኪ ሓይለይ ኣድከምክኒ በለ።
36. ንሳ ድማ፡ ኣቦየ እግዚኣብሄር ኣብቶም ደቂ ዓሞን ጸላእትኻ ሕነ ኻብ ፈደየልካ፡ ንእግዚኣብሄር ከአ ኣግካ ኻብ ከፈትካስ፡ ንኣይ ከምቲ ኻብ ኣፍካ ዝወጸ ግበረኒ፡ በለቶ።
37. ነቦኣ ድማ፡ ካብዚ ኸይደ ናብ ኣኽራን ወሪደ ኣነ ምስተን ብጾተይ ኮይነ ንድንግልናይ ክልተ ወርሒ ኽበኽየላ፡ እዚ ነገር እዚ ይግበረለይ፡ በለቶ።
38. ኪዲ ኢሉ፡ ክልተ ወርሒ ትኺድ ሓደጋ። ሽዑ ንሳ ምስ ብጾታ ኸይዳ፡ ኣብ ኣኽራን ኮይና ንድንግልናኣ በኸየትላ።
39. ኮነ ኸአ፡ እቲ ኽልተ ወርሒ ምስ መልኤ፡ ናብ ኣቦኣ ተመልሰት፡ ከምቲ ተማባጽዕዎ ዝነበረ መብጽዓ ገበራ። ንሳ ድማ ሰብኣይ ከይፈለጠት ነበረት። ኣብ እስራኤል ድማ ስርዓት ኮነ።
40. እተን ኣዋልድ እስራኤል በብዓመት እናኸዳ ንጓል ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ኣርባዕተ መዓልቲ ይውድሳኣ ነበራ።

  Judges (11/21)