Judges (10/21)  

1. ድሕሪ ኣቢሜሌክ ከአ ቶላ ወዲ ጲኣ፡ ወዲዶዶ ካብ ሰብ ይሳኮር፡ ንምድሓን እስራኤል ተንስኤ፡ ንሱ ድማ ኣብ ከረን ኤፍሬም ካብ ሻሚር ይቕመጥ ነበረ።
2. እስራኤል ከአ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ፈረደ፡ ሞተ ድማ፡ ኣብ ሻሚር ከአ ተቐብረ።
3. ድሕሪኡ ማ ያኢር ጊልዓዳዊ ተንስኤ፡ ንእስራኤል ከአ ዕስራን ክልተን ዓመት ፈረደ።
4. ንሱ ሰላሳ ገልገል ኣድጊ ዚውጥሑ ዝነበሩ፡ ሰላሳ ደቂ ነበርዎ፡ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ዘለዋ ሰላሳ ኸተማ ኸአ ነበራኦም፡ ንሳተን ክሳዕ ሎሚ ዓድታት ያኢር ይብሀላ ኣለዋ።
5. ያኢር ድማ ሞተ፡ ኣብ ቃሞን ከአ ተቕብረ።
6. ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ ንበዓላትን ንኣስታርቴታትን ንኣማልኽቲ ኣራምን ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን ንኣማልኽቲ ዲ ዓሞንን ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣገልግለሉ፡ ንእግዚኣብሄር ግና ሓደግዎ እምበር፡ ኣየገልገልዎን።
7. ሽዑ ኹራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ፡ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ኢድ ደቂ ዓሞንን ከአ ሸጦም።
8. ንሳቶም ከአ በታ ዓመት እቲኣ ንደቂ እስራኤል ሳቐይዎምን ኣጥቅዕዎምን። ነቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ምድሪ ኣሞራውያን ዚነብሩ ኹሎም ደቂ እስራኣኤል ድማ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ኣጥቅዕዎም።
9. እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ምስ ይሁዳን ምስ ቢንያምን ምስ ቤት ኢፍሬምን ኪዋግኡኡ ዮርዳኖስ ተሳገሩ እሞ፡ እስራኤል ኣዝዩ ጸበቦ።
10. ሽዑ ደቂ እስራኤል፡ ንኣምላኽና ሓዲግና ንበዓላት ኣገልግሊና ኢና እሞ፡ በዲልናካ ኢና ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።
11. እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ካብ ግብጻውያንን ካብ ኣሞራውያንን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንንዶ ኣየድሐንኩኹምን፡
12. እቶም ሲዶናውያንን ኣማሌቃውያንን ማኦናውያንን ምስ ጠቕዑኹም ከአ፡ ናባይ ተማህለልኩም እሞ ካብ ኣእድዎም ኣድሓንኩኹም።
13. ንስኻትኩም ግና ንኣይ ሓዲግኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልገልኩም፡ ስለዚ ድሕሪ ደጊም ኣየድሕነኩምን እየ።
14. ብጊዜ ጸበባኹም ኬድሕኑኹምስ ናብቶም ዝሓሬኹምዎም ኣማልኽቲ ደአ ኼድኩም ተማህለሉ።
15. ደቂ እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር፡ በዲልና ኢና፡ ሓንትስ በዛ መዓልቲ እዚኣ ደኣ ኸተድሕነና ንልምነካ ኣሎና እምበር፡ ከምቲ ዚሓይሽ ኮይኑ እተራእየካ ኹሉ ግበረና፡ በልዎ።
16. ሽዑ ነቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ኻብ ማእከሎም ደርብዮም ንእግዚኣብሄር ኣገልግልዎ። ነፍሱ ኸአ ብመከራ እስራኤል ተጨነቐት።
17. ደቂ ዓሞን ድማ ብኣውያት ተአኪቦም ኣብ ጊልዓድ ሰፈሩ፡ ደቂ እስራኤልውን ተአኪቦም ኣብ ሚጽዓ ሰፈሩ።
18. እቶም ህዝቢ ድማ ዓሞን ኪዋጋእ ዚጅምር ኣየናይ ሰብኣይ እዩ፡ ንሱ ነቶም ኣብ ጊልዓ ዝነብሩ ኹሎም ሓላቕ ይኹን ተባሃሀሉ።

  Judges (10/21)