| ← Judges (10/21) → |
| 1. | ድሕሪ ኣቢሜሌክ ከአ ቶላ ወዲ ጲኣ፡ ወዲዶዶ ካብ ሰብ ይሳኮር፡ ንምድሓን እስራኤል ተንስኤ፡ ንሱ ድማ ኣብ ከረን ኤፍሬም ካብ ሻሚር ይቕመጥ ነበረ። |
| 2. | እስራኤል ከአ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ፈረደ፡ ሞተ ድማ፡ ኣብ ሻሚር ከአ ተቐብረ። |
| 3. | ድሕሪኡ ማ ያኢር ጊልዓዳዊ ተንስኤ፡ ንእስራኤል ከአ ዕስራን ክልተን ዓመት ፈረደ። |
| 4. | ንሱ ሰላሳ ገልገል ኣድጊ ዚውጥሑ ዝነበሩ፡ ሰላሳ ደቂ ነበርዎ፡ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ዘለዋ ሰላሳ ኸተማ ኸአ ነበራኦም፡ ንሳተን ክሳዕ ሎሚ ዓድታት ያኢር ይብሀላ ኣለዋ። |
| 5. | ያኢር ድማ ሞተ፡ ኣብ ቃሞን ከአ ተቕብረ። |
| 6. | ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ ንበዓላትን ንኣስታርቴታትን ንኣማልኽቲ ኣራምን ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን ንኣማልኽቲ ዲ ዓሞንን ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣገልግለሉ፡ ንእግዚኣብሄር ግና ሓደግዎ እምበር፡ ኣየገልገልዎን። |
| 7. | ሽዑ ኹራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ፡ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ኢድ ደቂ ዓሞንን ከአ ሸጦም። |
| 8. | ንሳቶም ከአ በታ ዓመት እቲኣ ንደቂ እስራኤል ሳቐይዎምን ኣጥቅዕዎምን። ነቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ምድሪ ኣሞራውያን ዚነብሩ ኹሎም ደቂ እስራኣኤል ድማ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ኣጥቅዕዎም። |
| 9. | እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ምስ ይሁዳን ምስ ቢንያምን ምስ ቤት ኢፍሬምን ኪዋግኡኡ ዮርዳኖስ ተሳገሩ እሞ፡ እስራኤል ኣዝዩ ጸበቦ። |
| 10. | ሽዑ ደቂ እስራኤል፡ ንኣምላኽና ሓዲግና ንበዓላት ኣገልግሊና ኢና እሞ፡ በዲልናካ ኢና ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ። |
| 11. | እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ካብ ግብጻውያንን ካብ ኣሞራውያንን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንንዶ ኣየድሐንኩኹምን፡ |
| 12. | እቶም ሲዶናውያንን ኣማሌቃውያንን ማኦናውያንን ምስ ጠቕዑኹም ከአ፡ ናባይ ተማህለልኩም እሞ ካብ ኣእድዎም ኣድሓንኩኹም። |
| 13. | ንስኻትኩም ግና ንኣይ ሓዲግኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልገልኩም፡ ስለዚ ድሕሪ ደጊም ኣየድሕነኩምን እየ። |
| 14. | ብጊዜ ጸበባኹም ኬድሕኑኹምስ ናብቶም ዝሓሬኹምዎም ኣማልኽቲ ደአ ኼድኩም ተማህለሉ። |
| 15. | ደቂ እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር፡ በዲልና ኢና፡ ሓንትስ በዛ መዓልቲ እዚኣ ደኣ ኸተድሕነና ንልምነካ ኣሎና እምበር፡ ከምቲ ዚሓይሽ ኮይኑ እተራእየካ ኹሉ ግበረና፡ በልዎ። |
| 16. | ሽዑ ነቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ኻብ ማእከሎም ደርብዮም ንእግዚኣብሄር ኣገልግልዎ። ነፍሱ ኸአ ብመከራ እስራኤል ተጨነቐት። |
| 17. | ደቂ ዓሞን ድማ ብኣውያት ተአኪቦም ኣብ ጊልዓድ ሰፈሩ፡ ደቂ እስራኤልውን ተአኪቦም ኣብ ሚጽዓ ሰፈሩ። |
| 18. | እቶም ህዝቢ ድማ ዓሞን ኪዋጋእ ዚጅምር ኣየናይ ሰብኣይ እዩ፡ ንሱ ነቶም ኣብ ጊልዓ ዝነብሩ ኹሎም ሓላቕ ይኹን ተባሃሀሉ። |
| ← Judges (10/21) → |