Judges (1/21)  

1. ድሕሪ ሞት እያሱ ድማ ኮነ፡ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር፡ ምስ ከነኣናውያንን ንምውጋእ ካባና መን ቅድም ይደይብ፡ ኢሎም ሐተትዎ።
2. እግዚኣብሄር ከአ፡ ይሁዳ ይደይብ፡ እንሃ፡ እታ ምድሪ ኣብ ኢዱ ሂበዮ እየ በለ።
3. ይሁዳ ኸአ ንስምኦን ሓው፡ ምስ ከንኣናውያን ክንዋጋእሲ፡ ናብቲ ብጽሒተይ ምሳይ ደይብ፡ ኣነ ኸአ ናብቲ ብዝሒትካ ምሳኻ ክኸይድ እየ፡ በሎ። ስምኦን ድማ ምስኡ ኸደ።
4. ይሁዳ ድማ ናብኡ ደየበ፡ እግዚኣብሄር ከአ ንኸነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ኣብ ኢዶም ሀቦም፡ ኣብ ቤዜቅ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ቀተሉ።
5. ንኣዶኒቤዜቅ ከአ ኣብ ቤዜኣ ረኸብዎ እሞ ተዋግእዎ፡ ንኸንኣናውያንን ንፈረዛውያንን ከአ ሰዐርዎም።
6. ኣዶኒቤዜቅ ድማ ሀደመ፡ ንሳቶም ግና ደድሕሪኡ ስዒቦም ሓዝዎ፡ ዓብዓበይቶ ኢደ እግሩ ኸአ ቆረጽዎ።
7. ኣዶኒቤዜቅ ድማ፡ ዓብዓበይቶ ኢደ እግሮም እተቖርጹ ሰብዓ ነገስታት ኣብ ትሕቲ መአደን ርፍራፍ ይላቐሙ ነይሮም እዮም፡ ኣምላኽ ከምቲ ግብረይ ፈደየኒ በለ። ናብ ዮርሳሌም ኣምጽእዎ፡ ኣብኣ ኸአ ሞተ።
8. ደቂ ይሁዳ ድማ ንዮርሳሌም ተዋግእዋ፡ ብስሕለት ሴፍ ወቒዖም ከአ ሓዝዋ። ነታ ኸተማ ድማ ሓዊ መለሱላ።
9. ድሕሪኡ ደቂ ይሁዳ ምስቶም ኣብ ከረንን ኣብ ደቡብን ኣብ ቁላን ዚነብሩ ኸነኣናውያን ኪዋግኡ ወረዱ።
10. ይሁዳ ድማ ናብቶም ኣብ ኬብሮን ዚነብሩ ኸነኣናውያን ከደ፡ ስም ኬብሮን ቀደም ቂርያትኣርባ ነበረ። ንሽሻይን ንኢሒማንን ንታልማይን ወቕዕዎም።
11. ካብኡ ናብቶም ኣብ ደቢር ዚነብሩ ኸደ። ስም ደቢር ቀደም ቂርያት ሰፈር ነበረ።
12. ካሌብ ድማ፡ ነቲ ንቂርያትሰፈር ወቒዑ ዝሐዛ፡ ጓለይ ዓክሳ ሰበይቲ ኽትኮኖ ኽህቦ እየ፡ በለ።
13. ዖትኒኤል፡ ወዲ ቄናዝ ንእሽቶ ሓው ንኻሌብ ሐዛ፡ ዓክሳ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኮኖ ድማ ሀባ።
14. ኮነ ኸአ፡ ናብኡ ምስ መጸት፡ ካብ ኣቦኣኣ ግራት ኪልምን መኸረቶ። ካብ ኣድጊ ኸአ ወረደት፡ ካሌብ ድማ እንታይ ኾንኪ ኢኺ በላ።
15. ንሳ ኸአ፡ በረኸት ሀበኒ” ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ ዓይኒ ማያት ከአ ሀበኒ፡ ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ፡ ዓይኒ ማያት ከአ ሀበኒ፡ በለቶ። ካሌብ ድማ ላዕላይ ዓይኒ ማያትን ታሕታይ ዓይኒ ማያትን ሀባ።
16. ደቂ ቄኒ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብ ከተማ ተምሪ ናብታ ብደቡብ ዓራድ ዘላ በረኻ ይሁዳ ደየቡ። ከይዶም ከአ ምስቲ ህዝቢ ተቐመጡ።
17. ይሁዳ ድማ ምስ ስምኦን ሓው ኸደ፡ ነቶም ኣብ ጽፋት ዝነበሩ ኸነኣናውያን ወቕዕዎም፡ ፈጺሞም ከአ ኣጥፍእዋ። ስም እታ ኸተማ ድማ ሖርማ ተባህለ።
18. ይሁዳ ኸአ ንጋዛን ንዶታን ንኣሽቀሎንን ንዶባታን ንዔቅሮንን ንዶባታን ድማ ሐዘን።
19. እግዚኣብሄር ምስ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ ነቶም ኣብ ከረን ዝነብሩ ኣልቀቖም፡ ነቶም ኣብ ለሰ ዚኒበሩ ግና፡ ሰረገላታት ሓጺን ነበሮም እሞ፡ ኬልቅቖም ኣይከአለን።
20. ንካሌብ ድማ፡ ከምቲ ሙሴ እተዛረቦ፡ ኬብሮን ሀብዎ፡ ንሱ ኸአ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ ካብኣ ኣልቀቖም።
21. ነቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩ ይቡሳውያን ግና ደቂ ብንያም ኣየልቀቖዎምን እሞ፡ እቶም ይቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ ምስ ደቂ ብንያም ኣብ ዮሩሳሌም ኣለው።
22. ቤት ዮሴፍ፡ ንሳቶምውን ናብ ቤትኤል ደየቡ፡ እግዚኣብሄር ከአ ምሳታቶም ነበረ።
23. ቤት ዮሴፍ ድማ ንቤትኤል ሰለይዋ። ስም እታ ኸተማ ኸአ ቀደም ሉዝ ነበረ።
24. እቶም ሰለይቲ ድማ ሓደ ሰብኣይ ካብታ ኸተማ ኺወጽእ ርእዮም፡ በጃኻ መእተዊ እዛ ኸተማ ኣርእየና እሞ፡ ምሕረት ክንገብረልካ ኢና፡ በልዎ።
25. መእተዊ እታ ኸተማ ኸአ ኣርእዮም፡ ነታ ኸተማ ድማ ብስሕለት ሴፍ ወቕዕዋ። ነቲ ሰብኣይን ንብዘለው ዓሌቱን ግና ይኸዱ ሓደግዎም።
26. እቲ ሰብኣይ ድማ ናብ ምድሪ ሔታውያን ከይዱ ኸተማ ሰርሔ፡ ስማ ኸእ ሉዝ ሰመያ፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ስማ ንሱ እዩ።
27. ምናሴ ድማ ንቤትሽኣንን ንዓድታትን፡ ንተዓናቅን ንዓድታታን፡ ነቶም ኣብ ዶርን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ ኸአ፡ ነቶም ኣብ ይብልዓልም ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ ድማ ኣይወረሶምን። እቶም ከነኣናውያን ደአ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኺነብሩ ቖረጹ።
28. ኾነ ኸአ፡ እስራኤል ምስ በርትዔ፡ ነቶም ከነኣናውያን ኣገበሮም እምበር፡ ምልቃቕሲ ኣየልቀቖምን።
29. ኤፍሬምውን ነቶም ኣብ ጌዝር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ኣየልቀቖምን፡ እቶም ከነኣናውያን ከአ ኣብ ማእከሎም ኣብ ጌዝር ተቐመጡ።
30. ዛብሎን ነቶም ኣብ ቂጥሮን ዚነብሩን ነቶም ኣብ ናሃሎል ዚነብሩን ኣየልቀቖምን፡ ስለዚ እቶም ከነኣናውያን ኣብ ማእከሎም ተቐመጡ ገባሩ ድማ ኾኑ።
31. ኣሴር ነቶም ኣብ ዓኮ ዚነብሩን ነቶም ኣብ ሲዶንን ኣብ ኣሕላብን ኣብ ኣክዚብን ኣብ ሔልባን ኣ ኣፌቅን ኣብ ሬሖብን ዚነብሩ ኣየልቀቖምን።
32. ስለ ዘየልቀቖም ከአ፡ ኣሴራውያን ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ተቐመጡ።
33. ንፍታሌም ነቶም ኣብ ቤትሽመሽ ዚነብሩን ነቶም ኣብ ቤትዓናት ዚነብሩን ኣየልቀቖምን፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ደአ ተቐመጡ። እቶም ኣብ ቤት ሽመሽን ኣብ ቤትሽመሽ ዚነብሩን ነቶም ኣብ ቤትዓናት ዚነብሩን ኣየልቀቖምን፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኸነኣናውያን ደአ ተቐመጡ። እቶም ኣብ ቤት ሽመሽን ኣብ ቤት ዓናትን ዚነብሩ ግና ገባሮም ኮኑ።
34. እቶም ኣሞራውያን ድማ ንደቂ ዳን ናብ ከረን ደፍእዎም እምበር፡ ናብ ለሰ ኺወርዱ ኣይሓደግዎምን።
35. ኣሞራውያን ድማ ኣብ ሃርሔረስን ኣብ ኣያሎንን ኣብ ሻዓልቢምን ኪቕመጡ ቖረጹ። ግናኸ ኢድ ቤት ዮሴፍ ከበደቶም፡ ገባሩ ድማ ኾነ።
36. ዶብ ኣሞራውያን ከአ ካብ ዓቐበት ዓቅራቢም ካብ ሴላዕ ንላዕሊ ነበረ።

      Judges (1/21)