Joshua (9/24)  

1. ኮነ ኸአ፡ እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ከረንን ቁላን ኣብ ገምገም እቲ ዓብዩ ባሕሪ ብሸነኽ ሊባኖስ ዚነብሩ ኹሎም ነገስታት፡ ሔታውያንን ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን እዚ ምስ ሰምዑ፡
2. ምስ እያሱን ምስ እስራኤልን ኪዋግኡ ብሓደ ኾይኖም ተአኪቦም ተሰማምዑ።
3. ሰብ ጊብዓ ከአ እያሱ እቲ ኣብ ያሪኮን ኣብ ዓይን ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፡
4. ንሳቶም ድማ ተንኮል ገበሩ፡ ከም ልኡኻት መሲሎም፡ ኣረገውቲ ዓያብትን ቅዱድን እተለገበን ኣሕርብቲ ወይኒ ድማ ኣብ ኣእዱጎም ጽዒኖም፡
5. ኣረጊት እትለገበ ኣሳእን ከአ ኣብ ኣእጋሮም ገይሮም፡ ብላይ ክዳውንቲውን ተኸዲኖም ከዱ። ኩሉ እንጌራ ስንቆም ድማ ዝነቐጸን እተረፋረፈን ነበረ።
6. ናብ እያሱ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ከይዶም ከአ፡ ንእኡን ንሰብ እስራኤልን፡ ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና፡ ሕጂ ድማ ምሳና ኺዳን እተው፡ በልዎም።
7. ሰብ እስራኤል ከአ ንሃዋውያን፡ ምናልባሽ ኣብ ማእከልና ትነብሩ ኸይትኾኑ፡ ከምይ ጌርና ምሳኻትኩም ኪዳን ክንአቱ፡ በልዎም።
8. ንእያሱ ኸአ፡ ንሕና ገላውኻ ኢና፡ በልዎ። እያሱ ድማ እንታዎት ኢኹም ካበይከ መጺእኩም፡ በሎም።
9. ንሳቶም ከአ በልዎ፡ ወሪኡን እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮ ኹሉን ሰሚዕና እሞ፡ ገላውኻ ምእንቲ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኣዝዩ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና።
10. እቲ ነቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን፡ ንሲሆን ንጉስ ሔስቦንን፡ ነቲ ኣብ ኣስታሮት ዝነበረ ዖግ ንጉስ ባሳንን፡ ዝገበሮ ኹሉ ድማ ሰሚዕና።
11. እቶም ዓበይትን ኣብ ሀግርና ዚነብሩ ኹሎም ከምዚ ኢሎም ተዛረቡና፡ ስንቂ ንመገዲ ኣብ ኢድኩም ውሰዱ፡ ክትቀባበልዎም ድማ ኪዱ። ንሕና ገላውኹም ኢና፡ ሕጂ ኸአ ኪዳን እተውልና፡ በልዎም።
12. እዚ እንጌራና በታ ናባኻትኩም ክንከይድ ዝወጻእናላ መዓልቲ ካብ ኣባይትና ብውዑዩ ሰነቕናዮ፡ ሕጂ ግና እንሆ፡ ነቒጹን ተረፋሪፉን እዩ።
13. እዚ ኣሕርብቲ ወይኒ ኸአ ብሓደስቱ ዝመላእናዮ፡ እንሆ ተቐዲዱ፡ እዚ ኽዳውንትናን ኣሳእናን ድማ ካብ ምንዋሕ መገዲ በልዩ።
14. ሽዑ እቶም ሰባት ካብቲ ስንቆም ወሰዱ፡ ንኣፍ እግዚኣብሄር ከአ ኣይጠየቑን።
15. እያሱ ድማ ምሳታቶም ሰላም ገበረ፡ ብህይወቶም ኪሓድጎም ከአ ኪዳን አተወሎም። ሹማምቲ እቲ ኣኼባውን መሐሉሎም።
16. ኮነ ኸአ፡ ምሳታቶም ኪዳን ምስ ኣተው፡ ብድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ጎረቤቶም ምዃኖም፡ ኣብ ማእከሎም እኳ ደአ ኸም ዚነብሩ ሰምዑ።
17. ደቂ እስራኤል ከአ ነቒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ከተማታቶም መጹ። እተን ከተማታቶም ከአ ጊብዖንን ከፊራን ቤኤሮትን ቂርያት የዓሪምን እየን።
18. ግናኸ ደቂ እስራኤል ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎሙሎም ስለ ዝነበሩ፡ ኣይቀተልዎምን። ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸአ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎምሎም ስለ ዝነበሩ፡ ኣይቀተልዎምን። ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸአ ኣብቶም ሹማምቲ ኣጉረምረሙ።
19. እቶም ሹማምቲ ኹሎም ድማ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ፡ ንሕና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኣኤል ምሒልናሎም ኢና፡ ሕጂ ኸአ ክንትንክዮም ኣይንኽእልን።
20. ብዛዕባ እቲ ዝመሓልናሎም ማሕላ መዓት ከይወርደናስ፡ ከምዚ ግዳ ንግበሮም፡ ብህይወት ንሕደጎም፡ በልዎ።
21. እቶም ሹማምቲ፡ ብህይወት ይንበሩ በልዎም። ግናኸ፡ ከምቲ ሹማምቲ ዝበልዎም፡ ንብዘሎ ኣኼባ ቑረጽቲ ዕጨይትን ወረዲ ማይን ኮኑ።
22. እያሱ ድማ ናብኡ ጸዊዑ፡ ኣብ ማእከልና ኽነስኹምሲ፡ ንሕና ኻባኹም ኣዚና ርሑቓት ኢና፡ ብምባልኩም ስለምንታይ ጠበርኩምና፡
23. ሕጂ ድማ ንስኻትኩም ርጉማት ኢኹም፡ ባርነት ከአ ካባኻትኩም ኣይለቀቕን። ንቤት ኣምላኸይ ቖረጽቲ ዕጨይትን ወረዲ ማይን ክትኮኑ ኢኹም፡ ኢሉ ተዛረቦም።
24. ንሳቶም ድማ ንእያሱ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሙሴ ባርያኡ ብዘላ ምድሪ እዚኣ ኺህበኩም፡ ኣብዛ ሃገር እዚ ገበርና።
25. ሕጂ ድማ እንሆ፡ ኣብ ኢድካ ኢና፡ ንኣና ኽትገብሮ ጽቡቕን ቅኑዕን መሲሉ እተራእየካ ግበር፡ ኢሎም መለሱሉ።
26. ከምኡ ከአ ገበሮም፡ ካብ ኢድ ደቂ እስራኤል ድማ ኣናገፎም፡ ንሳቶምውን ኣይቀተልዎምን።
27. እያሱ ኸአ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ኣኼባን ንመሰውኢ እግዚኣብሄርን ኣብታ ንሱ ዝሐረያ ቦታ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቖረጽቲ ዕጨይትን ወረዲ ማይን ገብሮም።

  Joshua (9/24)