Joshua (8/24)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር። ተዋጋኢ ዘበለ ህዝቢ ውሰድ፡ ተንስእ እሞ ናብ ዓይ ደይብ። ርኤ፡ ኣነ ንንጉስ ዓደይን ንህዝቡን ከተማኡን ሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ።
2. ከምቲ ንያሪኮን ንጉሳን ዝገበርካዮ፡ ንዓይን ንንጉሳን ድማ ክትገብር ኢኻ፡ ጥራይ ምርኮኣን ከብታን ንኣኻትኩም ማርኹ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ድብቕ ግበር፡ በሎ።
3. እያሱ ኸአ ምስ ኩሉ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ናብ ዓይ ኪድይብ ተንስኤ። እያሱ ድማ ሰላሳ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት ሐርዩ ብለይቲ ሰደዶም።
4. ከምዚ ኢሉ ኸአ ኣዘዞም፡ ርአዩ፡ ነታ ኸተማ፡ ብድሕሪ እታ ኸተማ፡ ደብቑላ፡ ካብቲ ኸተማ አዚኹም ኣይትርሐቑ። ኹሉኹም ከአ እተዳሎኹም ኩኑ።
5. ኣነን እቲ ምሳይ ዘሎ ኹሉ ህዝብን ድማ፡ ናብታ ኸተማ ኽንቀርብ ኢና። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ኪቀባበሉና ምስ ወጹ፡ ካብ ቅድሚኦም ክንሀድም ኢና።
6. ሽዑ ከምቲ ቐዳማይ ካብ ቅድሜና ይሀድሙ ኣለው፡ ኪብሉ እዮም እሞ፡ ወጺኦም ኪስዕቡና፡ ካብታ ኸተማ ኽሳዕ እንስሕቦም፡ ካብ ቅድሚኦም ክንሀድም ኢና።
7. እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንእኣ ኣብ ኢድኩም ኪህበኩም እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ ካብቲ እተደበቕኩምሉ ተንሲእኩም፡ ነታ ኸተማ ሐዝዋ።
8. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ነታ ኸተማ ምስ ሐዝኩምዋ፡ ብሓዊ ተኩስዋ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ግበሩ። እንሆ፡ ናብቲ ዚድብቑሉ፡ ኣብ መንጎ ቤትኤልን ዓይን፡ ከይዶም ከአ ኣብ ሸነኽ ምዕራብ ዓይ ተቐመጡ። እያሱ ግና ብታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ህዝቢ ሐደረ።
9. ንጽብሒቱ ድማ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነቲ ህዝቢ ቖጺሩ ኸአ፡ ንሱ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ቀቅድሚ እቲ ናብ ዓይ ደየበ።
10. ንጽብሒቱ ድማ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነቲ ህዝቢ ቖጺሩ ኸአ፡ ንሱ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ቀቅድሚ እቲ ናብ ዓይ ደየበ።
11. እቲ ምስኡ ዝነበረ ኹሉ ተዋጋኢ ዘበለ ህዝቢ ድማ ደየበ፡ ቀሪቦም ከአ ናብ መንጽር እታ ኸተማ መጺኦም፡ ብሰሜን ዓይ ሰፈሩ ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዓይን ከአ ለሰ ነበረ።
12. ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ወሲዱ፡ ኣብ መንጎ ቤትኤልን ዓይን ብምዕራብ እታ ኸተማ ድብቕ ኣንበሮም።
13. ንብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ ነቲ ብሰሜን እታ ኸተማ ዝነበረ ኹሉ ጭፍራን ነቶም ብምዕራብ እታ ኸተማ ዝነበሩ ድቡቓቱን ከምኡ ኣስፈርዎም፡ እያሱ ኸኣ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእከል እቲ ለሰ ኸደ።
14. ኮነ ኸአ፡ ንጉስ ዓይ እዚ ምስ ረአየ፡ ሰብ እታ ኸተማ ቐልጢፎም ኣንጊሆም ተንስኡ እሞ፡ ንሱን ህዝቡን፡ ብጊዜኡ ንእስራኤል ንውግእ ኪቃባበልዎም፡ ናብ ቅድሚ እቶ ጎልጎል ወጹ፡ ብድሕሪ እታ ኸተማ ደቢቖምሉ ኸም ዘለው ግና ኣይፈለጠን ነበረ።
15. እያሱን ብዘለው እስራኤልን ከአ፡ ኣብ ቅድሚኦም ከም እተሳዕሩ፡ ብመገዲ በረኻ ኣቢሎም ሀደሙ።
16. ሽዑ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ኹሎም ህዝቢ፡ ኪሰጉዎም ብኣውያት ተአከቡ፡ ንእያሱ ድማ ሰጎጎዎ፡ ካብታ ኽተማ ኸአ ተሳሕቡ።
17. ኣብ ዓይን ኣብ ቤትኤልን ደድሕሪ እስራኤል ኪስዕብ ዘይወጸ ሰብ ኣይተረፈን። ነታ ኸተማ ብኽፍትታ ሓዲጎምዋ፡ ደድሕሪ እስራኤል ሰዐቡ።
18. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ንዓይ ኣብ ኢድካ ዘሎ ኹናት ናብኣ ኣቢልካ ዘርግሓዮ በሎ። እያሱ ኸአ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ኹናት ናብ ከተማ ኣቢሉ ዘርግሖ።
19. እቶም ተደቢቖም ዝነበሩ ድማ፡ ንሱ ኢዱ ምስ ዘርግሓ፡ ቀልጢፎም ካብ ስፍርኦም ተንስኡ እሞ ጎይዮም ናብታ ኸተማ ኣተው ሐዝዋ ኸአ፡ ቀልጢፎም ድማ ብሓዊ ተኮስዋ።
20. እቶም ሰብ ዓይ ንድሕሪኦም ግልጽ እንተ በሉ፡ እንሆ ኸአ፡ ትኪ እታ ኸተማ ንሰማይ ኪድይብ ረአዩ፡ ሽዑ ናብዚ ኾነ ናብቲ ኺሀድሙ ኽእለት ኣይነበሮምን፡ እቶም ንበረኻ ኣቢሎም ዝሀድሙ ህዝቢ ኸኣአ ናብቶም ሰጎጎቶም ኣቢሎም ተመልሱ።
21. እያሱን ብዘለው እስራኤልን፡ እቶም ደቡቓት ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋ፡ ትኪ እታ ኸተማውን ንላዕሊ ኸም ዝደየበ ምስ ረአዩ፡ ተመልሱ ኣሞ፡ ንሰብ ዓይ ቀተልዎም።
22. እቲኣቶም ከአ ኪቀባበልዎም ካብ ከተማ ወጹ። ሽዑ እዚኣቶም በዚ፡ እቲኣቶም ከአ በቲ፡ ኣብ ማእከል እስራኤል ኮነ። ንሳቶም ድማ፡ ሓደ እኳ ኸየትረፉን ከየምለቑን፡ ቀተልዎም።
23. ንንጉስ ዓይ ከአ ብህይወቱ ኸሎ ሒዞም፡ ናብ እያሱ ኣምጽእዎ።
24. ኮነ ኸአ፡ እስራኤል ነቶም ኩሎም ሰብ ዓይ ኣብቲ ዚሰጉዎም ዝነበሩ፡ ኣብ ግራውቲ ሰብ ዓይ ኣብቲ ዚሰጎዎም ዝነበሩ፡ ኣብ ግራውቲ ኣብ በረኻ ቐቲሎም ምስ ወድኡ፡ ንሳቶም ክሳዕ ዚውድኡ ኸአ ኹሎም ብስሕለት ሴፍ ምስ ወደቑ፡ ሽዕ ብዘለው እስራኤል ናብ ዓይ ተመልሱ እሞ፡ ንእኣ ብስሕለት ሴፍ ወቕዕዋ።
25. እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ዝወደቑ ኹሎም፡ ካብ ሰብኣይን ካብ ሰበይትን ኩሎም ሰብ ዓይ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ኮኑ።
26. እያሱ ድማ ብዘለው ሰብ ዓይ ክሳዕ ዜጥፍኦም፡ ነታ ኹናት ዝዘርግሔት ኢድ ኣይመለሳን።
27. እስራኤል፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝአዘዞ፡ ከብትን ምርኮ እታ ኸተማ እቲኣን ጥራይ ማሪኾም ወሰዱ።
28. እያሱ ኸአ ንዓይ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ክሳዕ ሎሚ ከአ ዑና ኹምራ ዘለኣለም ገበራ።
29. ንንጉስ ዓይ ድማ ክሳዕ ምሸት ኣብ ኦም ሰቐሎ፡ ጸሐይ ምስ ዐረበት ከአ፡ እያሱ ነቲ ሬስኡ ኻብ ኦም ኬውርድዎ አዘዘ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደርበይዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ ኦሚ ዘሎ ዓብዩ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ።
30. ሽዑ እያሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ከረን ዔባይ መሰውኢ ሰርሓሉ።
31. ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ዝአዘዞም፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ኸአ ተጽሒፉ ዘሎ፡ መሰውኢ ኻብ ዘይተወቕረ፡ ሓጺን ዘይተንከዮ ኣእማን፡ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉ፡ መስዋእቲ ምስጋናውን ሰውኡ።
32. እቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝጸሐፎ ሕጊ፡ ንሱ ኸአ ከምኡ ኣብቲ ኣእማን ጸሐፎ።
33. ድማ ኩሉ እስራኤልን ዓበይቱን መኳንንቱን ፈረዱን፡ ጓና ኸም ወዲ ዓዲ፡ ንታቦት በዝን በተን ኣብ መንጽር እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሌዋውያን ካህናት፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ኪባረኹ ቕድም ዝአዘዞ፡ ፍሮም ብሸነኽ ከረን ዔባን ቆሙ።
34. ድሕርዚ ንብዘሎ ቓላት ሕጊ፡ ነቲ በረኸትን መርገምን፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጻሒፉ ዘሎ ኹሉ ኣንበቦ።
35. ካብቲ ሙሴ ዝአዘዞ ኹሉ፡ ኣያሱ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን ኣንስትን ሕጻናትን ኣብ ማእከሎም ዝኸዱ ጓኖትን ዘይንበቦ ቓል ኣይነበረን።

  Joshua (8/24)