Joshua (7/24)  

1. ደቂ እስራኤል ግና ኣብቲ ሕሩም ነገር ኣበሳ ኣበሱ። ካብ ነገድ ይሁዳ ኣካን፡ ወዲ ካርሚ ወዲ ዛብዲ ወዲ ዜራሕ፡ ካብቲ እተሐርመ ወሰደ እሞ፡ ኩራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ።
2. እያሱ ድማ ካብ ያሪኮ ብምብራቕ ቤትኤል ኣብ ጥቓ ቤትኣዌን ዘላ ዓይ ሰባት ሰደደ፡ ደይብኩም ነታ ሃገር ሰልይዋ፡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰባት ከአ ደይቦም ንዓይ ሰለይዋ።
3. ናብ እያሱ ተመሊሶም ድማ፡ ኩሉ ህዝቢ ኣይደይብ፡ ሒደት እዮም እሞ፡ ንብዘሎ ህዝቢ ናብኣ ኣይተድክሞ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ሽሕ ዚአክል ሰብ ደኣ ይደይብ፡ ንዓይ ከአ ይውቅዕዋ፡ በልዎ።
4. ካብቲ ህዝቢ ድማ ሰለሰተ ሽሕ ዝአክል ሰብ ናብኣ ደየበ። ግናኸ ካብ ቅድሚ እቶም ሰብ ዓይ ሀደሙ።
5. እቶም ሰብዓይ ካብኦም ኣስታት ሰላሳን ሹዱሽተን ሰብ ቀተሉ፡ ካብ ደገ ኽሳዕ ሰባሪም ሰጎጉዎም፡ ኣብቲ ቑልቁለት ድማ ወቕዕዎ። ሽዑ ልቢ እቲ ህዝቢ መኸኸ፡ ከም ማይ ከአ ኾነ።
6. እያሱን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ድማ ክዳውንቶም ቀዲዶም፡ ኣብ ኣራእሶም ድማ ሓመድ ነስኒሶም፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ።
7. እያሱ ድማ በለ፡ ኣየ ጐይታይ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ኢድ ኣሞራውያንን ሂብካ ኸተጥፍኣናስ፡ ስለምንታይ ደአ ነዚ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ዘሳገርካዮ፡ ኣየ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ እንተ ንቕመጥ፡ ግዳ ምፈቶና።
8. ወይለይ ጐይታይ፡ እስራኤል ዝባኑ ናብ ገጽ ጸላእቱ ኻብ መለሰ፡ እንታይ ክብል እየ፡
9. ከነኣናውያንን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኹሎምን፡ ኪሰምዑ እዮም እሞ ኪኸቡና፡ ስምና ድማ ካብ ምድሪ ኼጽንቱ እዮም። ነቲ ዓብዩ ስምካ ደአ እንታይ ክትገብር ኢኻ፡
10. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ተንስእ፡ ስለምንታይ ከምዚ ብገጽካ ትድፉእ፡
11. እስራኤል ሓጢኣት ገበረ፡ እቲ ዝአዘዝክዎም ኪዳነይ ከአ ኣፍረሱ፡ ካብቲ ሕሩም ወሰዱ ሰረቑ ኸአ፡ ሐሰው ድማ፡ ኣብ ማእከል ኣቕሓውን ኣንበርዎ።
12. ስለዚ ደቂ እስራኤል ተሓሪሞም እዮም እሞ፡ ዝባኖም ናብ ገጽ ጸላእቶም ይመልሱ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ኪቖሙ ኣይኽእሉን። ነቲ ሕርሚ ኻብ ማእከልኩም እንተ ዘየጥፋእኩም ኣነ ደጊም ምሳኻትኩም ኣይከውንን እየ።
13. ተንስእ እሞ፡ ነቶም ህዝቢ ቀድሶም፡ በሎምውን ንጽባሕ ተቐደሱ። እግዚብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ ኣታ እስራኤል፡ ሕርሚ ኣብ ማእከልካ ኣሎ፡ ነቲ ሕርሚ ኻብ ማእከልኩም ክሳዕ እተርሕቕዎ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኽትቀውም ኣይትኽእልን።
14. ጽባሕ በብነገድኩም ቅረቡ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዚወስዶ ነገድ በብዓሌቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዚወስዶ ዓሌት ድማ፡ በብማይ ቤቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዚወሰዶ ማይ ቤት ከአ፡ በብሰባኣይ ይቕረብ።
15. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ሕርሚ እተረኽቦ፡ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣፍሪሱ፡ ኣብ እስራኤል ከአ ነውሪ ገይሩ እዩ እሞ፡ ንሱን ዘለዎ ኹሉን ብሓዊ ይንደድ።
16. እያሱ ኸአ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ንእስራኤል ድማ በብነገዱ ኣቕረቦ እሞ ነገድ ይሁዳ ተወስደ።
17. ንዓሌታት ይሁዳ ኸአ ኣቕረቦም እሞ ዓሌት ዜራሓውያን ወሰደ። ንዓሌት ዜራሓውያን ድማ በብሰብኣይ ኣቕረቦም እሞ ዛብዲ ተወስደ።
18. ንማይ ቤቱ ኸአ በብሰብኣይ ኣቕረቦም እሞ ኣካን፡ ወዲ ካርሚ ወዲ ዛብዲ ወዲ ዜራሕ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ ተወሰደ።
19. እያሱ ድማ ንኣካን፡ ወደይ በጃኻ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣኽብሮ ተናዘዘሉውን፡ እንታይ ከም ዝገበርካ ንገረኒ፡ ኣይትሕባኣለይ፡ በሎ።
20. ኣካን ድማ ንእያሱ መሊሱ በሎ፡ ሓቂ እዩ፡ ኣነ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል በዲለዮ እየ፡ ከምዝን ከምዝን ገበርኩ፡
21. ኣብቲ እተዘምተ ሓደ ጽቡቕ ባርኖስ ሰንኣርን ክልተ ሚኣቲ ሲቃልን ብሪርን ሓምሳ ሲቃል ዝሚዛኑ ልሳን ወርቅን ምስ ራኤኩ፡ ሽዑ ተመኔኽዎ እሞ ውሰድክዎ፡ እንሆ ኸአ፡ ኣብ ማእከል ድንኳነይ ኣብ ምድሪ፡ እቲ ብሩር ድማ ብትሕቲኡ፡ ተሓቢኡ ኣሎ።
22. ሽዑ እያሱ ልኡኻት ሰደደ፡ ናብቲ ድንኳን ከአ ጎየዩ፡ እንሆ ድማ ኣብ ድንኳኑ ተሓቢሹ፡ እቲ ብሩርውን ብትሕቲኡ ነበረ።
23. ካብ ማእከል እቲ ድንኳን ወሲዶም፡ ናብ እያሱን ናብ ኩሎም ደቂ እስራኤልን ኣምጺኦም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበርዎ።
24. ሽዑ እያሱ፡ ኩሉ እስራኤል ከአ ምስኡ፡ ንኣካን ውዲ ዜራሕን ነቲ ብሩርን ባርኖስን ወርቅን ነወዳቱን ኣዋልዱን ኣብዑሩን ኣእዱጉን ኣባጊዑን ድንኳኑን ዘለዎ ኹሉን ወሲዶም፡ ናብ ጋግ ዓኮር ኣደየብዎ።
25. እያሱ ድማ፡ ስለምንታይ ኣሸገርካና፡ እግዚኣብሄር በዛ መዓልቲ እዚኣ ኼሸግረካ እዩ፡ በለ። ኩሉ እስራኤል ድማ ብዳርባ እምኒ ቐተሎ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተሎም ከአ ብሓዊ ኣንደድዎም።
26. ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓብዩ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ። እግዚኣብሄር ድማ ካብ ረስኒ ኹራኡ ተመለሰ። ስለዚ ኸአ ስም እታ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ጋግ ዓኮር ይበሀል ኣሎ።

  Joshua (7/24)