Joshua (6/24)  

1. ያሪኮ ድማ ብምኽንያት ደቂ እስራኣኤል ተዐጽያን ተሽጉራን ነበረት። ዚወጽእ ኮነ፡ ዚአቱ ኮነ ኣይነበረን።
2. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ርኤ ያሪኮን ንጉሳን ኣቶም ሓያልት ጀጋኑኣን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ።
3. ኩልኺም ተዋጋእቲ ሰባት ነታ ኸተማ ኸቢብኩም ሓንሳእ ዙርዋ። ሹዱሽተ መዓልቲ ኸምኡ ግበሩ።
4. ሾብዓተ ኻህናት ከአ ቀቅድሚ ታቦት ኮኖም ሾብዓተ መለኸት እልልታ ይውሰዱ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሶብዓተ ሳዕ ዙርዋ፡ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ።
5. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ መለኸት እልልታ ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ፡ እቲ ደሃይ መለኸት ድማ ምስ ሰማዕኩም፡ ኩሉ ህዝቢ ዓው ኢሉ ይጨድር። መከባብያ እታ ኸተማ ኸአ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ኺወድቕ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ኺድይብ እዩ።
6. ሽዑ እያሱ ወዲ ነዌ ነቶም ካህናት ጸዊዑ፡ ታቦት ኪዳን ውሰዱ፡ ሾብዓተ መለኸት እልልታ ይውሰዱ በሎም።
7. ነቶም ህዝቢ ድማ፡ ሕለፉ እሞ ነታ ኸተማ ዙርዋ፡ ሰልፈኛ ዘበለ ኸአ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ይሕለፍ በሎም።
8. ኮነ ኸአ እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ሾብዓተ ኻህናት ድማ ሾብዓተ መለኸት እልልታ ሒዞም ነቲ መለኸት እናነፍሑ ቐቅድሚ እግዚኣብሄር ሐለፉ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ከአ ድድሕሪኦም ይከይድ ነበረ።
9. እቲ እተሰለፈ ዘበለ ድማ ቀቅድሚ እቶም መለኸት ዚነፍሑ እናነፍሑ ኪኸዱ ኸለው ኸኣ፡ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ደድሕሪ ታቦት ይስዕቡ ነበሩ።
10. እያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ ጫውጫው ኣይትበሉ፡ ድምጽኹም ከአ ኣይተስምዑ፡ ገለ ቓል ድማ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ፡ ክሳዕ እታ ኣነ፡ ኣውክዑ ዝብለኩም መዓልቲ ሽዑ ኣውክዑ ኢሉ ኣዘዞም።
11. ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ሓንሳእ ኣዞሮ፡ ናብ ሰፈር ኣትዮም ከአ ኣብቲ ሰፈር ሓደሩ።
12. ንጽብሒቱ ድማ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ እቶም ካህናት ከአ ንታቦት እግዚኣብሄር ጾርዎ።
13. እቶም ሾብዓተ ኻህናትውን ሾብዓተ መለኸት እልልታ ሒዞም፡ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር እናኸዱ፡ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ሰልፈኛ ዘበለ ኸአ ቀቅድሚኦም ከደ፡ እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ኪኸዱ ኸለው ድማ፡ እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ደድሕሪ ታቦት እግዚኣብሄር ይስዕብ ነበረ።
14. በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሓንሳእ ዞይሮም፡ ናብ ሰፈር ተመልሱ። ሹዱሽተ መዓልቲ ኸምኡ ገበሩ።
15. ኮነ ኸአ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ወጋሕታ ተንሲኦም፡ ነታ ኸተማ ኸምኡ ገይሮም፡ ሽብዓተ ሳዕ ዞርዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራይ ነታ ኸተማ ሾብዓተ ሳዕ ዞርዋ።
16. ኮነ ኸአ፡ እቶም ካህናት በቲ ሳብዓይ ሳዕ መለኸት ምስ ነፍሑ፡ እያሱ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ እዚኣ ሂብኩም እዩ እሞ፡ ኣውክዑ።
17. እዛ ኸተማ፡ ንሳን ኣብኣ ዘሎ ኹሉን ንእግዚኣብሄር ሕርሚ ትኹን። ረሃብ ኣመንዝራ ጥራይ ነቶም ዝሰደድናዮም ልኡኻት ስለ ዝሓብኣቶም፡ ንሳን ኣብ ቤት ምስኣ ዘለው ኹሎምን ብህይወት ይትረፉ።
18. ሓንትስ ንስኻትኩም ከአ ምስ ሓረምኩምዎ፡ ካብቲ እተሐርመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ርጉም ከይትገብርዎ፡ መከራውን ከይተምጽኡሉስ፡ ካብቲ እተሐርመ ነገር ተጠንቀቑ።
19. ብዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣቕሓ ኣስራዝን ሓጺንን ንሱ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን እሞ ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ይእቶ።
20. ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣውክዑ ካህናትውን መለኸት ነፍሑ። ኮነ ኸአ እቶም ህዝቢ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዑ፡ ዓው ኢሎም ኣውክዑ። ሽዑ እቲ መንደቕ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ወደቐ። እቲ ህዝቢውን ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ደይቡ ናብታ ኸተማ ኣተው፡ ነታ ኸተማ ድማ ሐዝዋ።
21. ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ዘበለ ኸአ ኣጥፍእዎ። ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ካብ ቆልዓ ኽሳዕ ኣረጊት፡ ክሳዕ ብዕራይ በጊዕን ኣድግን ብስሕለት ሴፍ ኣጥፍእዎም።
22. እያሱ ድማ ነቶም ነታ ሃገር ዝሰለዩ ኽልተ ሰብኣይ፡ ናብ ቤት እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተው እሞ፡ ከምቲ ዝመሓለኩምላ፡ ነታ ሰበይትን ምስኣ ዘሎ ኹሉን ካብኣ ኣውጽኡ፡ በሎም።
23. እቶም ኣጉባዝ፡ እቶም ሰለይቲ፡ ኣትዮም ንረሃብን ነቦኣን ነዲኣን ነሕዋታን ዘለዋ ኹሉን ኣውጽኡ፡ ንብዘሎ ዓሌታ ድማ ኣውጽኡ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር እስራኤል ኣቐመጥዎም።
24. ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዝነበረ ኹሉን ብሓዊ ኣንደዱ። ብሩርን ወርቅን ኣቓሑ ኣስራዝን ሓጺንን ጥራይ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ገበሩ።
25. ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ንያሪኮ ኺስልዩ እያሱ ዝሰደዶም ልኡኻት ስለ ዝሓብኣቶም እያሱ ንእኣን ንቤት ኣቦኣን ንኹሉ ዘለዋን ብህይወት ሓደገ። ክሳዕ ሎሚ ኸአ ኣብ ማእከል እስራኤል ትነበር ኣላ።
26. በታ ጊዜ እቲኣ እያሱ ኸምዚ ኢሉ መሐለ፡ ነዛ ኸተማ ያሪኮ ኺሰርሓ ኢሉ ዚልዐል፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹን። ብበኹሪ ወዱ ይሰርታ፡ ደጊታታ ድማ በቲ ዝነአሰ ወዱ የቑም።
27. እግዚኣብሄር ምስ እያሱ ነበረ እሞ፡ ወሪኡ ናብ ብዘላ እታ ሃገር በጽሔ።

  Joshua (6/24)