Joshua (5/24)  

1. ኮነ ኸአ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ዝነበሩ ኹሎም ነገስታት ኣሞራውያንን እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ነገስታት ከነኣናውያንን፡ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ክሳዕ እንሳገሮ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዘንቀጾ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም መኸኸ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ ትንፋስ ኣይተረፈቶምን።
2. በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንእያሱ፡ በሊሕ ጽልጽለ ጌርካ፡ ከም ብሓድሽ ንደቂ እስራኤል ካልኣይ ሳዕ ግዘሮም በሎ።
3. እያሱ ድማ በሊሕ ጽልጽለ ኣንጺሉ፡ ንደቂ እስራኤል ኣብ ኩርባ ዓራሎት ገዘሮም።
4. እቲ እያሱ ዝገዘሮም ምኽንያቱ እዚ እዩ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ፡ ተባዕትዮ ዘበለ ኹሎም ተዋጋእቲ ኻብ ግብጺ ወኢጺኦምሲ፡ ኣብ በረኻ ኣብ መገዲ ሞቱ።
5. እቶም ዝወጹ ህዝብስ ኩሎም ግዙራት ነይሮም፡ እቶም ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣብ በረኻ ኣብ መገዲ እተወልዱ ኹሎም ህዝቢ ግና ኣይተገዝሩን ነበሩ።
6. ደቂ እስራኤል፡ ኩሉ እቲ ህዝቢ፡ እቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ ተዋጋእቲ ሰብኡት፡ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰምዕዎ፡ ክሳዕ ዚውጽኡ፡ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ተጓዕዙ። እግዚኣብሄር ድማ እታ ንኣና ኺህበና ነቦታቶም ዝመሓለሎም ምድሪ፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ከየርእዮም መሐለ።
7. ነቶም ኣብ ክንዳኦም ዘተንስኦም ደቆም ከአ፡ ኣብ መገዲ ስለ ዘይተሳገሩ፡ ዕልቦታት ነበሩ እሞ፡ እያሲ ገዘሮም።
8. ኮነ ኸአ፡ ንብዘሎ ህዝቢ ገዘሮም ምስ ፈጸሙ፡ ክሳዕ ዚሐውዩ፡ ኣብቲ ሰፊሮምዎ ዝነበሩ ሰፈር ተቐመጡ።
9. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ሎሚ ነቲ ናይ ግብጺ ነውሪ ኻባኻትኩም ኣንካራሮኽዎ፡ በሎ። ስም እታ ቦታ እቲኣ ኸአ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጊልጋል ይብሀል አሎ።
10. ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ጊልጋል ሰፈሩ፡ ካብታ ወርሒ ኸአ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኣጋ ምሸት ኣብ ጎልጎል ያሪኮ ፋስጋ ገበሩ።
11. ጽባሕ ፋስጋ ድማ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ እኽሊ እታ ምድሪ፡ ቅጫን ቆሎን ስርናይን በልዑ።
12. እኽሊ እታ ምድሪ ምስ በልዑ ንጽብሒቱ እቲ ማና ኣቛረጾ፡ ደቂ እስራኤል በታ ዓመት እቲኣ ኻብ እቶት ምድሪ ኸነኣን በልዑ እምበር፡ ድሕሪኡስ ማና ኣይነበሮምን።
13. ኮነ ኸአ፡ እያሱ ኣብ ጥቓ ያሪኮ ኾሎ፡ ኣዒንቱ ቛሕ ኣቢሉ ረአየ፡ እንሆ ድማ እተመልሔ ሴፍ ኣብ ኢዱ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ነበረ። እያሱ ኸአ ናብኡ ኸይዱ፡ ንስኻ ናትናሶ ወይ ናይ ጸላእትና ኢኻ፡ በሎ።
14. ንሱ ድማ፡ ኣይፋለይ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኮይነ ደአ፡ ሕጂ መጺኤ ኣሎኹ በለ። እያሱ ኸአ ብገጹ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰጊዱ፡ ጐይታይ ንባርያኡ ዚብሎ እንታይ እዩ፡ በለ።
15. እቲ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ እያ እሞ፡ ኣስእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ በሎ። እያሱ ኸአ ከምኡ ገበረ።

  Joshua (5/24)