Joshua (4/24)  

1. ኮነ ኸአ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ፈጺሙ ምስ ተሳገረ፡ እግዚኣብሄር ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ካብ ህዝቢ ዓሰርተው ክልተ ሰባኣይ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ንኣኻትኩም ውሰዱ፡
3. ካብዚ ኻብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቖማላ ቦታ፡ ንኣኻትኩም ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣልዒልኩም ምሳኻትኩም ናብ ማዕዶ ተማልእዎ። ኣብቲ በዛ በለይቲ እዚኣ እተሓድሩሉ መሕደሪ ኣንብርዎ፡ ኢልኩም ከአ ኣዘዝዎም።
4. ሽዑ እያሱ ነቶም ካብ ደቂ እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይ ኣዳሊውዎም ዝነበረ ጸውዖም።
5. እያሱ ድማ በሎም፡ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ማእከል ዮርድኖስ ሕለፉ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከአ፡ ብቑጽሪ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ ሓሓንቲ እምኒ ኣብ መመንኮብኩም ኣልዕሉ።
6. እዚ ኣብ ማእከልኩም ንምልክት ኪኸውን እዩ፡ ደቅኹም ብዚመጽእ ጊዜ፡ እዚ ኣእማን እዚ ንምንታይ እዩ፡ ኢሎም ምስ ዚጥይቕኹም፡
7. ሽዑ ንስኻትኩም፡ ማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዘቋረጸ፡ ኣሞ እዚ ኣእማን እዚ ንደቂ እስራኤል ንዘልኣለም ንመዘከርታ እዩ፡ ትብልዎም።
8. ደቂ እስራኤል ከአ ከምቲ እያሱ ዝአዘዞም ከምኡ ገበሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝበሎ ድማ፡ ብቑጽሪ ነገዳት ደቂ እስራኤል ካብ ማኣከል ዮርዳኖስ ዓሰርተው ክልተ ኣምኒ ኣልዐሉ፡ ናብቲ ዚሓድሩሉ ድማ ምስኦም ተማልእዎ፡ ኣብኡ ኸኣአ ኣንበርዎ።
9. እያሱ ድማ ኣብ ማኣከል ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ዝቖማላ ቦታ ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣቖመ። ክሳዕ ሎሚ ኸአ ኣብአ ኣሎ።
10. እቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ንዝህቢ ኺነግር ዝአዘዞ ኹሉ ነገር፡ ከምቲ ሙሴ ንእያሱ ዝአዘዞ ኹሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ እቶም ታቦት ዘጾሩ ኽህናት ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ ደው በሉ። እቶም ህዝቢ ኸአ ቀልጢፎም ተሳገሩ።
11. ኮነ ድማ፡ ኩሉ ኣቲ ህዝቢ ጠሪሱ ምስ ተሳገሩ፡ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ከአ ምስቶም ካህናት ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ተሳገረ።
12. ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ድማ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡ ኣጽዋር ሒዞም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ተሳገሩ።
13. ኣስታት ኣርብዓ ሽሕ ኣጽዋር ሒዞም ንውግእ ተዳልዮም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጎልጎል ያሪኮ ኺዋግኡ ተሳገሩ።
14. በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚብሄር ንእያሱ ኣብ ቅድሚ ኹሉ እስራኤል ኣዕበዮ። ከምቲ ንሙሴ ብኹሉ መዓልትታት ህይወቱ ዚፈርህዎ ዝነበሩ፡ ንእኡ ኸአ ፈሪህዎ።
15. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ነቶም ታቦት ምስክር ዚጾሩ ኻህናት ካብ ዮርዳኖስ ኪድይቡ ኣዝዞም፡ ኢሉ ተዛረቦ።
16. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ነቶም ታቦት ምስክር ዚጾሩ ኻህናት ካብ ዮርዳኖስ ኪድይቡ ኣዝዞም፡ ኢሉ ተዛረቦ።
17. እያሱ ድማ ነቶም ካህናት፡ ካብ ዮርዳኖስ ደይቡ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
18. ኮነ ኸአ፡ እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ኻህናት ካብ ማእከል ዮርዳኖስ ደይቦም፡ ከብዲ ኣእጋሮም ናብቲ ንቑጽ ምስ ረገጸ፡ ማይ ዮርዳኖስ ናብ ስፍራኡ ተመሊሱ፡ ከም ቀደሙ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ገምገሙ ወሐዘ።
19. እቶም ህዝቢ ድማ ካብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ብዓስረይቲ መዓልቲ ኻብ ዮርዳኖስ ደየቡ፡ ብወሰን ምብራቓ ንያሪኮ፡ ኣብ ጊልጋል ከአ ሰፈሩ።
20. እያሱ ድማ ነቲ ኻብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎ ዓሰርተው ክልተ እምኒ፡ ኣብ ጊልጋል ኣቖሞ።
21. ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ደቅኹም ጽባሕ፡ እዚ ኣእማን እዚ ኣንታይ እዩ፡ ኢሎም ነቦኣትቶም እንተ ጠየቑ፡ እስራኤል ነዚ ዮርድኖስ እኒ ብንቑጽ ተሳገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ዘንቀጾ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ብማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀጾ። ኩሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ምእንቲ ኽፈልጡ፡ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ወርትግ ምእንቲ ኽትፈርህዎ እዩ፡ ኢልኩም ንደቅኹም ኣፍልጥዎም።
22. ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ደቅኹም ጽባሕ፡ እዚ ኣእማን እዚ ኣንታይ እዩ፡ ኢሎም ነቦኣትቶም እንተ ጠየቑ፡ እስራኤል ነዚ ዮርድኖስ እኒ ብንቑጽ ተሳገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ዘንቀጾ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ብማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀጾ። ኩሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ምእንቲ ኽፈልጡ፡ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ወርትግ ምእንቲ ኽትፈርህዎ እዩ፡ ኢልኩም ንደቅኹም ኣፍልጥዎም።
23. ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ደቅኹም ጽባሕ፡ እዚ ኣእማን እዚ ኣንታይ እዩ፡ ኢሎም ነቦኣትቶም እንተ ጠየቑ፡ እስራኤል ነዚ ዮርድኖስ እኒ ብንቑጽ ተሳገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ዘንቀጾ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ብማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀጾ። ኩሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ምእንቲ ኽፈልጡ፡ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ወርትግ ምእንቲ ኽትፈርህዎ እዩ፡ ኢልኩም ንደቅኹም ኣፍልጥዎም።
24. ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ደቅኹም ጽባሕ፡ እዚ ኣእማን እዚ ኣንታይ እዩ፡ ኢሎም ነቦኣትቶም እንተ ጠየቑ፡ እስራኤል ነዚ ዮርድኖስ እኒ ብንቑጽ ተሳገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ዘንቀጾ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ብማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀጾ። ኩሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ምእንቲ ኽፈልጡ፡ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ወርትግ ምእንቲ ኽትፈርህዎ እዩ፡ ኢልኩም ንደቅኹም ኣፍልጥዎም።

  Joshua (4/24)