Joshua (24/24)    

1. እያሱ ድማ ንኹሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ሴኬም ኣከቦም፡ ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ንሓላቑኦምን ንፈረዶምን ንመኳንንቶምን ከአ ጸዎዖም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከአ ቐረቡ።
2. እያሱ ድማ ብዘሎ ህዝቢ በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ካብ ጥንቲ ኣቦታትኩም ታራ ኣቦ ኣብርሃምን ኣቦ ናሆርን፡ ኣብ ክንየው ርባ ይቐመጡ ነበሩ፡ ንኻልኣት ኣማልኽቲ ድማ የገልግሉ ነበሩ።
3. ነቦኹም ኣብርሃም ከአ ካብ ክንየው ርባ ወሲደ፡ ኣብ ኩሉ ምድሪ ኸነኣን መራሕኩም ዘርኡውን ኣብዛሕኩም ይስሃቅ ከአ ሀብክዎ።
4. ይስሃቅ ድማ ያእቆብን ኤስዋን ሀብክዎ። ንኤሳው ከአ ከረን ስዔር ኪርትስያ ሀብክዎ። ንያእቆብን ንደቁን ድማ ናብ ግብጺ ወረዱ።
5. ንሙሴን ንኣሮንን ልኢኸ ኸአ ንግብጺ ከምቲ ኣብ ማእከላ ዝገበርክዎ ገይረ፡ ወቓዕክዎ፡ ድሕርቲ ድማ ኣውጻእክዎም፡ ናብ ባሕሪ ድማ በጻሕኩም። እቶም ግብጻውያን ከአ ነቦታትኩም ብሰረገላታት በፍራስን ክሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ሰጎግዎም።
6. ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ጸልማት ገበረ፡ ነቲ ባሕሪ ኸአ ናብ ልዕሊኦም ሰዲዱ ደፈኖምል። እቲ ንግብጻውያን ዝገበርክዎ ኸአ፡ ኣዒንትኹም ርእየነኦ። ኣብ በረኻ ድማ ነዊሕ ዘበን ነበርኩም።
7. ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ጸልማት ገበረ፡ ነቲ ባሕሪ ኸአ ናብ ልዕሊኦም ሰዲዱ ደፈኖምል። እቲ ንግብጻውያን ዝገበርክዎ ኸአ፡ ኣዒንትኹም ርእየነኦ። ኣብ በረኻ ድማ ነዊሕ ዘበን ነበርኩም።
8. ናብ ምድሪ እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኣሞራውያን ኣእቶኹኩም፡ ንሳቶም ድማ ተዋግኡኹም ኣነ ኸአ ንኣታቶም ኣብ ኢድኩም ሀብኩኹም፡ ምድሮም ድማ ወረስኩም ካብ ቅድሜኹም ኣጥፋእክዎም።
9. ሽዑ ድማ ባላቅ ወዲ ጺጶር ንጉስ ሞኣብ፡ ተንሲኡ ንእስራኤል ተዋግኦም፡ ንበለዓም ወጺ ጴዖር ድማ፡ ምእንቲ ኺረግመኩም ልኢኹ ጸውዖ።
10. ኣነ ግና ንበላዓም ክሰምዖ ኣይፈቶኹን፡ ስለዚ ንጉስ ኣጸቢቑ ደአ ባረኸኩም፡ ካብ ኢዱ ኸአ ኣድሓንኩኹም።
11. ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ድማ ናብ ያሪኮ መጻእኩም እሞ፡ ሰብ ያሪኮን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሔታውያንን ጌርጌሳውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ድማ ተዋግኡኹም፡ ኣነ ኸአ ንኣታቶም ኣብ ኢድኩም ሀብኩኹም።
12. ነቶም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያንን ድማ ኣብ ቅድሜኹም ዝሰጎጎም ዕኮት ኣብ ቅድሜኹም ሰደድኩ እምበር ብሴፍካን ብቐስትኻን ኣይኮነን፡
13. ዘይጸዐርካላ ምድርን ዘይነደቕኩምወን ከተማታት ሀብኩኹም፡ ኣብኤን ከአ ትነብሩ ኣሎኹም፡ ካብ ዘይተኸልኩምዎ ወይንታትን ኣዋልዕን ድማ ትበልዑ ኣሎኹም።
14. ሕጂ ኸአ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ ብፍጹምና ብእምነትን ኣገልግልዎ። ንእግዚኣብሄር ድማ ኣገልግልዎ።
15. ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኮይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል።
16. ሽዑ እቲ ህዝቢ መለሰ በለውን፡ እቲ ንኣናን ነቦታትናን ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘደየበና፡ እዚ ዓበይቲ ተአምራት እዚ ኸአ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝገበረ፡ ኣብ ኩሉ ዝኸድናዮ መገድን ኣብቶም ብማእከሎም ዝሓለፍና ኹሎም ህዝብታትን ዝሐለውና ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኣሞ፡ ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንኻላኦት ኣምላኽቲ ምግልጋልሲ ኻባና ይርሓቕ።
17. ሽዑ እቲ ህዝቢ መለሰ በለውን፡ እቲ ንኣናን ነቦታትናን ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘደየበና፡ እዚ ዓበይቲ ተአምራት እዚ ኸአ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝገበረ፡ ኣብ ኩሉ ዝኸድናዮ መገድን ኣብቶም ብማእከሎም ዝሓለፍና ኹሎም ህዝብታትን ዝሐለውና ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኣሞ፡ ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንኻላኦት ኣምላኽቲ ምግልጋልሲ ኻባና ይርሓቕ።
18. እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኦም ኩሎም ነቶም ኣብዛ: ንሱ ኣምላኽና እዩ እሞ፡ ንሕና ኸአ ንእግዚኣብሄር ነገልግሎ።
19. እያሱ ድማ ነቲ ህዝቢ በለ፡ ንሱ ቅዱስ ኣምላኽ ንሱ ኸአ ቀናእ ኣምላኽ እዩ፡ ኣበሳኹምን ሓጢኣትኩምን ኣይሓድገልኩምን እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ከተገልግልዎ ኣይትኽእሉን፡
20. ንእግዚኣብሄር ሓዲግኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ ድማ እንተ ኣገልግለልኩም፡ ንሱ ድሕርቲ ጽቡቕ ምስ ገበረልኩም ከአ መሊሱ ኽፉእ ኪገብረኩምን ኪውድኣኩምን እዩ።
21. እቲ ህዝቢ ድማ ንእያሱ፡ ኣይፋልናን፡ ንእግዚኣብሄር ደአ ነገልግል፡ በለ።
22. እያሱ ኸአ ነቶም ህዝቢ፡ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ከተገልግልዎ ኢልኩም ከም ዝሓሬኹምዎ ንስኻትኩም ንርእስኹም ምስክር ኢኹም፡ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ምስክር ኢኹም በልም።
23. እምበአር ሕጅስ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለው ጓኖት ኣማልኽቲ ኣግልስዎም እሞ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣቢልኩም ኣቕንዑ።
24. እቶም ህዝቢ ድማ፡ ንእያሱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ነገልግል ቃሉ ኸአ ንሰምዕ በልዎ።
25. እያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስቲ ህዝቢ ኺዳን ኣተወ፡ ሕግን ፍርድን ከአ ኣብ ሴኬም ኣቖመሉ።
26. እያሱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ኹሉ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ጸሐፎ። ዓብዩ እምኒ ወሲዱ ኸአ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረት ድማ ኣቖሞ።
27. እያሱ ድማ ንኹሉ እቲ ህዝቢ፡ እንሆ፡ እዚ እምኒ እዚ ነቲ እግዚኣብሄር እተዛረበና ኹሉ ቓላት ሰሚዕዎ እዩ ኣሞ፡ ኣባና ምስክር ኪኸውን እዩ፡ ንስኻትኩም ንኣምላኽኩም ምእንቲ ኽይትኽሕዱስ፡ ኣባኻትኩም ምስክር ኪኸውን እዩ፡ በሎ።
28. ሽዑ እያሱ ነቲ ህዝቢ፡ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ ሰደዶ።
29. ድሕርዚ ነገር እዚ ኸአ ኮነ፡ እያሱ ወዲ ነዌ፡ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ።
30. ኣብ ዶብ ርስቱ ኣብ ከረን ኤፍሬም፡ ኣብታ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ ዘላ ቲምናትሲራሕ ድማ ቀበርዎ።
31. እስራኤል ከአ፡ ብኹሉ ዘበን እያሱን ብኹሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ኩሉ ግብሪ ዝፈለጡ ዓበይትን፡ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።
32. እቲ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ እተማልእዎ ዓጽሚ ዮሴፍ ድማ ኣብታ ያእቆብ ካብ ደቂ ሓሞር ኣብ ሴኬም ብሚእቲ ቀሲጣ ዝዐደጋ ግራት፡ ኣብ ሴኬም ቀበርዎ። ንደቂ ዮሴፍ ድማ ርስቲ ኾነቶም።
33. ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሞተ፡ ኣብታ ኣብ ከረን ኤፍሬም ዘላ ንወዱ ፊንሃስ እተዋህበት፡ ኣብ ጊብዓ ቐበርዎ።

  Joshua (24/24)