Joshua (23/24)  

1. ኮነ ድማ ድሕሪ ነዊሕ ዘበን እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኦም ዚነብሩ ኹሎም ጸላእቶም ምስ ኣዕረፎም፡ እያሱን ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ፡
2. ንብዘለው እስራኤል፡ ንዓበይቶምን ንሓለቑኦምን ንፈረዶምን ንመኳንንቶምን ጸዊዑ በሎም ኣነ ኣሪገ ነዊሕ ዕድመ ገይረ እየ፡
3. እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንሱ ተዋጊኢልኩም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ኩሎም ህዝብታት እዚኣቶም ኣብ ቅድሜኹም ዝገበሮ ኹሉ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።
4. ርአዩ ነዞም ተሪፎም ዘለው ህዝብታት እዚኣቶምን ነቶም ዘጥፍእክምዎ ኹሎም ህዝብታትን ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ እታ ዓብዩ ባሕሪ ብወገን ምዕራብ ጸሓይ፡ ንነገዳትኩም ርስቲ ብዕጭ ኣካፈልኩኹም።
5. እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኻብ ቅድሜኹም ኪደፍኦም ካብ ቅድሜኹም ከአ ኪሰጎም እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተዛረብኩም ድማ ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም።
6. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ ኹሉ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፡ ካብኡ ኸአ ንየማን ኮነ ንጸጋም ከይትዘብሉስ፡ ኣዚኹም ጽንዑ።
7. ናብዞም ዝተረፉ እሞ ምሳኻትኩም ዘለው ህዝብታት እዚኣቶም ከይትአትው፡ ስም ኣማልኽቶምውን ከይትዝክሩ፡ ከይትምሕሉሎምን ከይተገልግልዎምን ከይትሰግዱሎምውን፡
8. ከምዚ ኽሳዕ ሎሚ ዝገበርኩምዎ ደአ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልገቡ።
9. እግዚኣብሄር ድማ ንዓበይቲ ንሓያላትን ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ሰጉግዎም እዩ እሞ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኣይበለን።
10. እግዚኣብሄር ኣምላኹም ከምቲ እተዛረበኩም፡ ንሱ እዩ ዚዋግኣልኩም እሞ፡ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ንሽሕ ኪስጎም እዩ።
11. ስለዚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈትውዎ፡ ንነፍስኹም ኣዚኹም ተሐለው።
12. ንድሕሪት እንተ ተመለስኩም እሞ ናብዞም ተረፍ፡ ናብዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ህዝብታት እዚኣቶም እንተ ለገብኩም ምሳታቶም ድማ ኣንተ ተዋሰብኩም ናባታቶም እንተ ኣቶኹም፡ ንሳቶም ድማ ናባኻትኩም እንተ ኣተው፡
13. ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ጽቡቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትጸንቱ፡ ንኣኻትኩም መሓንኮልን መጻወድያን ንጎድንኹም መግረፊ ነዒንትኹም ከአ እሾኽ ኪኾነኹም ኣዮም እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውጽኦም ብርግጽ ፍለጡ።
14. እንሆ ኸአ፡ ኣነ ሎሚ መገዲ ኹላ ዓለም እኸይድ ኣሎኹ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ኹሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ፡ ብኹሉ ልብኹምን ብኹሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኩሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን።
15. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ኩሉ ጽቡቕ ነገር ዝመጸኩም፡ ከምኡ ድማ ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ ዜጽንተኩም፡ እግዚኣብሄር ኩሉ ኽፉእ ነገር ኬምጽኣልኩም እዩ።
16. ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ኪዳን ምስ እትተሓላለፉ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሉን ክትሰግዱሎምን እንተ ኸድኩም ሽዑ ኹራ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ኪነድድ እዩ፡ ካብታ ዝሀብኩም ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ሽዓ ኢልኩም ክትበርሱ ኢኹም።

  Joshua (23/24)