Joshua (22/24)  

1. ሽዑ እያሱ ንሮቤላውያንን ንጋዳውይያን ንፈረቓ ነገድ ምንሴን ጸውዖም፡
2. ብሎም ድማ፡ ንሳትኩም እት ሙሴ ባርያ እግዚኣብህር ዝአዘዘኩም ኩሉ ሓሊኽም ኢኹም፡ እቲ ዝአዘዝኩኹም ኩሉ ቓለይውን ሰማዕኩም።
3. ንስኻትኩም በዘን ብዙሕሓ መዓልትታት ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚእ ነሕዋትኩም ኣያድግኩምዎምን፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ናይ ትእዛዙ ነገር ደአ ሓሎኹም።
4. ሕጂ ድማ እግዚኣብሂር ኣምላኽኩም ነዋትኩም ከምቲ እተዛረብም ኣዕርፍዎም እዩ እሞ፡ ሕጂ ድማ ተመሊስኩም ናብ ድንኳናትክም ናብቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝሀበኩም፡ ናብ ምድሪ ርስትኽም ኪድ።
5. ሓንትስ እቲ ሙሴ ባርይ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኩም ትእዛዝን ሕግን ክትገብሩል፡ ንእግዝዚብሄር ኣምላኽኩም ክትፈትውዎ፡ ብኹሉ መገድታቱ ኽትከዱ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕልው፡ ናብኡውን ክትልግብ፡ ብኹሉ ልብኹምን ብኹሉ ነፍስኹምን ከአ ከተገልግልዎ፡ ኣዚኹም ተጠንቀቕ።
6. እያሱ ድማ መሪቑ ኣፋነዎም፡ ንና ድንካናቶም ከአ ከዱ።
7. ንፈረቕ ነገድ ምናሴ ሙሴ ኣብ ብሳን ርስት ሂብዎ ነበረ። ነት ፈረቓኡ ኸአ እያሱ ኣብ ስግር ይዮዳኖስ፡ ኣብ ወገን ምዕርራ ኣብ መንጎ ኣሕዋቶም ሀቦም። እያሱ ንና ድንኳናቶም ኪሰዶም ክሎ መረቕም፡
8. ምስ ብዙሕ ሃብቲ ምስ ኣዝዩ ብዝሕ ማል ድማ ምስ ብሩርን ምስ ወርቅን ምስ ኣስራዝን ምስ ሓጽንን ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ክዳውንቲውን ንና ድንኳናትክም ተመለሱ፡ ንቲ ምርኮ ጸላትኽም ከአ ምስ ኣሕዋትኩም ተማቕልው፡ ኢሉ ድማ ተዛረቦም።
9. ደቂ ሮቤልን ደቂ ግድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ተመሊሶም ናብ ምድር ጊልዓድ፡ ናብታ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሲ እተረስተይዋ ምድሪ ርስቶም ኪኸዱ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ካብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሺሎ ነቐሉ።
10. ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ናብቲ ኸባቢ ዮርዳኖስ ናይ ምድሪ ኸነኣን ምስ መጹ፡ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ መሰውኢ፡ ዓብዩ ርኡዩ መሰውኢ ሰርሑ።
11. እቶም ደቂ እስራኤል ከአ፡ እንሆ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጽር ምድሪ ኸነኣን፡ ኣብ ማዕዶ ደቂ እስራኤል መሰውኢ ሰሪሖም ኣለው፡ ኪብሉ ሰምዑ።
12. ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ሰምዑ፡ ምሳታቶም ንምውጋእ ኪድይቡ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ኣብ ሺሎ ተአከበ።
13. ደቂ እስራኤል ከአ ንፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ናብ ምድሪ ጊልዓድ ለአኽዎ።
14. ምስኡ ድማ ናይ ኩሎም ነገዳት እስራኤል ዓሰርተ ሹም፡ ሓሓደ ሹም ንማይ ቤት ኣቦ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ማእከል ኣሽሓት እስራኤል ነንማይ ቤት ኣቦታቶም ሓላቑ ነበሩ።
15. ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ናብታ ምድሪ ጊልዓድ መጺኦም ድማ ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፡
16. ብዘሎ ኣኼባ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ንእግዚኣብሄር ክትዐልው ንኣኻትኩም መሰውኢ ብምስራሕኩምሲ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ እተመለስኩምሲ፡ እዛ ሎሚ ንኣምላኽ እስራኤል ዝበደልኩምዎ በደል እንታይ እዩ፡
17. እቲ ሓጢኣት ጴዖር ክሳዕ ሎሚ ኻብኡ ዘይነጻህናሉ እሞ ኣብ ኣኼባ እግዚኣብሄር ምዓት ዝወረደዶ ኣይአኽለናን እዩ፡
18. ሎሚ ድማ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ተመሊስኩም፡ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ብምዕላውኩም ጽባሕ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ኪቖጥዖ እዩ።
19. እታ ዝወረስኩምዋ ምድሪ ርኽስቲ እንተ ኾነት ግና፡ ናብቲ ማሕደር እግዚኣብሄር ሰፈራታ ዘላ ምድሪ ርስቲ እግዚኣብሄር ሕለፉ እሞ ኣብ ማእከልና ተረስተዩ፡ ብጀካ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ መሰውኢ ብምስራሕኩም ንእግዚኣብሄር ኣይትዕለው፡ ንኣናውን ኣይትዕለውና።
20. ዓካን ወዲ ዜራሕ ኣብቲ እተሐርመዶ በደል ኣይበደለን፡ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ድማ መዓት ወረደ፡ በቲ በደሉ ኸአ እቲ ሓደ ሰብኣይ ጥራይ ኣይሞተን።
21. ሽዑ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ነቶም ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል መሊሶም ተዛረብዎም፡
22. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ንሱ ይፈልጦ ኣሎ፡ እስራኤልውን ንሱ ኽፈልጦ እዩ፡ ነዚ ብበደልን ንእግዚኣብሄር ብምዕላውን እንተ ጌርናዮስ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣይተድሕነና፡
23. ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ምእንቲ ኽንምለስ ወይስ ዚሐርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኽነዕርገሉ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ኽንገብረሉ፡ መሰውኢ እንተ ሰሪሕናሲ፡ እዚ ንዳሕራዩ ደቅኹም ንደቅና፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኣሎኹም፡ ኪብልዎም እዮም ኢልና ብፍርሃት እንተ ዘይገብርናዮስ እግዚኣብሄር ባዕሉ ይመርምሮ።
24. ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ምእንቲ ኽንምለስ ወይስ ዚሐርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኽነዕርገሉ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ኽንገብረሉ፡ መሰውኢ እንተ ሰሪሕናሲ፡ እዚ ንዳሕራዩ ደቅኹም ንደቅና፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኣሎኹም፡ ኪብልዎም እዮም ኢልና ብፍርሃት እንተ ዘይገብርናዮስ እግዚኣብሄር ባዕሉ ይመርምሮ።
25. ኣቱም ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን እግዚኣብሄር ንኣናን ንኣኻትኩምን ዮርዳኖስ ዶብ ገይሩልና እዩ እሞ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን፡ ኢሎም ደቅኹም ንደቅና ምፍራህ እግዚኣብሄር ከም ዚሐድጉ ይገብርዎም።
26. ስለዚ ንዳሕራይ ደቅኹም ንደቅና፡ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩን ምእንቲ ኽይብልዎም፡ ንእግዚኣብሄር ብዚሐርር መስዋእትናን ብናይ ሕሩድ መስዋእትናን ብናይ ምስጋና መስዋእትናን ኣብ ቅድሚኡ ኸነገልግሎ ንኣና መሰውኢ ኽነድቕ ንሐሊ፡ ግናኸ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣይኮነን፡ ንመስዋእቲ ሕሩድ ድማ ኣይኮነን፡ ንሱ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ብድሕሬና ኸአ ኣብ መንጎ ወለዶና ምስክር ኪኸውን ኢልና ደአ ኢና።
27. ስለዚ ንዳሕራይ ደቅኹም ንደቅና፡ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩን ምእንቲ ኽይብልዎም፡ ንእግዚኣብሄር ብዚሐርር መስዋእትናን ብናይ ሕሩድ መስዋእትናን ብናይ ምስጋና መስዋእትናን ኣብ ቅድሚኡ ኸነገልግሎ ንኣና መሰውኢ ኽነድቕ ንሐሊ፡ ግናኸ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣይኮነን፡ ንመስዋእቲ ሕሩድ ድማ ኣይኮነን፡ ንሱ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ብድሕሬና ኸአ ኣብ መንጎ ወለዶና ምስክር ኪኸውን ኢልና ደአ ኢና።
28. ስለዚ ንዳሕራዩ ንኣናን ንወለዶናን ከምዚ ምስ ዚብሉ ነቲ ኣቦትታና ዝገበርዎ ምስሊ መሰውኢ እግዚኣብሄር ርአዩ፡ ንሱ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣይኮነን፡ ንመስዋእቲ ሕሩድውን ኣይኮነን፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ደአ ምስክር እዩ፡ ንብሎም በልና።
29. ንሕናስ ብጀካ እቲ ኣብ ቅድሚ ማሕደር ዘሎ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዚሐርር መስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ብልዕን ንመስዋእቲ ሕሩድን መሰውኢ ብምስራሕና፡ ካብ እግዚእብሄር ምዕላውን ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ምምላስንሲ ኻባና ይርሐቕ።
30. ሽዑ ኻህን ፊንሃስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹማምቲ ኣኼባን እቶም ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል፡ እቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ደቂ ምናሴን እተዛረብዎ ነገር ምስ ሰምዑ፡ ጽቡቕ ኮይኑ ተራእዮም።
31. ፊንሃስ ወይ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንደቂ ምናሴን፡ እዚ በደል እዚ ንእግዚኣብሄር ኣይበደልኩምዎን እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከልና ኸም ዘሎ፡ ሎሚ ፈሊጥና፡ ሕጂ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ኣድሓንኩምዎም በሎም።
32. ሽዑ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን፡ እቶም ሹማምትን ካብ ደቂ ሮቤልን ካብ ደቂ ጋድን ካብ ምድሪ ጊልዓድ ናብ ምድሪ ኸነኣን ናብ ደቂ እስራኤል ተመልሱ፡ እቲ ነገሩ ድማ መለሱሎም።
33. እቲ ነገሩ ኸአ ንደቂ እስራኤል ጽቡቕ ኮይኑ ተራኣዮም እሞ፡ ደቂ እስራኤል ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። ድሕርቲ ኸአ፡ ነታ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዚነብርዋ ምድሪ ኼጥፍእዋ፡ ኽንዋጋእ ንደይቦም፡ ኢሎም ኣይተዛረቡን።
34. ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ድማ፡ ነቲ መሰውኢ፡ ዔድ ኢሎም ሰመይዎ። ከመይሲ፡ ንሱ እግዚኣብሄርስ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ኣብ መንጎና ምስክር እዩ በሉ።

  Joshua (22/24)