| ← Joshua (21/24) → |
| 1. | እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ድማ ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ እያሱ ወዲ ነዌን ናብ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ቀሪቦም። |
| 2. | ንሕና እንነብረለይ ከተማታትን እቲ ኸባቢኤን ድማ ንማልና ዚኸውን ኪህቡና፡ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ኣዚዙ እዩ። ኢሎም ኣብ ምድሪ ኸነአን ኣብ ሺሎ ተዛረብዎም። |
| 3. | ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ ርስቶም እዘን ከተማታት እዚኤን መምስ ከባቢኤን ንሌዋውያን ሀብዎም። |
| 4. | ንዓሌታት ቀሃታውያን ከአ ዕጭ ወጸሎም፡ ነቶም ካብ ሌዋውያን ዝነብሩ ደቂ ካህን ኣሮን ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦናውያንን ካብ ነገድ ብንያምን ብዕጭ ዓሰርተው ስለስተ ኸተማ በጽሖም። |
| 5. | ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀሃት ድማ፡ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ብዕጭ ዓሰርተ ኸተማ በጽሖም። |
| 6. | ንደቂ ጌርሾን ከአ ካብ ዓሌታት ነገድ ይሳክርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብ ፍረቕ ነገድ ምናሴን ኣብ ባሳን ብዕጭ ዓሰርተው ስለስተ ኸተማ በጽሖም። |
| 7. | ንደቂ መራር ኽከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ክብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ብጽሖም። |
| 8. | ደቂ እስራኤል ከአ፡ ከምቲ እግዝኣብሄር ቢድ ሙሴ ዝአዘዞ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን መምስ ከባቢኤን ንሌዋውያን ብዕጭ ህብዎም። |
| 9. | ካብ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ድማ እዘን ብስመን እተሰምያ ኸተማታት ሀቡ። |
| 10. | ነቶም ካብ ደቂ ሌዊ፡ ካብ ዓሌታት ቀሃትውያን ዝነበሩ ደቂ ኣሮን፡ ቀዳማይ ጭ ናቶም ነበረ እሞ፡ ንኣታቶም ኮነ። |
| 11. | ኣብ ከረን ይሁዳ ድማ ቂርያትኣርባ ኣቦ ዓናቅ ንሳ ኸአ ኬብሮን ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ኸባቢኣ ሀብዎም። |
| 12. | ግርብ እታ ኸተማን ኣቑሻታን ግና ንካሌብ ወይ ንፋነ ርስቲ ሀብው። |
| 13. | ንደቂ ኻህን ኣሮን ከአ እታ ኸተማ መዕቆብ ቀታሊ፡ ኬብሮን ምስ ከባቢኣን ልብና ምስ ከባቢአን ሀብዎም። |
| 14. | ያቲር ምስ ከባቢኣን ኤሽትሞዓ ምስ ከባብኣን፡ |
| 15. | ዓይን ምስ ከባቢኣን ዩጣህ ምስ ከባቢኣን ቤትሽመሽ ድማ ምስ ከባቢኣን ካብዞም ክልተ ነገድ እዚኦም ትሽዓተ ኽተማ፡ |
| 16. | ዓይን ምስ ከባቢኣን ዩጣህ ምስ ከባቢኣን ቤትሽመሽ ድማ ምስ ከባቢኣን ካብዞም ክልተ ነገድ እዚኦም ትሽዓተ ኽተማ፡ |
| 17. | ካብ ነገድ ብንያም ድማ ጊብዖን ምስ ከባቢኣን ጌባዕ ምስ ከባቢኣን፡ |
| 18. | ዓናቶት ምስ ከባቢኣን ዓልሞን ከአ ምስ ከባቢአን፡ ኣርባዕተ ኽተማ። |
| 19. | ኩለን ከተምታት እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማታት መምስ ከባቢኤን። |
| 20. | ነቶም ዓሌታት ደቅ ቅሃት ሌዋውያን፡ እቶም ዝተረፉ ደቂ ቀሃት፡ ድማ ከተምታት ዖም ካብ ነገድ ኤፍሬም ዘላ ኸተማ መዕቆቢ ቀታሊ፡ ሴኬም ምስ ከባቢአን ጌዘር ምስ ከባቢኣን፡ |
| 21. | ቅብጻይም ምስ ከባቢኣን ቤትሖሮን ምስ ከባቢኣን ድማ ኣርብዕተ ኸተማ ሀብዎም። |
| 22. | ቅብጻይም ምስ ከባቢኣን ቤትሖሮን ምስ ከባቢኣን ድማ ኣርብዕተ ኸተማ ሀብዎም። |
| 23. | ካብ ነገድ ዳን ከአ ኤልትቂ ምስ ከባቢኣን ጊብቶን ድማ ምስ ከባቢኣን፡ |
| 24. | ኣያሎን ምስ ከብቢእን ግጋሪሞን ከአ ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ። |
| 25. | ካብ ፈረኣ ነገድ ምናሲ ታዓናክ ምስ ከባቢኣን ጋትሪሞንውን ምስ ከባቢኣን፡ ክልተ ኸተማ። |
| 26. | ናይትም ካብ ደቂ ቀሃት ዝተረፉ ዓሌታት ኩለን ከተማታት መምስ ከባቢኤን ዓሰርተ እየን። |
| 27. | ነቶም ክብ ዓልታት ሌዋውያን ደቂ ጌርሽን ከአ ካብ ፈረኣ ነገድ ምንሴ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ኸተማ ምዕቆቢ ቀታሊ፡ ግላን ምስ ከባቢኣን ቤዓሽትራ ምስ ከባቢኣን፡ ክልት ኸተማ። |
| 28. | ካብ ነገድ ይሳኮር ድማ ቂሽዮን ምስ ከባቢኣን ዳብራት ምስ ከባቢኣን፡ |
| 29. | ያርሙት ምስ ከባቢኣን ዔንጋኒም ምስ ከባቢኣን ኣርባዕተ ኸተማ። |
| 30. | ካብ ነገድ ኣሴር ከአ ሚሽኣል ምስ ከባቢኣን ዓብዶን ምስ ከባቢኣን፡ |
| 31. | ሔልቃት ምስ ከባቢኣን ሬሖብ ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ። |
| 32. | ካብ ነገድ ንፍታሌም ድማ እታ ኽተማ መዕቆብ ቀታሊ፡ ቃዴስ ኣብ ገሊል ምስ ከባቢኣን ሓሞትዶር ምስ ከባቢኣን ቃርታን ምስ ከባቢኣን፡ ሰለስተ ኸተማ። |
| 33. | ኩለን ከተምታት ጌሮናውያን ከከም ዓሊቶን ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ መምስ ከባቢኤን ሀብዎም። |
| 34. | ነቶም ዝተረፉ ሌውውያን፡ ዓሌታት ደቂ መራሪ ካብ ነገድ ዛብሎን፡ ድማ ዩቅነዓም ምስ ከባቢኣን ቃርታ ምስ ከባቢኣን፡ |
| 35. | ዲምና ምስ ከባቢኣን ናሃላይ ምስ ከባቢኣን ናሃላል ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኽተማ። |
| 36. | ካብ ነገድ ሮቤል ድማ ቢጸር ምስ ከባቢኣን ያህጻ ምስ ከባቢኣን፡ |
| 37. | ቄዴሞት ምስ ከባቢኣን ሜፋዓት ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ። |
| 38. | ክካ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኸተም መዕቅብ ቀታሊ፡ ራሞት ኣብ ጊልዕድ ምስ ከባቢኣን ማሃናይም ምስ ከባቢኣን፡ |
| 39. | ሔስብን ምስ ከባቢኣን ያዕዜር ምስ ከባቢኣን፡ ኩለን ኣርባዕተ ኸተማ። |
| 40. | ኩለን እዘን ከተማታት እዚኤን ናይቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ዝተረፉ ደቂ መራር ኸከም ዓሌቶም እየን፡ ዕጮም ክአ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ እየን። |
| 41. | እተን ኣብ ማእክከ ርስቲ ደቂ እስራኤል ዘለዋ ኹልለ ከተማታት ሌዋውያን ኣርብዓን ሾሞንተን ከተማ መምስ ከባቢኤን እየን። |
| 42. | እዘን ከተማታት እዚኤን ነንኸተማ ኣብ ዙርያእ ኸባብ ነበራ፡ ኩለን እዘን ከተማታት እዚኤን ከምእ ነበረን። |
| 43. | እግዚኣብሄር ከአ እታ ነቦታትም ኪህቦም ዝመኣለሎም ኩላ ምድር ንደቂ እስራኢኤ ህቦም። ወሪሶም ከአ ተቐመጥዋ። |
| 44. | እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ኹሉ ነቦታቶም ዝመሐለሎም ብኹሉ ዙርያኦም ኣዕረፎም። ካብ ኩሎም ጸላእቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣይበለን፡ እግዚኣብሄር ኩሎም ጸላእቶም ኣብ ኢዶም ሀቦም። |
| 45. | ካብቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል እተዛርቦ ኽሉ ጽቡቕ ነገር ገለ ቓል እኳ ኣየውደቐን፡ ኩሉ ደእ ተፈጸመ። |
| ← Joshua (21/24) → |