Joshua (21/24)  

1. እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ድማ ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ እያሱ ወዲ ነዌን ናብ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ቀሪቦም።
2. ንሕና እንነብረለይ ከተማታትን እቲ ኸባቢኤን ድማ ንማልና ዚኸውን ኪህቡና፡ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ኣዚዙ እዩ። ኢሎም ኣብ ምድሪ ኸነአን ኣብ ሺሎ ተዛረብዎም።
3. ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ ርስቶም እዘን ከተማታት እዚኤን መምስ ከባቢኤን ንሌዋውያን ሀብዎም።
4. ንዓሌታት ቀሃታውያን ከአ ዕጭ ወጸሎም፡ ነቶም ካብ ሌዋውያን ዝነብሩ ደቂ ካህን ኣሮን ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦናውያንን ካብ ነገድ ብንያምን ብዕጭ ዓሰርተው ስለስተ ኸተማ በጽሖም።
5. ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀሃት ድማ፡ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ብዕጭ ዓሰርተ ኸተማ በጽሖም።
6. ንደቂ ጌርሾን ከአ ካብ ዓሌታት ነገድ ይሳክርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብ ፍረቕ ነገድ ምናሴን ኣብ ባሳን ብዕጭ ዓሰርተው ስለስተ ኸተማ በጽሖም።
7. ንደቂ መራር ኽከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ክብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ብጽሖም።
8. ደቂ እስራኤል ከአ፡ ከምቲ እግዝኣብሄር ቢድ ሙሴ ዝአዘዞ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን መምስ ከባቢኤን ንሌዋውያን ብዕጭ ህብዎም።
9. ካብ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ድማ እዘን ብስመን እተሰምያ ኸተማታት ሀቡ።
10. ነቶም ካብ ደቂ ሌዊ፡ ካብ ዓሌታት ቀሃትውያን ዝነበሩ ደቂ ኣሮን፡ ቀዳማይ ጭ ናቶም ነበረ እሞ፡ ንኣታቶም ኮነ።
11. ኣብ ከረን ይሁዳ ድማ ቂርያትኣርባ ኣቦ ዓናቅ ንሳ ኸአ ኬብሮን ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ኸባቢኣ ሀብዎም።
12. ግርብ እታ ኸተማን ኣቑሻታን ግና ንካሌብ ወይ ንፋነ ርስቲ ሀብው።
13. ንደቂ ኻህን ኣሮን ከአ እታ ኸተማ መዕቆብ ቀታሊ፡ ኬብሮን ምስ ከባቢኣን ልብና ምስ ከባቢአን ሀብዎም።
14. ያቲር ምስ ከባቢኣን ኤሽትሞዓ ምስ ከባብኣን፡
15. ዓይን ምስ ከባቢኣን ዩጣህ ምስ ከባቢኣን ቤትሽመሽ ድማ ምስ ከባቢኣን ካብዞም ክልተ ነገድ እዚኦም ትሽዓተ ኽተማ፡
16. ዓይን ምስ ከባቢኣን ዩጣህ ምስ ከባቢኣን ቤትሽመሽ ድማ ምስ ከባቢኣን ካብዞም ክልተ ነገድ እዚኦም ትሽዓተ ኽተማ፡
17. ካብ ነገድ ብንያም ድማ ጊብዖን ምስ ከባቢኣን ጌባዕ ምስ ከባቢኣን፡
18. ዓናቶት ምስ ከባቢኣን ዓልሞን ከአ ምስ ከባቢአን፡ ኣርባዕተ ኽተማ።
19. ኩለን ከተምታት እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማታት መምስ ከባቢኤን።
20. ነቶም ዓሌታት ደቅ ቅሃት ሌዋውያን፡ እቶም ዝተረፉ ደቂ ቀሃት፡ ድማ ከተምታት ዖም ካብ ነገድ ኤፍሬም ዘላ ኸተማ መዕቆቢ ቀታሊ፡ ሴኬም ምስ ከባቢአን ጌዘር ምስ ከባቢኣን፡
21. ቅብጻይም ምስ ከባቢኣን ቤትሖሮን ምስ ከባቢኣን ድማ ኣርብዕተ ኸተማ ሀብዎም።
22. ቅብጻይም ምስ ከባቢኣን ቤትሖሮን ምስ ከባቢኣን ድማ ኣርብዕተ ኸተማ ሀብዎም።
23. ካብ ነገድ ዳን ከአ ኤልትቂ ምስ ከባቢኣን ጊብቶን ድማ ምስ ከባቢኣን፡
24. ኣያሎን ምስ ከብቢእን ግጋሪሞን ከአ ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ።
25. ካብ ፈረኣ ነገድ ምናሲ ታዓናክ ምስ ከባቢኣን ጋትሪሞንውን ምስ ከባቢኣን፡ ክልተ ኸተማ።
26. ናይትም ካብ ደቂ ቀሃት ዝተረፉ ዓሌታት ኩለን ከተማታት መምስ ከባቢኤን ዓሰርተ እየን።
27. ነቶም ክብ ዓልታት ሌዋውያን ደቂ ጌርሽን ከአ ካብ ፈረኣ ነገድ ምንሴ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ኸተማ ምዕቆቢ ቀታሊ፡ ግላን ምስ ከባቢኣን ቤዓሽትራ ምስ ከባቢኣን፡ ክልት ኸተማ።
28. ካብ ነገድ ይሳኮር ድማ ቂሽዮን ምስ ከባቢኣን ዳብራት ምስ ከባቢኣን፡
29. ያርሙት ምስ ከባቢኣን ዔንጋኒም ምስ ከባቢኣን ኣርባዕተ ኸተማ።
30. ካብ ነገድ ኣሴር ከአ ሚሽኣል ምስ ከባቢኣን ዓብዶን ምስ ከባቢኣን፡
31. ሔልቃት ምስ ከባቢኣን ሬሖብ ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ።
32. ካብ ነገድ ንፍታሌም ድማ እታ ኽተማ መዕቆብ ቀታሊ፡ ቃዴስ ኣብ ገሊል ምስ ከባቢኣን ሓሞትዶር ምስ ከባቢኣን ቃርታን ምስ ከባቢኣን፡ ሰለስተ ኸተማ።
33. ኩለን ከተምታት ጌሮናውያን ከከም ዓሊቶን ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ መምስ ከባቢኤን ሀብዎም።
34. ነቶም ዝተረፉ ሌውውያን፡ ዓሌታት ደቂ መራሪ ካብ ነገድ ዛብሎን፡ ድማ ዩቅነዓም ምስ ከባቢኣን ቃርታ ምስ ከባቢኣን፡
35. ዲምና ምስ ከባቢኣን ናሃላይ ምስ ከባቢኣን ናሃላል ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኽተማ።
36. ካብ ነገድ ሮቤል ድማ ቢጸር ምስ ከባቢኣን ያህጻ ምስ ከባቢኣን፡
37. ቄዴሞት ምስ ከባቢኣን ሜፋዓት ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ።
38. ክካ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኸተም መዕቅብ ቀታሊ፡ ራሞት ኣብ ጊልዕድ ምስ ከባቢኣን ማሃናይም ምስ ከባቢኣን፡
39. ሔስብን ምስ ከባቢኣን ያዕዜር ምስ ከባቢኣን፡ ኩለን ኣርባዕተ ኸተማ።
40. ኩለን እዘን ከተማታት እዚኤን ናይቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ዝተረፉ ደቂ መራር ኸከም ዓሌቶም እየን፡ ዕጮም ክአ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ እየን።
41. እተን ኣብ ማእክከ ርስቲ ደቂ እስራኤል ዘለዋ ኹልለ ከተማታት ሌዋውያን ኣርብዓን ሾሞንተን ከተማ መምስ ከባቢኤን እየን።
42. እዘን ከተማታት እዚኤን ነንኸተማ ኣብ ዙርያእ ኸባብ ነበራ፡ ኩለን እዘን ከተማታት እዚኤን ከምእ ነበረን።
43. እግዚኣብሄር ከአ እታ ነቦታትም ኪህቦም ዝመኣለሎም ኩላ ምድር ንደቂ እስራኢኤ ህቦም። ወሪሶም ከአ ተቐመጥዋ።
44. እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ኹሉ ነቦታቶም ዝመሐለሎም ብኹሉ ዙርያኦም ኣዕረፎም። ካብ ኩሎም ጸላእቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣይበለን፡ እግዚኣብሄር ኩሎም ጸላእቶም ኣብ ኢዶም ሀቦም።
45. ካብቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል እተዛርቦ ኽሉ ጽቡቕ ነገር ገለ ቓል እኳ ኣየውደቐን፡ ኩሉ ደእ ተፈጸመ።

  Joshua (21/24)