Joshua (2/24)  

1. እያሱ ወዴ ነዌ ካብ ሽጢም ንኽልተ ሰብ፡ ኬድኩም ነታ ሃገርን ንያሪኮን ርአዩ፡ ኢሉ ኽስልዩ ብሕቡእ ሰደዶም። ንሳቶም ድማ ከይዶም፡ ኣብ ቤት ረሃብ ዝስማ ኣመንዝራ ሰበይቲ ኣተው፡ ኣብኣውን ሐደሩ።
2. ንንጉስ ያሪኮ ኸአ፡ እንሆ፡ ሰባት ካብ ደቂ እስራኤል ነዛ ሃገር ኪስልይዋ፡ ብለይቲ ናብዚ ኣትዮም ኣለው፡ ኢሎም ነገርዎ።
3. ንጉስ ያሪኮ ድማ፡ እዞም ናባኺ መጺኦም፡ ናብ ቤትኪ ዝአተው ሰባት ንኹላ ሃገር ኪስልዩ ዝመጹ እዮም እሞ፡ ኣውጽእዮም፡ ኢሉ ናብ ረሃብ ለአኸ።
4. እታ ሰበይቲ ኸአ ነቶም ክልተ ሰብ ወሲዳ ሓብኣቶም፡ በለት ድማ፡ እወ፡ ሰባትሲ እትዮምኒ ነይሮም፡ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩን።
5. ኮነ ኸአ፡ እቶም ሰባት እቲኦም ደገ እትዕጸወላ ጊዜ ብጸልማት ወጹ፡ ናበይ ከም ዝኸዱ ኣይፈለጥኩን። ቀልጢፍኩም ደድሕሪኦም ስዐቡ እሞ ክትረኽብዎም ኢኹም።
6. ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ቤታ ኣደይባ፡ ኣብቲ ናሕሲ ተሰጢሑ ብዝነበረ ሓሰር እንጣጢዕ ሓብኣቶም።
7. እቶም ሰባት ከአ መገዲ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ መሳገሪታት ደድሕሪኦም ሰዐቡ። እቶም ደድሕሪኦም ዚስዕቡ ምስ ወጹ ኸአ፡ እታ ሰበይቲ ናብኦም ናብ ናሕሲ ደየበት።
8. ነቶም ሰባት ከአ በለቶም፡ እግዚኣብሄር እዛ ኣሃገር እዚኣ ኸም ዝሀበኹም፡ ፍርሃትኩም ድማ ኣብ ልዕሌና ኸም ዝወደቐ፡ ኹሎም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩ ኸአ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዝመኸኹ ፈለጥኩ።
9. ነቶም ሰባት ከአ በለቶም፡ እግዚኣብሄር እዛ ኣሃገር እዚኣ ኸም ዝሀበኹም፡ ፍርሃትኩም ድማ ኣብ ልዕሌና ኸም ዝወደቐ፡ ኹሎም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩ ኸአ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዝመኸኹ ፈለጥኩ።
10. እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኽትወጹ ኸሎኹም፡ እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀጾ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ከአ ዝነበርኩምዎ፡ ንሲሆንን ንዖግን ከም ዘጥፋእኩምዎም፡ ሰሚዕና ኢና እሞ፡
11. እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪ ኸአ ኣብ ታሕቲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ምስ ሰማዕናዮ፡ ልብና መኸኸ፡ ኣብ ቅድሜኹም ድማ ትንፋስ ኣብ ሰብ ኣይቆመትን።
12. ሕጂ ኸአ በጃኹም፡ ኣነ ምሕረት ካብ ገበርኩልኩም፡ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ክትገብሩላ፡ ናቦይን ነደይን ነሕወተይን ኣሓተይን፡ ዘለዎም ኩሉ ድማ ብህይወቶም ክትሓድግዎም፡ ነፍሳትናውን ካብ ሞት ከተድሕኑ፡ ብእግዚብሄር ምሐሉለይ፡ ርግጽ ምልክት ከአ ሀቡኒ።
13. ሕጂ ኸአ በጃኹም፡ ኣነ ምሕረት ካብ ገበርኩልኩም፡ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ክትገብሩላ፡ ናቦይን ነደይን ነሕወተይን ኣሓተይን፡ ዘለዎም ኩሉ ድማ ብህይወቶም ክትሓድግዎም፡ ነፍሳትናውን ካብ ሞት ከተድሕኑ፡ ብእግዚብሄር ምሐሉለይ፡ ርግጽ ምልክት ከአ ሀቡኒ።
14. እቶም ሰበኣት ከአ፡ እንገብሮ ዘሎና እንተ ዝይገለጽኩም፡ ኣብ ክንዳኹም ነፍስና ንሞት ንሕልፍ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር እዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ሀበና፡ ምሕረትን እምነትን ንገብረልኩ፡ በልዋ።
15. ቤታ ኣብ ልዕሊ መንደቕ መከባብያ ነበረት፡ ንሳ ድማ ኣብ ልዕሊ መከባብያ ትነብር እሞ፡ ገመድ ገይራ ብመስኮት ኣውረደቶም።
16. እቶም ደለይቲ ኸይረኽብኹምሲ ፡ ንኽረን ኣቢልኩም ኪዱ፡ እቶም ድለአይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ ኸአ ኣብኡ ስለስተ መዓልቲ ተሓብኡ፡ ድሓር ድማ መገድኹም ኪዱ፡ በለቶም።
17. እቶም ሰባት ከአ በልዋ፡ ንሕና ኻብዚ ዘምሓልክና ማሕላ ንነጽህ።
18. እንሆ ንሕና ናብዛ ሃገር ክንኣቱ ኸሎና፡ ነዚ ቐይሕ ገመድ እዚ ኣብቲ ብእኡ ዘውረድክና መስኮት ኣንጠልጥልዮ። ነቦኽን ነዴኽን ነሕዋትክን ንኹሉ ቤት ኣቦኺውን ናባኺ ኣብ ቤት ኣክብዮም።
19. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብ ማዕጾ ቤትሊ ንግዳም ዝወጸ ዘበለ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፡ ንሕና ግና ንጹሃት ኢና። ንዝኾነ ኻብቶም ምሳኺ ኣብ ቤት ዘለው ኢድ ኣንተ ተነከዮ ኸአ፡ ደሙ ኣብ ርእስና ይኹን።
20. ተግባርና እንተ ገለጽኪ ድማ ካብዚ ዘምሓልክና ማሕላ ንጹሃት ኢና።
21. ንሳ ኸአ፡ ከምቲ ዝበልኩምዎ ይኹን፡ ኢላ ሰደደቶም። ንሳቶም ከዱ። ነቲ ቐይሕ ገመድ ድማ ኣብ ኣብቲ መስኮት ኣሰረቶ።
22. ንሳቶም ከአ ከዱ እሞ ናብቲ ኸረን በጽሑ፡ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ ኸአ፡ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ገበሩ። እቶም ደለይቲ ድማ ኣብ ኩሉ መገዲ ደለይዎም፡ ኣይረኽብዎምን ከአ።
23. እቶም ክልተ ሰባት ድማ ተመሊሶም፡ ካብቲ ኸረን ወረዱ፡ ተሳጊሮም ከኣ ናብ እያሱ ወዲ ነዌ መጹ። ዝረኸቦም ዘበለ ኹሉ ኸአ ኣዛረብዎ።
24. ንእያሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንብሃገራ ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ እሞ፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኹሎም ኣብ ቅድሜና መኸኹ፡ በልዎ።

  Joshua (2/24)