Joshua (19/24)  

1. እቲ ኻልኣይ ዕጭ ድማ ንስምኦን፡ ንነግድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። እቲ ርስቶም ከአ ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ ይሁዳ ነበረ።
2. ኣብ ርስቶም ዝኾና ኸአ፡ ብኤርሸባዕን ሸባን ሞላዳን፡
3. ሓጻርሹዓልን ባላን ዓጸምን፡
4. ኤልቶላድን በቱልን ሖርማን፡
5. ጺቅላግን ቤትማርኮባትን ሓጻርሱሳን፡
6. ቤትለባኦትን ሻሩሔንን፡ ዓሰርተው ስለስተ ኸተማ ምስ ዓድታተን፡
7. ዓዩንን ሪሞንን ዔትርን ዓሻንን፡ ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
8. ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኤን ክሳዕ በዓላትብኤር፡ ንሳ ኸአ እታ ናይ ደቡብ ራማ፡ ዘለዋ ኹለን ዓድታት። ርስቲ ነገድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ።
9. ርስቲ ደቂ ስምኦን ካብ ግደ ይሁዳ ኾነ፡ ግደ ደቂ ይሁዳ ንኣታቶም እምብዛ ገፊሕዎም ነበረ እሞ፡ ስለዚ ደቂ ስምኦን ኣብ ማእከል ርስቲ እቲኣቶም ተረስተዩ።
10. እቲ ሳልሳይ ዕጭ ድማ ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። ዶብ ርስቶም ከአ ክሳዕ ሳሪድ እዩ።
11. ዶቦም ድማ ንምዕራብ ናብ ማርዓላ ኣቢሉ ይድይብ እሞ ናብ ዳበሸት ኣቢሉ ናብቲ ኣብ መንጽር ዩቅነዓም ዘሎ ርባ ይበጽሕ።
12. ካብ ሳሪድ ከአ ናብ ምብራቕ፡ ናብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ዶብ ያፊዓ ድማ ይድይብ።
13. ካብኣ ኸአ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ጋትሔፈርን ናብ ዒታቃጺንን ይሐልፍ፡ ናብታ ናብ ኔዓ እትበጽሕ ሪሞን ይወጽእ።
14. እቲ ዶብ ድማ ንእአ ዞይሩ ብሰሜን ገይሩ ናብ ሓናቶን የብል ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ከአ ይወጽእ።
15. ቃጣትን ናሃላልን ሺምሮንን ዩድኣላን ቤትልሄምን፡ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
16. ርስቲ ደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን።
17. እቲ ራብዓይ ዕጭ ይሳኮር፡ ንደቂ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም ወጸሎም።
18. ዶቦም ድማ ናይ ይዝርኤልን ኬሱሌትን ሹነምን ይበጽሕ።
19. ናብ ሓፍራዮምን ሺኦንን ኣናሓራትን፡
20. ራቢትን ቂሽዮንን ኣቤጽን፡
21. ሬመትን ዔንጋኒምን ዔንሓዳን ቤትጳጼጽን።
22. እቲ ዶብ ከአ ናብ ታቦርን ሻሃጺማን ቤትሽመሽን ይበጽሕ። እቲ ዶቦም ድማ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ፡ ዓሰርተው ሹዱሽተ ምስ ዓድታተን።
23. ርስቲ ነገድ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እተን ከተማታት ምስ ዓድታተን።
24. እቲ ሓምሳይ ዕጭ ከአ ንነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም ወጸሎም።
25. ዶቦም ድማ ሔልቃትን ሓሊን ቤጤንን ኣክሻፍን እዩ፡
26. ድማ ኣላመሌክን ዓምዓድን ምሽኣልን፡ ብወገን ምዕራብ ከአ ናብ ካርሜልን ናብ ሺሖርሊብናትን ይበጽሕ።
27. ንምብራቕ ጸሓይ ኣቢሉ ናብ ቤት ዳጎን ይምለስ፡ ናብ ዛብሎንን ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ኣብ ሰሜን ቤትዔመቅን ነዒኤልን በጺሑ፡ ብጸጋም ካቡል ይወጽእ።
28. ድማ ናብ ዔብሮንን ናብ ሬሖብን ናብ ሓሞንን ናብ ቃናን ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶን ይበጽሕ።
29. እቲ ዶብ ድማ ብራማ ኣቢሉ ኽሳዕ እታ እተዐርደት ከተማ ጢሮስ ይምለስ፡ እቲ ዶብ ከአ ናብ ሓሳ ይምለስ እሞ ናብ ባሕሪ ምድሪ ኣክዚብ ይወጽእ።
30. ድማ ዑማን ኣፌቅን ሬሖብን፡ ዕስራን ክልተን ከተማ ምስ ዓድታተን።
31. ርስቲ ነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን።
32. እቲ ሳድሳይ ዕጭ ንደቂ ንፍታሌም፡ ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም ወጸሎም።
33. ዶቦም ድማ ካብ ሔሌፍን ካብታ ኣብ ጸዓርኒም ዘላ ኤሎንን ኣዳሚኔቄብን ያብኔኤልን ክሳዕ ላቁም በጺሑ፡ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ።
34. እቲ ዶብ ድማ ንሞራብ ኣቢሉ፡ ናብ ኣዝኖትታቦር ይምለስ፡ ካብኡ ኸአ ናብ ሑቆት ይወጽእ እሞ ብደቡብ ናብ ዛብሎን ብምዕራብውን ናብ ኣሴር፡ ብምብራቕ ጸሓይ ድማ ናብ ይሁዳ ዮርዳኖስ ይበጽሕ።
35. እተን እተዐርዳ ኸተማታት ድማ ጺድምን ጼርን ሓማትን ራቃትን ኪነሬትን፡
36. ኣዳማን ራማን ሓጾርን፡
37. ቄዴሽን ኤድሬዒን ዔንሓጾርን፡
38. ዪርኣንን ሚግዳልኤልን ሖሬምን ቤትዓናትን ቤትሽመሽን፡ ዓሰርተው ትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን እየን።
39. ርስቲ ነገድ ደቂ ንፍታሌን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምስ ዓድታተን።
40. እቲ ሳብዓይ ዕጭ ንነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም።
41. ዶብ ርስቶም ድማ ጸርዓን ኣኤሽታኦልን ዔርሽመሽን፡
42. ሻዓሊቢንን ኣያሎንን ዮትላን፡
43. ኤሎንን ቲምናታን ዒቅሮንን፡
44. ኤልትቄን ጊብቶንን ባዓላትን፡
45. ይሁድን በነራቅን ጋትሪሞንን፡
46. መያርቆንን ራቆንን ምስቲ ኣብ መንጽር ያፎ ዘሎ ዶብ።
47. እቶም ደቂ ዳን ድማ ደየቡ እሞ ንሌሼም ተዋጊኦም ሐዝዋ፡ ብስሕለት ሴፍ ከአ ኣጥፍእዋ፡ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ እሞ፡ ዶብ ደቂ ዳን ካብ ናቶም ሓሊፉ ወጸ፡ ንለሼም ከአ። ከም ስም ኣቦኦም፡ ዳን ኢሎም ሰመይዋ።
48. ርስቲ ነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ምድ ዓድታተን።
49. ነታ ምድሪ በብዶብ ንርስቲ ምስ ተማቐልዋ ኸአ፡ ደቂ እስራኤል ንእያሱ ወዲ ነዌ ኣብ ማእከሎም ርስቲ ሀብዎ።
50. ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እታ ዝደለያ ኣብ ከረን ኤፍሬም ዘላ ኸተማ፡ ቲምናትሴራ ሀብዎ። ነታ ኸተማ ሰርሓ፡ ኣብኣ ድማ ተቐመጠ።
51. እቲ ኻህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዊውን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ኣብ ሺሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኮይኖም፡ ብዕጭ ዝመቐልዎ ርስትታት እዚ እዩ። ምምቃል እታ ምድሪ ኸአ ወድኡ።

  Joshua (19/24)