Joshua (17/24)  

1. ንነገድ ምናሴ ድማ፡ በኹሪ ዮሴፍ እዩ እሞ፡ ዕጩ እዚ እዩ፡ ማኪር፡ በኹሪ ምናሴ ኣቦ ጊልዓድ፡ ተውጋኢ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ጊልዓድን ባሳንን ንእኡ ኾነ።
2. ነቶም ዝተረፉ ደቂ ማናሴ ድማ ከከም ዓሌቶም ዕጭ በጽሖም፡ ንደቂ ኣቢዔዘርን ንደቂ ሔለቅን ንደቂ እስራኤልን ንደቂ ሴኬምን ንደቂ ሔፈርን ንደቂ ሸሚዳን፡ ተባዕትዮ ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፡ ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።
3. ግናኸ ጸሎፈሓድ ወዲ ሔፈር ወዲ ጊልዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፡ ኣዋልድ ጥራይ እምበር ኣወዳት ኣይነበርዎን፡ ስም እተን ኣዋልዱ ኸአ እዚ እዩ፡ ማሕላ ኖዓ፡ ሖግላ ሚልካ ቲርጻ።
4. ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ እያሱ ወዴ ነዌን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ቀሪበን፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ማእከል ኣሕዋትና ርስቲ ኺህበና ኣዚዝዎ እዩ፡ በላ። ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ከአ ኣብ ማእከል ሐወቦታተን ርስቲ ሀበን።
5. እተን ኣዋልድ ምናሴ ኣብ ማእከል እቶም ደቁ ርስቲ ስለ ዝወረሳ፡ ንምናሴ ብዘይ እታ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ምድሪ ጊልዓድን ባሳንን፡ ዓሰርተ ዕጭ ወደቐሉ። ምድሪ ጊልዓድ ከአ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ኽነት።
6. እተን ኣዋልድ ምናሴ ኣብ ማእከል እቶም ደቁ ርስቲ ስለ ዝወረሳ፡ ንምናሴ ብዘይ እታ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ምድሪ ጊልዓድን ባሳንን፡ ዓሰርተ ዕጭ ወደቐሉ። ምድሪ ጊልዓድ ከአ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ኽነት።
7. ዶብ ምናሴ ድማ ካብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንጽር ሴኬም ዘላ ሚክሜታት ኮነ። እቲ ዶብ ከአ ንየማን ኣቢሉ ናብቶም ኣብ ዔንታጱኣ ዚነብሩ ይሐልፍ።
8. ምድሪ ታጱኣ ንምናሴ ኾነት፡ እታ ኣብ ዶብ ምናሴ ዘላ ታጷኣ ግና ንደቂ ኤፍሬም ኮነት።
9. እቲ ዶብ ከአ ናብ ርባቃና ብደቡብ እቲ ርባ ይወርድ። እዘን ከተማታት እዚኤን፡ ኣብ ማእከል ከተማታት ምናሴ ኽንሰን፡ ንኤፍሬም ኮና። ዶብ ምናሴ ድማ ብሰሜን እቲ ርባ እዩ፡ ናብ ባሕሪ ኣቢሉ ኸአ ይወጽእ።
10. ደቡብ ንኤፍሬም፡ ሰሜን ድማ ንምናሴ ኾነ፡ ዶቡ ኸአ ባሕሪ እዩ። ብሰሜን ድማ ንምናሴ ኾነ ዶብ ኸአ ባሕሪ እዩ። ብሰሜን ናብ ኣሴር ብምብራቕ ከአ ናብ ይሳኮር ይበጽሕ።
11. ድማ ኣብ ይሳኮርን ኣብ ኣሴርን፡ ቤት ሽኣንን ዓድታታን ዩብልዓምን ዓድታታን ድማ፡ ኣብ ዶር ዚነብሩን ዓድታታን፡ ሰለስቲኤን በረኸት ንምናሴ ኾነ።
12. ግናኸ ደቂ ምናሴ ንሰብ እዘን ከተማታት እዚኤን ኬውእዎም ኣይከአሉን እሞ፡ ከነኣናውያን ኣብታ ሃገር ኪቕመጡ ቖረጹ።
13. ኮነ ኸአ፡ ደቂ እስራኤል ምስ ሐየሉ፡ ነቶም ከነኣናውያን ኣገበርዎም እምበር፡ ኣይሰጎግዎምን።
14. ደቂ ዮሴፍ ድማ ንእያሱ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኽሳዕ ዝኸውን እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዚ በሪኹኒ ኸሎስ፡ ስለምንታይ ኢኻ ሓደ ዕጭን ሓደ ኽፍልን ጥራይ ርስቲ ዝሀብካኒ፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
15. እያሱ ኸአ፡ ብዙሕ ህዝቢ እንተ ኾንካ እሞ ከረን ኤፍሬም ኣንተ ደአ ጸበበካ፡ ኣብ ምድሪ ፈሪዛውያንን ረፋይምን ናብ ዘሎ ዱር ደይብ፡ ኣብኡ ኸአ ንኣኻ ልበድ፡ በሎም።
16. ደቂ ዮሴፍ ድማ፡ እቲ ኸረን ኣይአኸለናን፡ እቶም ኣብ ምድሪ ለሰ ዚነብሩ ኸነኣናውያንን፡ እቶም ኣብ ቤትሸኣንን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ ኾነ፡ ኣብ ለሰ ይዝርኤል ዚነብሩ ኾነ ኹላቶም ሰረገላታት ሓጺን ኣለዎም፡ በሉ።
17. እያሱ ኸአ ንቤት፡ ዮሴፍ፡ ንኤፍሬምን ንምናሴን፡ ንስኻ ብዙሕ ህዝቢ ኢኻ፡ ዓብዩ ሓይሊውን ኣሎካ፡ ሓደ ዕጭ ትራይ ኣይኾነልካ፡
18. እቲ ኸረን ድማ ንኣኻ ይኹን፡ ዱር ክነሱ፡ ልበዶ እሞ ብዘሎ ናትካ ኪኸውን እዩ። ነቶም ከነኣናውያን ከአ፡ ሰረገላ ሓጺን እኳ እንተለዎም ሓያላትውን እንተ ኾኑ፡ ከተውጽኦም ኢኻ፡ ኢሉ ተዛረቦም።

  Joshua (17/24)