Joshua (16/24)  

1. እቲ ዕጭ ደቂ ዮሴፍ ድማ ካብ ዮርዳኖስ ጥቓ ያሪኮ ብወገን ምብራቑ ንማይ ያሪኮ፡ ካብ ያሪኮ ድማ በቲ ናብ ከረን ቤትኤል ዜደይብ በረኻ ወጸሎም።
2. ካ ቤትኤል ናብ ሉዝ መጺኡ ኸአ፡ ብዶብ ኣርካውያን ገይሩ ናብ ዓጣሮት ይሐልፍ።
3. ብምዕራብ ከአ ናብ ዶብ ያፍላጣውያን ክሳዕ ዶብ ታሕታይ ቤትሖሮንን ክሳዕ ጌዘርን ይወርድ፡ ናብ ባሕሪ ድማ ይወጽእ።
4. ደቂ ዮሴፍ፡ ምናሴን ኤፍሬምን፡ ድማ ርስቶም ወሰዱ።
5. ዶብ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ ዶብ ርስቶም ብምብራቕ ዓጣሮትኣዳር ክሳዕ ላዕላይ ቤትሖሮን እዩ።
6. እቲ ዶብ ብወገን ምዕራብ ከአ ንሰሜን ሚክመታት ይወጽእ፡ እቲ ዶብ ድማ ንምብራቕ ኣቢሉ ናብ ታኣናትሺሎ ዘይሩ ናብ ምብራቕ ያኖእ ይሐልፍ።
7. ካብ ያኖእ ኸአ ናብ ዓጣሮትን ናብ ናዓራን ይወርድ፡ ናብ ያሪኮ በጺሑ፡ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ።
8. ካብ ታጵኣ እቲ ዶብ ንምዕራብ ኣቢሉ ኽሳዕ ርባ ቅና ሓሊፉ ናብ ባሕሪ ይወጽእ። ምስተን ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ ምናሴ ዘለዋ ንደቂ ኤፍሬም እተፈልያ ኸተማታት፡ ኩለን ከተማታት ምስ ዓድታተን፡ ርስቲ ነገድ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዚአተን እየን።
9. ካብ ታጵኣ እቲ ዶብ ንምዕራብ ኣቢሉ ኽሳዕ ርባ ቅና ሓሊፉ ናብ ባሕሪ ይወጽእ። ምስተን ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ ምናሴ ዘለዋ ንደቂ ኤፍሬም እተፈልያ ኸተማታት፡ ኩለን ከተማታት ምስ ዓድታተን፡ ርስቲ ነገድ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዚአተን እየን።
10. ንሳቶም ግና ነቶም ኣብ ጌዘር ዚነብሩ ኸነአናውያን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከል ደቂ ኤፍሬም ይቕመጡ ኣለው፡ ገባሮም ከአ ኮኑ።

  Joshua (16/24)