Joshua (15/24)  

1. ንነገድ ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም፡ ክሳዕ ዶብ ኤዶም፡ ናብ ወገን ደቡብ ዜብል በረኻ ሲን፡ ክሳዕ ወሰን ደቡብ ዕጭ በጽሖም።
2. እቲ ናይ ደቡብ ዶቦም ድማ ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው፡ ካብቲ ንደቡብ ዜብል ልሳን ነበረ፡
3. ንዓቐበት ዓቅራቢም ናብ ደቡብ ወጺኡ፡ ንሲን ከአ ሓሊፉ፡ ንቃዴስባርኔዓ ብደቡብ ደዩቡ፡ ንሓጽሮን ሓለፉ ድማ ንኣዳር ይድይብ ናብ ቃርቃዕ ኣቢሉ ኸአ ይዘውር።
4. ንዓጽሞን ኣቢሉ ድማ ይሐልፍ፡ ናብ ርባ ግብጺ ይወጽእ። እቲ ዶብ ከአ ናብ ባሕሪ ይወጽእ። ናይ ደቡብ ዶብኩም እዚ ይኹን።
5. ናይ ምብራቕ ዶብ ድማ ባሕሪ ጨው ክሳዕ መወዳእታ ዮርዳኖስ እዩ፡ ናይ ሸነኽ ሰሜን ዶብ ድማ ካብ ልሳብ ባሕሪ ኣብ መወዳእታ ዮርዳኖስ እዩ።
6. እታ ዶብ ከአ ንቤትሖግላ ይድይብ እሞ ብሰሜን ቤትዓራባ ይሐልፍ፡ እቲ ዶብ ድማ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይድይብ።
7. እቲ ዶብ ከአ ካብ ለሰ ዓኮር ናብ ደቢር ይድይብ፡ ከምኡ ኸአ ናብ ሰሜን፡ ንጊልጋል ኣቢሉውን ይጥምት፡ ንሱ ኸአ ኣብ መንጽር እቲ ኣብ ሸነኽ ደቡቡ፡ ነቲ ርባ ዘሎ ዓቐበት ኣዱሚም እዩ፡ እቲ ዶብ ድማ ንማይ ዔንሽመሽ ይሐልፍ፡ ናብ ዔንሮጌል ይወጽእ።
8. እቲ ዶብውን በቲ ለሰ ወዲ ሂኖም ገይሩ፡ ናብ ጸግዒ ደቡብ እታ ይቡሳዊ፡ ንሳ ኸኣአ ዮርሳሌም ይድይብ። እቲ ዶብ ድማ ናብ ሸነኽ ምዕራብ፡ ኣብ ሰሜናይ ወሰን ለሰ ረፋይም፡ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ ቅድሚ ለሰሂኖም ዘሎ ኸረን ይድይብ።
9. ካብ ርእሲ እቲ ኸረን ከአ እቲ ዶብ ናብ ዓይኑ ማይ ነፍቶኣ ይሓልፍ፡ ናብ ከተማታት ከረን ዔፍሮንውን ይወጽእ፡ እቲ ዶብ ከአ ናብ በዓላ፡ ንሳ ቂርያትየዓሪም፡ ይዘውር።
10. ካብ በዓላ ንምዕራብ ድማ እቲ ዶብ ንኸረን ስዒር ይዘውር፡ ናብ ሰሜናይ ጸግዒ ኸረን የዓሪም ከአ ይሓልፍ፡ ንሱ ኽሳሎን እዩ፡ ንቤትሽመሽ ወሪዱ ድማ ናብ ቲምና ይሐልፍ።
11. እቲ ዶብ ከአ ብሰሜን ጸግዒ ዔቅሮን ይወጽእ። እቲ ዶብውን ናብ ሲክሮን ኣቢሉ ይዘውር፡ ብኸረን በዓላ ድማ ይሐልፍ፡ ናብ ያብንኤል ይወጽእ፡ እቲ ዶብ ከአ ናብ ባሕሪ ይወጽእ።
12. እቲ ናይ ምዕራብ ዶብ ድማ ዓብዩ ባሕርን ዶቡን እዩ። ዶብ ደቂ ይሁዳ ከከም ዓሌቶም ብዙርያኡ እዚ እዩ።
13. ንካሌብ ወዲ የፋነ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንኣይሱ ዝአዘዞ፡ ኣብ ማእከል ደቂ ይሁዳ ግደ ሀቦ፡ ቂርያትኣርባ፡ ኣቦ ዓናቅ፡ ንሳ ኬብሮን እያ።
14. ካሌብ ድማ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ፡ ንሽሻይን ንኣሂማንን ንታልማይን፡ ወለዶ ዓናቅ፡ ካብኣ ኣውጽኦም
15. ካብኣ ናብቶም ኣብ ደቢር ዝነብሩ ደየበ። ስም ደቢር ከአ ቀደም ቂርያትሴፈር ነበረ።
16. ካሌብ ድማ ነቲ ንቂርያትሴፈር ተዋጊኡ ዝሐዛ፡ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኮና ኽህባ እየ፡ በለ።
17. ሽዑ ዖትኒኤል፡ ወዲ ቄናዝ ሓው ካሌብ፡ ሐዛ እሞ ዓክሳ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሀቦ።
18. ኮነ ኸአ፡ ምስ መጸት፡ ካብ ኣቦኣ ግራት ኪልምን መኽረቶ፡ ካብ ኣድጋ ኸአ ወረደት። ካሌብ ድማ፡ እንታይ ዃንካ፡ በላ።
19. ንሳ ኸአ፡ በረኸት ሀበኒ፡ ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ ዓይኒ ከአ ሀበኒ፡ በከት። ንሱ ድማ ላዕላይ ዓይኒ ማያትን ታሕታይ ዓይኑ ማያትን ሀባ።
20. ርስቲ ነገድ ደቂ ዩዳ ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡
21. እተን ብወገን ደቡብ ናብ ዶብ ኤዶም ዜብላ ወሰኖት ከተማታት ነገድ ደቂ ይሁዳ ድማ፡ እዚኣተን እየን፡ ቃብጽኤልን ዔደርን ያጉርን፡
22. ቄናን ዲሞናን ዓድዓዳን፡
23. ሓጾርሓዳታን ቄሪዮት ሔጽሮንን፡ ንሳ ሓጾር እያ፡
24. ኣማምን ሽማዕን ሞላዳን፡
25. ኣማምን ሽማዕን ሞላዳን፡
26. ኣማምን ሽማዕን ሞላዳን፡
27. ሓጻርጋዳን ሔሽሞን ቤትጰለጥን፡
28. በዓላን ዒዮምን ዓጸምን፡
29. ኤልቶላድን ኬሲልን ሖርማን፡
30. ኤልቶላድን ኬሲልን ሖርማን፡
31. ጺቅላግን ማድማናን ሳንሳናን፡
32. ልቦኦትን ሺልሂምን ዓዩንን ሪሞንን ኩለን ዕስራን ትሽዓተን ከተማ ምስ ዓድታተን።
33. ኣብ ቄላ፡ ኤሽታኦልን ጾርዓን ኣሽናን፡
34. ዛኖኣን ዔንጋኒምን ታጱኣን ዔናምን፡
35. ያርሙትን ዓዱላምን ሶኮን ዓዜቃን፡
36. ሻዓራይምን ዓዲታይምን ግዴራን ግዴሮታይምን፡ ዓስረተው ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
37. ጽናን ሓዳሻን ሚግዳልጋድን፡
38. ዲልዓንን ሚጽጴን ዮቅትኤልን፡
39. ላኪሽን ቦጽቃትን ዔግሎንን፡
40. ካቦንን ላሕማስን ኪትሊሽን፡
41. ግዳሮትን ቤትዳጎንን ናዓምን ማቄዳን፡ ዓስርተው ሹድሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
42. ሊብናን ዔተርን ዓሻንን፡
43. ዩፍታሕን ኣሽናን ንጺብን፡
44. ቅዒላን ኣኽዚብን ማሬሻን፡ ትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
45. ዔቅሮን ምስ ከተማታታን ዓድታትን።
46. ካብ ዔቅሮን ክሳዕ ባሕሪ፡ ኣብ ጥቓ ኣሽዶድ ዘለዋ ኹለን ምስ ዓድታተን።
47. ኣሽዶድ ምስ ከተማታታን ዓድታታን። ጋዛ ምስ ከተማታታን ዓድታታን ክሳዕ ርባ ግብጽን ክሳዕ ዓብዩ ባሕርን ዶቡን።
48. ኣብ ከረን ድማ፡ ሻሚርን ያቲርን ሶኮን፡
49. ዳናን ቂርያትሳናን፡ ንሳ ደቢር እያ፡
50. ዓናብን ኤሽትሞን ዓኒምን፡
51. ጎሼንን ሖሎንን ጊሎን፡ ዓሰርተው ሓደ ኸተማ ምድ ዓድታተን።
52. ኣራብን ዱማን ኤሽዓንን፡
53. ያኑምን ቤታታጱኣን ኣፌቃን፡
54. ሑምታን ቂርያትኣርባን፡ ንሳ ኼብሮን እያ፡ ጺዖርን፡ ትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
55. ማዖንን ካርሜልን ዚፍን ዩጣን፡
56. ይዝርኤን ዩቅድዓምን ዛኖኣን፡
57. ቃዩንን ጊብዓን ቲምናን፡ ዓሰርተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
58. ሓልሑልን ቤትጹርን ግዶርን፡
59. ማዓራትን ቤትዓኖትን ኤልትቆንን፡ ሹዱሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
60. ቂርያትበዓል፡ ንሳ ቂርያትይዓሪም እያ፡ ራባውን፡ ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
61. ኣብ በረኻ ቤትዓራባን ሚዲንን ስካካን፡
62. ኒብሻንን ዒርሃመላሕን ዔንጌዲን፡ ሹዱሽተ ከተማ ምስ ዓድታተን።
63. ነቶም ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ይቡሳውያን ግና፡ ደቂ ይሁዳ ኼውጽእዎም ኣይከአሉን። ስለዚ ይቡሳውያን ክሳዕ ሎም መዓልቲ ምስ ደቂ ይሁዳ ኣብ ዮርሳሌም ይነብሩ ኣለው።

  Joshua (15/24)