Joshua (14/24)  

1. እተን ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዝወረስወን፡ እሞ እቲ ኻህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን እቶም ርእስታት ኣቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ዘውረስዎም፡ እዚአትን እየን፡
2. ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ፡ ንትሽዓተ ነገድን ንፈረቓ ነገድን ረርስቶም ብዕጭ ከፈሎም።
3. ነቶም ክልተ ነገድን ንፈረቓ ነገድንሲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ርስቲ ሂብዎም ነበረ፡ ንሌዋውያን ግና ኣብ መንጎኦም ርስቲ ኣይሀቦምን።
4. ደቂ ዮሴፍ ክልተ ነገድ፡ ምናሴን ኤፍሬምን ነበሩ እሞ፡ ንሌዋውያን ግና፡ ብጀካ እተን ዚነበሩለን ከተማታት ምስተን ንኸብቶምን ንጥሪቶምን ዚኾና ኸበብተን፡ ኣብታ ምድሪ ግደ ኣይሀቦምን።
5. ደቂ እስራኤል፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ከምኡ ገበሩ፡ ነታ ምድሪ ተማቐልዋ።
6. ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጊልጋል ናብ እያሱ ቐረቡ፡ ካሌብ፡ ወዲ የፋነ እቲ ቄኔዛዊ፡ ከአ በሎ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ቃዴስባርኔዓ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ዝበሎ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ።
7. እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ነታ ምድሪ ኽስሊ፡ ካብ ቃዴስባርኔዓ ኺስደኒ ኸሎ፡ ኣነ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ እሞ ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ።
8. እቶም ምሳይ ደይቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ ኣሰበርዎ።
9. ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺምካ ስለ ዝስዐብካዮ፡ እታ እግርኻ ዝረገጸታ ምድሪ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለአለም ርስቲ ትኹን፡ ኢሉ መሐለ።
10. ሕጂ ድማ እንሆ፡ እቲ እስራኤል ኣብ በረኻ ኺመላለስ ከሎ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ እዚ ቓል እዚ ኻብ ዚነግሮ፡ ከምቲ ዝበሎ፡ እግዚኣብሄር እዘን ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ብህይወት ኣጽንሓኒ። ሕጂ ኸአ እንሆ፡ ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኮይነ ኣለኹ።
11. ከምታ ሙሴ ኺልእከኒ መዓልቲ፡ ሎሚ ኸአ ሓይለይ ከምኡ ኣሎ፡ ሃይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ፡ ሕጂ ሐይለይ ከምኡ ኣሎ።
12. ሕጂ ኸአ፡ ከምቲ፡ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ እተዛረቦ፡ እዚ ኸረን እዚ ሀበኒ። ዓናቃውያንን ዓበይትን ዕሩዳትን ከተማታት ድማ ከም ዘለውዋ፡ ንስኻ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዕካ ኢኻ እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ምሳይ ይኸውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸአ፡ ክሰጎም እየ።
13. እያሱ ድማ ንካሌብ ወዲ የፋኒ መረቖ፡ ኬብሮን ከአ ንርስቲ ሀቦ።
14. ካሌብ፡ ወዲ የፋነ እቲ ቄነዛዊ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፈጺሙ ስለ ዝስዐቦ፡ ኬብሮን ክሳዕ ሎም መዓልቲ ርስቱ ኾነት።
15. ቀደም ስም ኬብሮን ቂርያትኣርባ ነበረ። ኣርባ እቲ ኣብ ማእከል ዓናቃውያን ዚዐብዩ ዝነበረ ሰብኣይ እዩ። እታ ሃገር ድማ ካብ ውግእ ዐረፈት።

  Joshua (14/24)