Joshua (13/24)  

1. እያሱ ድማ ነዊሕ ዘበን ገይሩ ኣሪጉ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከአ በሎ፡ ንስኻ ነዊሕ ዘበን ጌርካ ኣሪግካ ኢኻ፡ እትተሓዝ ምድሪ ድማ ገና ኣዝያ ገዛፍ ተሪፋ ኣላ።
2. እታ ዝተረፈት ምድሪ ኸአ እዚኣ እያ፡ ብዘሎ ጎደቦታት ፍልስጥኤማውይን ኩሎም ጌሹራውያንን፡
3. ካብታ ኣብ ቅድሚ ግብጺ ዘላ ሺሖር ንሰሜን ከአ ክሳዕ እታ ምስ ምድሪ ኸነኣን እትቑጸር ዶብ ዔቅሮን፡ ናይቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን፡ ጋዛውያን ኣሽዶዳውያን፡ ኣስቀሎናውያን፡ ጋታውያን፡ ዔቅሮናውያን ዓዋውያን ድማ፡
4. ብደቡብ ኩሉ ምድሪ ኸነኣናውያን፡ ሜዓራ ናይ ሲዶናውያን ክሳዕ ኣፌቅ፡ ክሳዕ ዶብ ኣሞራውያን፡
5. ድማ ምድሪ ጌበላውያን፡ ብዘሎ ሊባኖስ ድማ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ፡ ካብቲ ኣብ እግሪ ኸረን ሄርሞን ዘሎ በዓልጋድ ክሳዕ እቲ ንሓማት ዜእቱ፡
6. ኣብ ኣኽራን ካብ ሊባኖስ ክሳዕ ሚስረፎት ማዩም ዚነብሩ ኹሎም ብዘለው ሲዶናውያን። ኣነ ኻብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክሰጎም እየ። ጥራይ፡ ከምቲ ዝአዘዝኩኻ ጌርካ፡ እታ ምድሪ ንእስራኤል ርስቲ ኣካፍሎም።
7. እምበአር ሕጂ እዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ንርስቲ ምቐላ።
8. ምስኡ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝሀቦም፡ እቲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ዝሀቦም ርስቶም ተቐበሉ፡
9. ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ካብታ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማ ኸአ ብዘሎ ጎልጎል ሜድባ ኽሳዕ ዲቦንውን፡
10. ድማ ኹለን ከተማታት ናይቲ ኣብ ሔስቦን ክሳዕ ዶብ ደቂ ኣሞን ዝነገሰ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡
11. ጊልዓድን ዶብ ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፡ ብዘሎ ኸረን ሄርሞንን ብዘሎ ባሳን ድማ ክሳዕ ሳልካ፡
12. ብዘሎ መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ እቲ ኣብ ኣስታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝነገሰ፡ ንሱ ኻብቶም ተረፍ ራፋውያን ተሪፉ ነበረ፡ ሙሴ ድማ ወቒዑ ኣውጽኦም።
13. ንጌሹራውያንን ንማዓካታውያንን ግና ደቂ እስራኤል ኣየውጽእዎምን እሞ ጌሹርን ማዓካትን ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኣብ ማእከል እስራኤል ይቕመጡ ኣለው።
14. ንነገድ ሌዊ ጥራይ ርስቲ አይሀቦምን፡ ርስቱስ ከምቲ ዝበሎ፡ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል መስዋእቲ ሓዊ እዩ
15. እምበአርሲ ሙሴ ንነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሀቦም።
16. ዶቦም ከአ ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔርን ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዐሮዔርን ካብቲ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማን፡ ብዘሎ ጎልጎል ሜድባ ድማ፡
17. ሔስቦንን እተን ኣብ ጎልጎል ዘለዋ ኹለን ከተማታታን፡ ዲቦንን ባሞትበዓልን ቤትበዓልሜዖንን፡
18. ያሕጻን ቄዴሞትን ሜፋዓትን፡
19. ቂርያታዮምን ሲብማን እታ ኣብታ ኣብ ለሰ ዘሎ ኸረን ዘላ ጸሬትሻሓር ድማ፡
20. ቤትጴዖርን ጎቦታት ጲስጋንን፡ ቤትየሺሞትን፡
21. ኩለን ከተማታት ጎልጎልን ብዘላ መንግስቲ እቲ ኣብ ሔስቦን ነጊሱ ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ምስቶም ሹማምቲ ሚድያን፡ ኤዊን ሬቀምን ጹርን ሑርን ሬባን፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሹማምቲ ሲሆን፡ ሙሴ ዝወቕዖም፡
22. ንበላዓም ጠንቋሊ ወዲ ቤዖር ድማ ምስቶም ካልኦት ቅቱላቶም ደቂ እስራኤል ብሴፍ ቀተልዎ።
23. ዶብ ደቂ ሮቤል ድማ ዮርዳኖስን ዶቡን ነበረ። ርስቲ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶም፡ ከተማታትን ዓድታትን እዚ እዩ።
24. ንንገድ ጋድ ድማ፡ ንደቂ ጋድ ከከም ዓሌቶም ሙሴ ሀቦም።
25. ዶቦም ከአ ያዕዜርን ኩለን ከተማታት ጊልዓድን ፈረቓ ምድሪ ደቂ ኣሞን ድማ ክሳዕ እታ ኣብ መንጽር ራባ ዘላ ዓሮዔር ነበረ።
26. ካብ ሔስቦን ድማ ክሳዕ ራማትሚጽጴን በጦኒምን፡ ካብ መሃናይም ከአ ክሳዕ ዶብ ደቢር፡
27. ኣብቲ ለሰ ድማ፡ ቤትሃራምን ቤትኒምራን ሱኬትን ጻፎንን፡ እቲ ተረፍ መንግስቲ ሲሆን፡ ንጉስ ሔስቦን፡ እቲ ዶብ ድማ ዮርዳኖስ እዩ ክሳዕ ወሰን ባሕሪ ኪነረት፡ ስግር ዮርድናኦስ ብምብራቕ።
28. ርስቲ ደቂ ጋድ ከክም ዓሌቶም ከተማታት ምስ ዓድታተን እዚ እዩ።
29. ንፈረቓ ነገድ ምናሴውን ሙሴ ርስቲ ሀቦም፡ ንሱ ኸአ ንፈረቓ ነገድ ደቂ ምናሴ ከከም ዓሌቶም ኮነ።
30. ዶቦም ከአ ካብ መሃናይም ብዘሎ ባሳን፡ ብዘሎ መንግስቲ ዖግ ንጉስ ባሳን፡ ኩለን ዓድታት ናይታ ኣብ ባሳን ዘላ ያኢር፡ ስሳ ኸተማታት፡
31. ፈረቓ ጊልዓድ ድማ፡ ኣስትሮትን ኤድሬዒን፡ ከተማታት መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ ንደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ንፈረቓ ደቂ ማኪር ከከም ዓሌቶም ኮነ።
32. እተን ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ብወገን ምብራቕ ንያሪኮ፡ ኣብ ጎልጎል ሞኣብ፡ ሙሴ ዘረስተዮም፡ እዚአተን እየን።
33. ንነገድ ሌዊ ግና፡ ከምቲ ዝበሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ ርስቶም እሞ፡ ሙሴ ርስቲ ኣይሀቦምን።

  Joshua (13/24)