← Joshua (13/24) → |
1. | እያሱ ድማ ነዊሕ ዘበን ገይሩ ኣሪጉ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከአ በሎ፡ ንስኻ ነዊሕ ዘበን ጌርካ ኣሪግካ ኢኻ፡ እትተሓዝ ምድሪ ድማ ገና ኣዝያ ገዛፍ ተሪፋ ኣላ። |
2. | እታ ዝተረፈት ምድሪ ኸአ እዚኣ እያ፡ ብዘሎ ጎደቦታት ፍልስጥኤማውይን ኩሎም ጌሹራውያንን፡ |
3. | ካብታ ኣብ ቅድሚ ግብጺ ዘላ ሺሖር ንሰሜን ከአ ክሳዕ እታ ምስ ምድሪ ኸነኣን እትቑጸር ዶብ ዔቅሮን፡ ናይቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን፡ ጋዛውያን ኣሽዶዳውያን፡ ኣስቀሎናውያን፡ ጋታውያን፡ ዔቅሮናውያን ዓዋውያን ድማ፡ |
4. | ብደቡብ ኩሉ ምድሪ ኸነኣናውያን፡ ሜዓራ ናይ ሲዶናውያን ክሳዕ ኣፌቅ፡ ክሳዕ ዶብ ኣሞራውያን፡ |
5. | ድማ ምድሪ ጌበላውያን፡ ብዘሎ ሊባኖስ ድማ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ፡ ካብቲ ኣብ እግሪ ኸረን ሄርሞን ዘሎ በዓልጋድ ክሳዕ እቲ ንሓማት ዜእቱ፡ |
6. | ኣብ ኣኽራን ካብ ሊባኖስ ክሳዕ ሚስረፎት ማዩም ዚነብሩ ኹሎም ብዘለው ሲዶናውያን። ኣነ ኻብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክሰጎም እየ። ጥራይ፡ ከምቲ ዝአዘዝኩኻ ጌርካ፡ እታ ምድሪ ንእስራኤል ርስቲ ኣካፍሎም። |
7. | እምበአር ሕጂ እዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ንርስቲ ምቐላ። |
8. | ምስኡ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝሀቦም፡ እቲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ዝሀቦም ርስቶም ተቐበሉ፡ |
9. | ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ካብታ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማ ኸአ ብዘሎ ጎልጎል ሜድባ ኽሳዕ ዲቦንውን፡ |
10. | ድማ ኹለን ከተማታት ናይቲ ኣብ ሔስቦን ክሳዕ ዶብ ደቂ ኣሞን ዝነገሰ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ |
11. | ጊልዓድን ዶብ ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፡ ብዘሎ ኸረን ሄርሞንን ብዘሎ ባሳን ድማ ክሳዕ ሳልካ፡ |
12. | ብዘሎ መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ እቲ ኣብ ኣስታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝነገሰ፡ ንሱ ኻብቶም ተረፍ ራፋውያን ተሪፉ ነበረ፡ ሙሴ ድማ ወቒዑ ኣውጽኦም። |
13. | ንጌሹራውያንን ንማዓካታውያንን ግና ደቂ እስራኤል ኣየውጽእዎምን እሞ ጌሹርን ማዓካትን ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኣብ ማእከል እስራኤል ይቕመጡ ኣለው። |
14. | ንነገድ ሌዊ ጥራይ ርስቲ አይሀቦምን፡ ርስቱስ ከምቲ ዝበሎ፡ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል መስዋእቲ ሓዊ እዩ |
15. | እምበአርሲ ሙሴ ንነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሀቦም። |
16. | ዶቦም ከአ ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔርን ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዐሮዔርን ካብቲ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማን፡ ብዘሎ ጎልጎል ሜድባ ድማ፡ |
17. | ሔስቦንን እተን ኣብ ጎልጎል ዘለዋ ኹለን ከተማታታን፡ ዲቦንን ባሞትበዓልን ቤትበዓልሜዖንን፡ |
18. | ያሕጻን ቄዴሞትን ሜፋዓትን፡ |
19. | ቂርያታዮምን ሲብማን እታ ኣብታ ኣብ ለሰ ዘሎ ኸረን ዘላ ጸሬትሻሓር ድማ፡ |
20. | ቤትጴዖርን ጎቦታት ጲስጋንን፡ ቤትየሺሞትን፡ |
21. | ኩለን ከተማታት ጎልጎልን ብዘላ መንግስቲ እቲ ኣብ ሔስቦን ነጊሱ ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ምስቶም ሹማምቲ ሚድያን፡ ኤዊን ሬቀምን ጹርን ሑርን ሬባን፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሹማምቲ ሲሆን፡ ሙሴ ዝወቕዖም፡ |
22. | ንበላዓም ጠንቋሊ ወዲ ቤዖር ድማ ምስቶም ካልኦት ቅቱላቶም ደቂ እስራኤል ብሴፍ ቀተልዎ። |
23. | ዶብ ደቂ ሮቤል ድማ ዮርዳኖስን ዶቡን ነበረ። ርስቲ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶም፡ ከተማታትን ዓድታትን እዚ እዩ። |
24. | ንንገድ ጋድ ድማ፡ ንደቂ ጋድ ከከም ዓሌቶም ሙሴ ሀቦም። |
25. | ዶቦም ከአ ያዕዜርን ኩለን ከተማታት ጊልዓድን ፈረቓ ምድሪ ደቂ ኣሞን ድማ ክሳዕ እታ ኣብ መንጽር ራባ ዘላ ዓሮዔር ነበረ። |
26. | ካብ ሔስቦን ድማ ክሳዕ ራማትሚጽጴን በጦኒምን፡ ካብ መሃናይም ከአ ክሳዕ ዶብ ደቢር፡ |
27. | ኣብቲ ለሰ ድማ፡ ቤትሃራምን ቤትኒምራን ሱኬትን ጻፎንን፡ እቲ ተረፍ መንግስቲ ሲሆን፡ ንጉስ ሔስቦን፡ እቲ ዶብ ድማ ዮርዳኖስ እዩ ክሳዕ ወሰን ባሕሪ ኪነረት፡ ስግር ዮርድናኦስ ብምብራቕ። |
28. | ርስቲ ደቂ ጋድ ከክም ዓሌቶም ከተማታት ምስ ዓድታተን እዚ እዩ። |
29. | ንፈረቓ ነገድ ምናሴውን ሙሴ ርስቲ ሀቦም፡ ንሱ ኸአ ንፈረቓ ነገድ ደቂ ምናሴ ከከም ዓሌቶም ኮነ። |
30. | ዶቦም ከአ ካብ መሃናይም ብዘሎ ባሳን፡ ብዘሎ መንግስቲ ዖግ ንጉስ ባሳን፡ ኩለን ዓድታት ናይታ ኣብ ባሳን ዘላ ያኢር፡ ስሳ ኸተማታት፡ |
31. | ፈረቓ ጊልዓድ ድማ፡ ኣስትሮትን ኤድሬዒን፡ ከተማታት መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ ንደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ንፈረቓ ደቂ ማኪር ከከም ዓሌቶም ኮነ። |
32. | እተን ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ብወገን ምብራቕ ንያሪኮ፡ ኣብ ጎልጎል ሞኣብ፡ ሙሴ ዘረስተዮም፡ እዚአተን እየን። |
33. | ንነገድ ሌዊ ግና፡ ከምቲ ዝበሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ ርስቶም እሞ፡ ሙሴ ርስቲ ኣይሀቦምን። |
← Joshua (13/24) → |