Joshua (11/24)  

1. ኮነ ኸአ፡ ያቢን ንጉስ ሓጾር እዚ ምስ ሰምዔ፡ ናብ ዮባብ ንጉስ ማዶንን ናብ ንጉስ ሺምሮንን ናብ ንጉስ ኣክሻፍውን፡
2. ናብቶም ብሰሜን ኣብ ኣኽራንን ኣብ ጎልጎልን ብደቡብ ኪነሮት ድማ ኣብ ቁላን ኣብ ምዕራብ በረኽቲ ዶር ናብ ዝነበሩ ነገስታት፡
3. ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነኣናውያን፡ ናብ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን፡ ኣብ ኣኽራን ናብ ዝነበሩ ይቡሳውያንን ኣብ እግሪ ሄርሞን ኣብ ምድሪ ሚጽጳ ናብ ዝነበሩ ሃዋውያንን ለአኸ።
4. ንሳቶምን ኩሎም ሰራዊቶምን ምሳታቶም፡ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሑ ብዙሕ ህዝቢ፡ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ፈረስን ሰረገላን ወጹ።
5. እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኩሎም ከአ ተአከቡ ምስ እስራኤል ኪዋጉ መጺኦም ድማ ኣብ ማይ ሜሮም ብሓደ ሰፈሩ።
6. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ኣነ ንኹሎም ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፡ ብእኦም ኣይትፍራህ፡ ኣፍሪሶም ክትቅንጅብ፡ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኽተንድድ ኢኻ፡ በሎ።
7. እያሱ፡ ብዘሎ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ኸአ ምስኡ፡ ኣብ ማይ ሜሮም መጺኡ፡ ብድንገት ሓደጋ ወደቖም።
8. እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ እስራኤል ሀቦም፡ እሞ ወቕዕዎም፡ ክሳዕ እታ ዓባይ ዲዶን፡ ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶን ክሳዕ ሚስረፎትማይም ድማ ብሸነኽ ምብራቕውን ክሳዕ ለሰ ሚጽጳ ሰጎጉዎም። ሓደ እኳ ከየትረፉሎም ቀተልዎም።
9. እያሱ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበሮም ኣፍራሶም ቀንጀበ፡ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኣንደደ።
10. ሓጾር ድማ ነዘን ኩለን መንግስትታት እዚኣተን ቀደም ርእሲ ኸተማኤን ነበረት እሞ፡ እያሱ በታ ጊዜ እቲኣ፡ ተመሊሱ ንሓጾር ሐዛ፡ ንጉሳ ኸአ ሰየፎ።
11. ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳት ብስሕለት ሴፍ ወቕዖም ፈጺሞም ኣጥፍእዎም፡ ትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ንሓጾርውን ብሓዊ ኣንደዳ።
12. እያሱ ድማ ንኹለን ከተማታት እዞም ነገስታት እዚኣቶምን ንኹሎም ነገስታተንን ሐዘ፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ኸአ፡ ብስሕለት ሴፍ ወቒዑ ፈጺሙ ኣጥፍኦም።
13. ብጀካ እታ እያሱ ዘንደዳ ሓጾር ጥራይ፡ እስራኤል ነተን ኣብ ኩርባታት ዘለዋ ኸተማታት ኣየንደደን።
14. ኩሉ ምርኮ እዘን ከተማታት እዚኤንን ማልን ደቂ እስራኣኤል ንርእሶም ማረኽዎ። ንኹሉ ሰብ ግና ክሳዕ ዜጥፍእዎም ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም። ትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣይተረፉን።
15. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ባርያኡ ዝአዘዞ፡ ከምኡ ሙሴ ንእያሱ ኣዘዞ፡ እያሱውን ከምኡ ገበረ። ንሱ ኻብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ኹሉ ሓደ ነገር እኳ ኣይሐደገን።
16. እያሱ ኸአ ንብዘላ እታ ሃገር፡ ምድሪ ኣኽራንን ኩሉ ደቡብን ብዘላ ምድሪ ጎሴንን ቁላን ጎልጎልን ኣኽራን እስራኤልን ቁላኡን ሐዘ።
17. ካብቲ ናብ ስዒር ዜደይብ መላጥ ከረን ሒዙ፡ ክሳዕ እቲ ኣብ ጎልጎል ሊባኖስ ኣብ እግሪ ሄርሞን ዘሎ በዓልጋድ ንኹሎም ነገስታቶም ሐዘ፡ ወቒዑ ድማ ቀተሎም።
18. እያሱ ምስ እዞም ኩሎም ነገስታት እዚኣቶም ነዊሕ ዘበን ተዋግኤ።
19. ብጀካ እቶም ኣብ ጊብዖን ዚነብሩ ሃዋውያንሲ፡ ምስ እስራኤል እተዐርቀት ከተማ ኣይነበረትን፡ ንኹለን ተዋጊኦም ሓዝወን።
20. ምእንቲ ፈጺሙ ኼጥፍኦም እሞ ምሕረት ከይረኽቡ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ምእንቲ ኼጥፍኦም፡ ምስ ደቂ እስራኤል ኪዋግኡ ምትራር ልቦም ካብ እግዚኣብሄር ኮነ።
21. በታ ጊዜ እቲኣ መጺኡ ነቶም ዓናቃውያን ካብ ኣኽራን፡ ካብ ኬብሮን፡ ካብ ደቢር፡ ካብ ዓናብ፡ ድማ ካብ ብዘሎ ኣኽራን ይሁዳን፡ ካብ ዓናብ ድማ ካብ ብዘሎ ኣኽራን ይሁዳን ካብ ብዘሎ ኣኽራን እስራኤልን ኣጥፍኦም። እያሱ ፈጺሙ ምስ ከተማታቶም ኣጥፍኦም።
22. ኣብ ሃገር ደቂ እስራኤል ገለ ዓናቃውያን ኣይተረፉን። ኣብ ጋዛን ኣብ ጋትን ኣብ ኣሽዶድን ጥራይ ተረፉ።
23. ከምኡ ድማ እያሱ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ እተዛረቦ ኹሉ፡ ንብሃገራ ሐዛ እያሱ ድማ ንእስራኤል ከከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሀቦም። እታ ሃገር ድማ ካብ ውግእ ዐረፈት።

  Joshua (11/24)