Joshua (10/24)  

1. ኮነ ኸአ፡ ኣዶኒ ጸዴቅ ንጉስ የሩሳሌም፡ እያሱ ንዓይን ከም ዝሓዛን ፈጺሙ ኸም ዘጥፍኣን፡ ከምቲ ንያሪኮን ንጉሳን ዝገብሮ፡ ከምኡ ድማ ንዓይን ንንጉሳንን ከም ዝገበረ፡ እቶም ኣብ ጊብዖን ዚነብሩውን ምስ እስራኤል ከም እተዐርቁን፡ ኣብ ማእከሎም ከአ ከም ዚነብሩን ምስ ሰምዔ፡
2. ጊብዖንሲ ኸም ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ነገስታት ዓባይ ከተማ ስለ ዝነበረት፡ ኤረ ኻብ ዓይን እኳ ትዐቢ ነበረት፡ ኩሎም ሰባውን ጀጋኑ ነበሩ እሞ፡ አዝዮም ፈርሁ።
3. ስለዚ ኣዶኒጼዴቅ ንጉስ ዮርሳሌም ናብ ሆሃም ንጉስ ኬብሮንን ናብ ጲርኣም ንጉስ ያርሙትን ናብ ያፊዓ ንጉስ ላኢሽን ናብ ደቢር ንጉስ ዔግሎንን ልኢኹ፡
4. ጊብዖን ምስ እያሱን ምስ ደቂ እስራኤልን ተዐሪቓ እያ እሞ፡ ክንዋግኣ ናባይ ደይብኩም ሓግዙኒ፡ በሎም።
5. ሽዑ ሓሙሽቲኦም ነገስታት ኣሞራውያንን፡ ንጉስ ላኪሽ፡ ንጉስ ዔግሎን፡ ንሳቶምን ኩሎም ሰራዊቶምን ተአኪቦም ደየቡ፡ ኣብ መንጽር ጊብዖን ድማ ሰፈሩ፡ ተዋግእዋ ኸአ።
6. ሰብ ጊብዖን ድማ ናብ እያሱ ኣብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ልኢኾም፡ እቶም ኣብ ከረን ዚነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ኹሎም ናባና ተአኪቦም እዮም እሞ፡ ኢድካ ኻብ ባሮትካ ኣይትድከም፡ ቀልጢፍካ ናባና ደይብ፡ ኣድሕነናን ርድኣናን፡ በልዎ።
7. ሽዑ እያሱ፡ ንሱን ብዘሎ እቲ ተዋጋኢ ህዝብን፡ ኹሎም ሓያላት ጀጋኑ ኸአ ምስኡ ኻብ ጊልፋል ደየቡ።
8. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኻ ኣይቐውምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ በሎ፡ በሎ።
9. እያሱ ኸአ ካብ ጊልጋል ምሉእ ለይቲ ገስጊሱ ብድነገት ሓደጋ ወዲቖም።
10. እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሸበሮም፡ ኣብ ጊብዖን ከአ ብዓብዩ መውቃዕቲ ወቕዕዎ፡ ብመገዲ ዓቐበት ቤትሖርን ሰጎጎም፡ ክሳዕ ዓዜቃን ክሳዕ ማቄዳን ከአ ወቕዖም።
11. ኮነ ኸአ፡ ካብ እስራኤል ሀዲሞም፡ ኣብቲ መውረዲ ቤትሖሮን ከለው ኽሳዕ ዓዜቃ ዚበጽሑ፡ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዓበይቲ ኣእማን ኣውደቐሎም፡ ሞቱ ኸአ። ካብቶም ደቂ እስራኤል ብሴፍ ዝቐተልዎም፡ እቶም በእማን በረድ ዝሞቱ ይበዝሑ።
12. ሽዑ በታ እግዚኣብሄር ንኣምራውያን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ዝሀበላ መዓልቲ፡ እያሱ ንእግዚኣብሄር ተዛረቦ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ በለ፡ ኣቲ ጸሓይ፡ ኣብ ጊብዖን ደው ኢልኪ ጽንሒ፡ ኣቲ ወርሒውን፡ ኣብ ለሰ ኣያሎን።
13. ሽዑ እቲ ህዝቢ ንጸላእቱ ሕነ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ጸሓይ ቁመት፡ ወርሒውን ደው በለት። እዝስ ኣብ መጽሓፍ ኣብ ማእከል ሰማይ ኣስታት ምሉእ መዓልቲ ቑመት፡ ንምዕራብ ከአ ኣይቀለጠፈትን።
14. እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ደሃይ ሰብ ብምስማዕ ከምታ መዓልቲ እቲአ ዝበለት፡ ቅድሚኣ ኾነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን።
15. እያሱ፡ ኩሉ እስራኤል ከአ ምስኡ፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ተመልሰ።
16. እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ ሀዲሞም ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓብኡ።
17. ንእያሱ ኸአ፡ እቶም ሓሙሽተ ነገስታትሲ ኣብ በዓልቲ ማቄዳ ተሓቢኦም ተረኺቦም ኣለው፡ ኢሎም ነገርዎ።
18. እያሱ ድማ በለ፡ ናብ ኣፍ እቲ በዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣንከባልሉ፡ ዚሕልውዎም ሰብ ከአ ግበሩ።
19. ንስኻትኩም ግና ደው ኣይትበሉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጸላእትኹም ናብ ኢድኩም ሂብኩም እዩ እሞ፡ ስጎጉዎም። ነቶም ዳሕሮት ከአ ቅተልዎም፡ ናብ ከተማታቶም ኪአትው ኣይትሕደግዎም።
20. ኮነ ኸአ፡ እያሱን ደቂ እስራኤልን ኣዝዩ ዓብዩ ስዕረት፡ ክሳዕ ዚውድኡ ፈጺሞም ምስ ሰዐርዎም፡ እቶም ካባታቶም መሊቖም ዝሀደሙ ድማ ናብተን እተዐርዳ ኸተማታት ምስ ኣተው፡
21. ኩሉ እቲ ህዝቢ ናብ እያሱ ናብ ሰፈር ኣብ ማቄዳ ብሰላም ተመልሰ። ንሓደ ኻብ ደቂ እስራኤልስ መልሃሱ ዘዋሳወሰሉ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
22. ሽዑ እያሱ፡ ነቲ ቅብ ኣፍ በዓልቲ ኽፈትዎ፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ካብቲ በዓቲ ናባይ ኣውጽእዎም፡ በለ።
23. ከማኡ ድማ ገበሩ፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት፡ ንጉስ ዮርሳሌም፡ ንጉስ ኬብሮን፡ ንጉስ ያርሙት፡ ንጉስ ላኪሽ፡ ንጉስ ዔግሎን፡ ካብቲ በዓቲ ናብኡ ኣውጽእዎም።
24. ኮነ ኸአ፡ ነቶም ነገስታት እቲኦም ናብ እያሱ ምስ ኣውጽእዎም፡ እያሱ ንኹሎም ሰብ እስራኤል ጸውዖም፡ ነቶም ምስኡ ኸይዶም ዝነበሩ ሓላቑ እቶም ተዋጋእቲ ድማ፡ ቅረቡ እሞ ኣእጋርኩም ኣብ ክሳውዲ እዞም ነገስታት እዚኦም ግበሩ፡ በሎም። ቀረቡ እሞ ኣእጋሮም ኣብ ክሳውዶም ገበሩ።
25. እያሱ ድማ፡ እግዚኣብሄርሲ ነቶም እተዋግእዎም ኹሎም ጸላእትኹም ከምኡ ኺገብሮም እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሰምብዱን፡ ጽንዑን ትብዑን፡ በሎም።
26. ድሕርዚ እይሱ ወቒዑ ቐተሎም፡ ኣብ ሓሙሽተ ኦም ሰቐሎም፡ ክሳዕ ምሸት ከአ ኣብተን ኣእዋም ተሰቒሎም ወዐሉ።
27. ኮነ ኸአ፡ ኣጋ ምዕራብ ጸሓይ እያሱ ኣዘዞም፡ ካብተን ኣእዋም ኣውሪዶም ኣብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ በዓቲ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ዘሎ ዓበይቲ ኣእማን ገበሩ።
28. እያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንማቄዳ ሐዛ፡ ንእኣን ንንጉሳን ከአ ብስሕለት ሴፍ ወቕዔ፡ ንኣታቶምን ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳትን፡ ሓደ እኳ ኸይተረፈ፡ ፈጺሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝገበሮ፡ ንንጉስ ማቄዳ ድማ ከምኡ ገበሮ።
29. እያሱ ኩሉ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ካብ ማቄዳ ናብ ሊብና ሐለፈ፡ ንሊብና ኸአ ተዋግኣ።
30. እግዚኣብሄር ድማ ንእኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ሀበ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳትን፡ ኣብኣ ሓደ እኳ ኸይተረፈ፡ ብስሕለት ሴፍ ቀተለ። ንን ንንጉሳ ድማ ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝገበሮ ገበረ።
31. እያሱ ኩሉ እስራኤል ከአ ምስኡ፡ ካብ ሊብና ናብ ላኪሽ ሐለፈ እሞ ኣብ መንጽራ ሰፊሩ ተዋግኣ።
32. እግዚኣብሄር ንላኪሽውን ኣብ ኢድ እስራኤል ሀባ፡ ብኻልኣይ መዓልቲ ሒዛ፡ ከምቲ ኹሉ ንሊብና ዝገበራ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳትን ከአ ብስሕለት ሴፍ ቀተለ።
33. ሽዑ ሆራም ንጉስ ጌዝር ንላኪሽ ኪረድኣ ደየበ፡ እያሱ ድማ ንእኡን ንህዝቡን፡ ሐደ እኳ ኸይተረፈ ቀተለ።
34. እያሱ፡ ብዘሎ እስራኤል ከአ ምስኡ ካብ ላክሽ ናብ ዔግሎን ሐለፈ፡ ኣብ መንጽር ሰፊሮም ከአ ተዋግእዋ።
35. በታ መዓልቲ እቲኣ ሐዝዋ፡ ብስሕለት ሴፍውን ወቕዕዋ፡ ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳት፡ ከምቲ ኹሉ ንላኪሽ ዝገበራ ፈጺሙ ኣጥፍኦም።
36. እያሱ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ካብ ዔግሎን ናብ ኬብሮን ደየበ፡ ተዋግእዋ ኸአ።
37. ሐዝዋ ድማ፡ ንእኣን ንንጉሳን ንኹለን ከተማታታን ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳትን ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም። ከምቲ ኹሉ ኣብ ዔግሎን ዝገበሮ፡ ሓደ እኳ ኣየትረፈን፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳትን ፈጺሙ ኣጥፍኦም።
38. እያሱ፡ ኩሉ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ናብ ደቢር ተመልሰ፡ ተዋግኣ ኸአ።
39. ንእኣን ንንጉሳን ንኹለን ከተማታታን ሐዘ፡ ብስሕለት ሴፍውን ቀተልዎም፡ ኣብኣ ንዘለው ኹሎም ነፍሳት ድማ ፈጺሞም ኣጥፍእዎም፡ ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ከምቲ ኣብ ኬብሮን ዝገበሮ፡ ከምቲ ኣብ ሊብናን ኣብ ንጉሳን ከአ ዝገበሮ፡ ኣብ ደቢርን ንጉሳን ከአ ከምኡ ገበረ።
40. በዚ ኸምዚ እያሱ ንኹላ እታ ምድሪ ኸረንን ደቡብን ቁላን ጎቦታትን ኩሎም ነገስታቶምን ቀተሎም፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝአዘዞ፡ ትንፋስ ንዘለዎ ኹሉ ፈጺሙ ኣጥፍኤ።
41. ከምኡ ድማ እያሱ ኻብ ቃዴስባርኔዓ ኽሳዕ ጋዛ፡ ንኹላ ሃገር ጎሴን ከኣ ክሳዕ ጊብዖን ወቕዖም።
42. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንእስራኤል ይዋግኣሉ ነበረ እሞ፡ እያሱ ነዞም ኩሎም ነገስታት እዚኣቶምን ንምድሮምን ብሓንሳእ ሐዘ።
43. ድሕርዚ እያሱን ብዘሎ እስራኤልን ምስኡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ተመልሱ።

  Joshua (10/24)